Sunday, January 31, 2016

ሚናስ ካብ ፈርሃ እግዚአብሔር ዝነብሮም ወለዲ ብ285 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ኣናቅዮስ ዝተባህለት ከተማ ተወልደ። ስም ኣብኡ ኣውዶክስዮስ ስም ኣዲኡ ድማ እፍምያ ይበሃሉ። ኣቦ ሚናስ ኣክሶሲዮስ ኣመሓዳሪ ናይ ኣናቅዮስ እዩ ዝነብረ። ብኹሉ ሠናይ ምግባሩ ከኣ ዝተፈተወ ኔሩ ። ኮይኑ ግና ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ጸላኢ ኩሉ ሠናይ ነገር ስለዝኾነ ቅንኣት ኣብ ልዕሊ ሓው ብምሕዳር ሓዉ ከኣ ንንጉስ ድቅልድያኖስ ብምእማን ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ናብ ኣፍራቅያ (ወይ ሕጂ ብቱርኪ ትፍለጥ) ከም ዝስደድ ገበረ። ኣውዶክስዮስ ግና ፈሪሃ እግዚአብሔር ስለዝነብሮ በዚ ከኣ ብኹሉ ሠናይ ተግባሩን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ፍትው ነበረ። ኣውዶክስዮስን እፍምያን ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ይሓስቡ ነበሩ ኩሉ ግዜ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩ ነበሩ። እፍምያ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሥእላ ትጽሊ ነበረት። ደቂ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ጻዕዳ ዝማኦረገ ልብሲ ለቢሶም ምስ ደቆምን ኩሎም ቤተሰቦም ደስ ኢልዎም ክኣትዉ ከለዉ ርእያ። ብኣማልድነታ ገባሪ ኩሉ ንዝኾነ ወዳ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ውላድ ንኸተውህባ ኣምሪራ ትነብዕ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ካብታ ሥእለ ኣድኅኖ “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ሰመዐት ። ናብ በዓል ቤታ ከይዳ ካብ ሥእለ እመ ብርሃን “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ከምዝሰምዐት ነገረቶ። ኣክሶሲዮስ ከኣ ንሰበይቱ “ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክኸውን እዩ።” ኢሉ ምስኣ ተሓጐሰ። ብድሕሪኡ ወዲ ወለደት። ሚናስ ዝብል ስም ካብቲ ዝሰምዓቶ ድምጺ ናይ እመ ብርሃን ኣውጸአትሉ። ሚናስ ቅሩብ ምስ ዓበየ ኣቡኡ ቃል ኣምላኽን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ክምህሮ ጀመረ። ሚናስ ወዲ 11 ዓመት ምስ ኣኸለ ወላዲኡ ዕድመ ጸጊቡ ብሞት ተፈልዮ። ድሕሪ 3 ዓመት ከኣ ወላዲቱ ኣዲኡ ብሞት ተፈለየቶ ። ሚናስ ብንኡስ ዕድሚኡ ንበይኑ ንዓለም ገጠመ። ኩሉ ግዜ ብጾምን ጸሎትን ይጽመድ ስለዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ኣይተጋደፎን። ንጉስ ዲቅልድያኖስ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዝነበሩ ኣምልኾ ጣኦት ክነግስ መምርሒ ኣውጽአ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ቅዱሳን ሰማእትነት ዝተቀበሉሉ እዋን እዩ። ሚናስ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደ ካብ ወተሃደራት ድቅልድያኖስ ነበረ። ነዚ ኩሉ ክሕደት ምስ ተዓዘበ ግና፣ ኩሉ ዝነበሮ ነገራት ሸይጡ ንድኻታት ድሕሪ ምሃብ፡ ናብራ ነገሥታትን ሃብታማትን ራሕሪሑ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ብምዃድ ናብራ ብሕትውና ጀመረ። ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዓቢ መንፈሳዊ ገድሊ ይጋደል ነበረ። ሓደ እዋን ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ራእይ ከኣ ሰማይ ተኸፊቱ ሠማእታት ወርቒ ኣኽሊል ዝደፍኡ ድምጺ’ውን ሰመዐ። እቲ ድምጺ ከኣ “ምእንቲ ክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ነዚ ኣኽሊል ሠማእትነት ይበቕዕ።” ዝብል ነበረ። ሚናስ ሠማእትነት ክቕበል ከኣ ብኡንብኡ ከኣ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ተመሊሱ ክሰብኽን ክምህርን ጀመረ። ብዙሓት ካብ ክቡራት ስድራ ምዃኑ ስለዝፈልጡ ዝነበሩ ነቲ ዝብሎ ዝነበር ክገድፍ ይመኽሩዎ ነበሩ። ግና ንሱ ብክርስቶስ ሓንሳብ ስለዝኣመነ ብትብዓት ይምስክር ነበረ። ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ከይተረፈ ብትብዓቱን ተወፋይነቱን ስለዝፈልጦ፡ ቅድሚ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ምዃዱ ዝነበሮ ናይ ወተሃደራዊ መዓርግን ስልጣንን ካብኡ ንላዕሊ ዝበለጸ ከም ዝህቦን ከም ዝገብረሉን ቃል ኣተወሉ። ቅዱስ ሚናስ ግና ንሰማያዊ ሃብቲ እዩ ዘቋምት ዝነበረ እምበር ምድራዊ ስለዘይነበረ ስብከቱ ቀጸለ። እቲ ኣመሓዳሪ ግና ንወተሃደራቱ ከሳቅይዎን ኣብ መወዳእታ’ውን ብበሊሕ ሰይፍ ርእሱ ክቆረጹዎን ኣዘዘ። ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ከኣ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ሠማእትነት ብ15 ሕዳር 309 ዓ.ም ተቀበለ። ሬሳ ቅዱስ ሰማእት ሚናስ ኣብ ሓዊ ንሰለስተ መዓልቲ ክቃጸል ተኣዘዘ። ገለ ኣመንቲ ግና ነቲ ሬሳ ካብቲ ሓዊ ምስ ኣውጽእዎ ከምዘይተቓጸለ ተመልከቱ። ንኣምላኽ እንዳኣመስገኑ ስጋብ ዘመን ስደት ዘብቆዕ ድማ ብመግነዝ ገኒዞም ኣብ ጽቡቕ ሳንዱቕ ዓቐቡዎ። ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ሰላማ ረኺባ ካብ ዓላውያን ነገሥታት ፈተና ነጻ ምስ ኮነት። ኩሉ መሰላ ምስ ተሓለወላ፡ ክርስቲያን እቶም ዝተረፉ ኣረሜናውያን ስለዘሸገርዎም ናብ ኩናት ወፈሩ። ናይቲ ኩናት መራሒ ዝነበረ ገድሊ ቅዱስ ሚናስ ብዓይኑ ዝረኣየ ስብ እዩ ዝነበረ። ሳንዱቕ ሬሳ ናይ ቅዱስ ሚናስ ምእንቲ ክሕግዞ ተማሊኡ ኣብ መርከብ ብምጽዓን ተበገሱ። ብቅዱሳኑ ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ፣ ብቅዱሳኑ ተኣምር ክገልጽ ከሎ ካብቲ ባሕሪ ፍልይ ዝበሉ እንስሳታት፡ ክሳዶም ንኣግማል ዝመስል ርእሶም ከኣ ተመን ቅርጺ ንዝነበሮም ካብ ባሕሪ ወጺኦም ነቲ ሬሳ ክልሕስዎ ናብቲ ሳንዱቕ ምስ ቀረቡ ካብቲ ሳንዱቕ ሓዊ ወጺኡ ኣቃጸሎም። ኣብዚ ከኣ እግዚኣብሔር ብቅዱሳን ተኣምራት ክገበር ንርኢ። እቶም ሰባት ከኣ ኩሎም ነዚ ርእዮም ኣደነቁ። ካብ ኣለክሳንድርያ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምስ ደለዩ ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ነቲ ሳንዱቕ ኣብ ገመል ምስ ኣቀመጡዎ እቲ ገመል ምንቅስቓስ ኣበዮም። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ገመል ፈቲኖም ግና ተማሳሳሊ ስለዝነበረ ኣብታ ዝነበሩዋ ቦታ ቀቢሮም ናይ መቃብር መፈለጥታ ገይሮም ናብ ቦትኦም ከዱ። ትእምርቲ እግዚኣብሔር ክግለጽ ቅዱስ ሚናስ ዝተቀብረሉ ሓደ ጓሳ ይመላለስ ነበረ። እዚ ጓሳ ብብርቱዕ ቁስሊ ዝሓመመት በጊዕ ነበረቶ። ብርግጽ ኣበይ ከምዝተቀብረ ናይ መን መቃብር ከም ዝኾነ ዝፈልጦ ኣይነበረን። እታ በጊዕ ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ሚናስ ዘሎ ቅዱስ ሓመድ ምስ ደቀሰትን ካብቲ ዝፍልፍል ማይ ምስ ሰተየትን ካብ ኩሉ ቁስላን ሕማማን ነጺሃ። ፈጺማ ሓወየት። እዚ ተኣምር ዝተዓዘበ ጓሳ ብሓቒ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን ፈረሀ። ካብ ኣባጊዑ ዝኾነ ሕማም ከጋጥሞ ከሎ ካብቲ ሓመድ ወሲዱ ማይ ሓዊሱ ይለኽያን የስቲያን እሞ ካብቲ ዝነበራ ሕማም ትሓዊ። ካብ ጥሪቱ ሓሊፉ’ውን ዝሓመሙ ሰባት ከሕዊ ጀመረ። እዚ ዜና እዚ ክሳብ ቆንስጦንቲን ንጉሥ በጽሐ። እዚ ንጉሥ እዚ ሓንቲ ጓል ነበረቶ። እዛ እንኮ ጓሉ ኩሉ ሰውነታ ብዘስካሕክሕ ቁስሊ ተሸፊኑ ነበረ። ንኽትሓውየሉ ናብቲ ቦታ ሰደዳ። ነቲ ጓሳ ከመይ ገይሩ ንጥሪቱ ከም ዘሕውየን ዝነበረ ሓተተቶ። ከምቲ ዝነገራ ገይራ ከኣ ሓመድ ምስ ማይ ሓዊሳ ንኹሉ ሰውነታ ለኸየቶ። ካብቲ ማይ'ውን ሰተየት ኣብታ መቓብር ዝነበረታ ከኣ ሓደረት። እዚ ኩሉ ክግበር ግና ናይ መን መቓብር ምዃኑ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ድቃሳ ሠማእት ቅዱስ ሚናስ ተራእያ፡ ከምዚ’ውን በላ፡ እዛ ደቂስክላ ዝለኺ መቓብረይ እያ፡ ኲዒትኩም ኣዕጽምተይ ክትረኽቡ እኹም። ንስኻ መን ኢኻ፤ ኣነ ሚናስ እየ። ኢሉ መለሰላ። ሚናስ ኣብ ምድቃሳ ስለዝረኣየት ብጣዕሚ ደስ በላ። እቲ ኩሉ ግዜ ዘሳቕያ ዝነበረ ቁስሊ ድማ ተቐንጢጡ ከም ዝጠፍአ ምስ ረኣየት ከኣ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰት ንኣምላኽ’ውን ኣመስገነት። ኣንጊሃ ከኣ ንገላዊኣ ነቲ ቦታ ኲዒቶም ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ከውጽእዎ ኣዘዘት። ነዚ ኩሉ ሓጐስ ከኣ ንንጉሥ ደብዳቤ ሰዲዳ ኣበሰረቶ። ንጉሥ ከኣ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ቦታ ሃነጸ። ብግዜ ንጉሥ ኣርካድዮስን ኦናርዮስን ብሽም እዚ ጻድቕ አቦ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም ከተማ’ውን ንኽገብሩላ ኣዘዙ። እዞም ቅኑዓት ነገሥታት ኣዕጽምቲ ቅዱስ ሚናስ ኣብታ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ገበሩ። ብዙሕ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብፍቓድ ኣምላኽን ብ ኣማላድነት ቅዱስ ሚናስ ተገብረ። ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝሓመሙ ናብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ይሓውዩ፡ ዝተፈላለየ ምልክታትን ተኣምራትን ይርእዩ ነበሩ። ጸላኢ ሠናያት ግና በዚ ስለዝተረበሸ ናዕቢ ኣለዓዒሉ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምትፈርስ ገበረ። እታ ከተማ’ውን ዑና ኮይና ተረፈት። ሕጂ’ውን ጸላኢ ሠናያት ምእንቲ ክሓፍር ኣዕጽምቱ ካብቲ ዝነበሮ ኣውጺኦም ካልእ ቤተክርስቲያን ሰሪሖም ኣቐመጡዎ። ኣብዚ’ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ዝዓበየ ዘደንቅ ተኣምራት ተገብረ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሚናስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ። ምንጪ፡ ስንክሳር ሕዳር 15 ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Wednesday, May 13, 2015

                      ፈራዲኻ ኣለሊ
ኦ ኣቦየ ኣታ እሙን ሒያዋይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኮምኡ ውን ፍቁር መታዓይይቲ ሕያዋይ ኣቦ ዝኮንካ ንጹህ ዲያቆንን
ትፈልጡ ዶ እቶም ከማኩምን ደቅኹምን ዝኾኑ ስለምንታይ ከም ዝፈርዱኹም
1፡ጸጋኹም ስለ ዘየለለይዎ
2፡ ባሮት ናይ መን ምኻንኩም ብዝግባእ ስለ ዘይፈለጡ
3፡ ፈተና ዝበዝሖ መንገዲ ናይ መን ምካኑ ብዘይምሊላዮም
4፡ እረ እቲ ዝዓበየ ካ ካብ ንዓኹም ንደቆም (ንምእመናንን)ክሰምዑ ስለ ዝመረጹ
5፡ ንዓለም ንኽትፈርዱ ዝተወሃበኩም ጸጋ ብ ዓለም ፈረድኩም ወናኒ ዓለምን ተጻባኢ ሰባትን ስለ ዝረስዑዎ

ኦ ኣቦየ ኮምኡ ውን ፍቁር ሓወይ ዲያቆን ንስኻ ድኣ ኣብ እምነትካ ደኣ ጽናዕ በዚ ነገርሲ ጸጋኻ ኣብ ርእሲ ጸጋ ይብዛሕካ ።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር .... .....
ብ ዮናስ በረኸት


ይቅጽል..... .

Saturday, October 5, 2013



ኣሰይ ተዓዊቱለይ ክጽሕፍ በቂዐ
ኣመሳቂለ ኣእዳወይ ብርዐይ ሶኺዐ
ሰናይ ንዝተምነይ ክሕብር ንንዘንግዐ
ሰላም ዝተሓረሞ ኣእምሮይ ብጭንቐት ንዝረስዐ
ክመርጽ ርእሰ ሓሳብ ዝሰማማዖ ቃላት
ብኣርምሞ ንደቃይቅ ብምሊዛብ ክጥምት ንሕንጻጻት
ሓዲሽ ዓመት ምስ ልደት ዝዓበየ ፍቅራዊ ሰረት
ምግባር ማዕረ እምነት ዝሓለወት ናይ ኣበው ደረት
ትማሊ ኔርና ብሓባር ዝተመነና
ደኺምና ንጽባሕ ጺዒርና
ሰሪሕና ኣቲና ከነዕርፍ ቤትና
ጊዚኡ ኣኺሉ ንትኣኻኸበሉ ምስ ስድራና
ደጊመ ንኽብለኩም ዋላ ነቶም ዘይተዓደምኩም
ዓመተ ሰላም ቅሳነት ንክኾነልኩም
ፍቅሪ እምነት ሓድነት ንኽወርደልኩም
ራህዋ ተስፋ ጽንዓት ክስረታ ኣባኹም
ሩሑስ ሓዲሽ ዓመት ምስ ልደተ ክርስቶስ
የብቅዓና ብሕብረት ጽድቂ ጎይታ ክንሓፍስ
ብሓውኹም ዮናስ፡በረ
ተኣዋን ደኣ ጊዜ ዝኣከለ ህዝቢ ካዘይተኣከበ

ንብረቶም ሃብቶም ንኽለብሱ  ዕድመ ዘይሃበ

ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ

                             ደማዊ ዝንዛሕ ንብዓተይ ከይነቀጸ

                            ቁስለይ ከይሓወየ ድክተርካ ክጽዉዕ ዘይመጸ

                            ኡይ ኡይ ክብል ንምንታይ ግን ባሕሪ

ምሕረት ክሊገሰለይ ብኣዊያት ጽገመይ

ተማህለልኩ  ናብ ምድሓን ዓለመይ

ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ ንምንታይ ግን ባሕሪ

                          ስድራቤታት ንኽበኺያ ንምሉእ ዕምሪ

                          ካብ ርሑቅ ጸዊዕካ ክትተክል ጋህሪ

                         ይኣክል በል,,2,, ንኽነብር ብኽብሪ

                         ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ

እግዚኣብሔር ሰላሙ ክሊእከልና

መግቡ ክምግበና ኣብ ቤቱ ከንብረና

ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
                
                          ኣርኢኻ ኣተስፊኻ ግዜ  ዘይሃብካ

                          ነቲ ዝነበርኩዎ ግዜ ዘካረጽካ

                          ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ

ኮይኑ ደኣ መሲሉካ እንበር

ልማኖና ኣይኮነን ካ ብባሕሪ ዝስመር

ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ

                      ተወከፍ ጸሎትና ስማዕ ልማኖና

                      ዕረቀና ምስ ባሕሪ ኣምላኽና

                      ንኽንወርስ ሰመያዊት ቤትና

 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ኩቡር




እታ ዝበለጸት ልቢ


እታ ዝበለጸት ልቢ

እቲ መንእሰይ ኣብ ማእከል ጎደና ናይታ ዓባይ ከተማ ኮይኑ ዝጭርሕ ነይሩ፣

 

እቲ መንእሰይ      ‘’ኣብዛ ከተማ ካብ ዝርከቡ ሰባት እታ ዝበለጸት ልቢ ናተይያ፣ ፈጺማ ከምዛ ናተይ ልቢ ክህልዎ ዝኽእል ሰብ ኣብዛ ከተማ የለን፣’’ እናበለ ናብቶም

ከቢቦም ዝነበሩ ሰባት እናጠመተ ብዓውታ ተዛረበ፣ እቶም ከቢቦም ዝጥምትዎ ዝነበሩ ሰባትውን ነቲ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ዝጭድር  ዝነበረ መንእሰይ እናጠመቱ። ምስ ሓሳቡ ከም ዝተሰማምዑ።

 ሰባት       ‘’ብርግጽ  እታ ዝበለጸት ልቢ ናቱያ፣’’ ክብሉ ተሰምዑ፣ ኣብ ዙሪያ እቲ መንእሰይ ቁጽሪ ዘይብሉ ሰብ ክብርክት ጀመረ፣ እቲ መንእሰይ  ብዘረባ እቶም ከቢቦሞ ዝነበሩ ሰባት ተተባቢዑ ብዛዕባ እታ ጎደሎ  ዘይብላ ልቡ እናደጋገመ ተዛረበ፣

ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ግን ካብ  ሞንጎ እኩብ ሰብ ናብቲ ብዓውታ ዝዛረብ ዝነበረ መንእሰይ ቀረቡ፣

 ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ‘’ልብኻ ካብ ናተይ ትበልጽ ኣይኮነትን፣‘’ ብምባል ድማ ጭደራኡ ከም ዘቋርጽ ገበሩ፣ ነቲ ብመላጉም ተዓጽዩ ዝነበረ ካምችኡ ብምኽፋት ከኣ ‘’

ተዓዘባ። ናተይ እታ ዝበለጸትያ፣’’ በልዎ፣

እቲ መንእሰይ  

እቲ  መንእሰይ ብምግራም ናብ ደረት እቶም ሽማግለ ብምጥማት። ንልቦም ብትኹረት ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብብርቱዕ ዉቅዒት ትሃርም ነበረት፣ ዝበዝሕ ክፋል ኣፍ ልቦም ብበሰላታትን ልሕጻጻትን ዝመልአ እዩ፣ ኣብ ገለ ክፋልውን እትው ዝበለን ዝዓሞቐን በሰላታት ይረአ ኣሎ ፣ ኣብቲ ዓቢ ጎደና ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ንኣፍ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብዕምቆት ድሕሪ ምጥማት።

  ሰባት

‘’ከመይ ገይሮምዮም ክንድዚ ልሕጻጽ ኣብ ኣፍልቦም እናሃለወ ልበይ ትበልጽ ዝብሉ?’’ብምባል ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለ ኣቦ ምዕዝምዛም ቀጸሉ፣እቲ መንእሰይውን ነታ ብትሕቲ በሰላታት ዘጽለለት ልቢ እቶም ሽማግለ እናጠመተ

እቲ መንእሰይ      

‘’ትጻወቱ ዲኹም ዘለኹም?‘’ ብምባል  ተበርጢጡ ሓተተ፣ ቀጺሉ ናብቲ  ዝነበርዎ ወገን ብምቕራብ።

‘’ምስ ናተይ ከተወዳድርዋ ምሕሳብኩም ዕሽነትዩ፣ ናተይ ዝበለጸት እያ ናትኩም ግን …..?’’ ዘረባኡ  ከይመልአ ክምስ ብምባል ኣብ ልዕሊቶም ሽማግለ ኣላገጸ፣

‘’ብርግጽ የላግጽ ኣይኮንኩን ዘለኹ’’ እቶም ሽማግለ ንዘረባኡ  ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ክምልሱ ጀመሩ፣ ‘’

ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ      

ናትካ ንምርኣያ እተብህግ ጽብቕቲ ልቢያ፣ እንተኾነ ምስ ናተይ ፈጺማ ክትዋዳደር ትኽእል ኣይኮነትን፣’’ንዘረብኦም ብምቁራጽ ንገጽ እቲ መንእሰይ ብትኹረት ክጥምቱ ጀመሩ፣ ‘’ተዓዘብ ‘’ ነቲ ኣብ ኣፍ ልቦም ዝነበረ በሰላታት በብሓደ ክድህስሱ ጀመሩ፣ ኣብ ገለ  ክፋል ኣፍ ልቦም ክሳብ ነጻብዖም ዝውሕጥ በሰላታት ነበረ፣ ‘’እዚ ኩሉ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት።ንሰባት ካብ ልበይ ዝመቐልክዎ  ፍቕሪ ዘመልክት፣ ተዓዘቦ ። እዚኣብ ገሊኡ ዝርኣየካ ዘሎ ጭንዳሕን ጋግ ከኣ። ፍቕሪ ልውሃት ሓሊዮት ሓጎስ ዕርቂ ሕያዊነት እምነት ህድኣት  ይኣኽለኒ ምባል ርህራሄ ትሕትና ሰላም  ንዝሃብክዎም  ሰባት ፍቕሪ ዝመለሱለይዮም።(ገላ 5፣21)እንተኾነ እቲ ካብ ልቦም ዝሃቡኒ ከም ፍቕሪ ልዉሃት ትሕትና ሓጎስ ለዉሃት  ኣብቲ ዝጸንሐ ነቓዓት ምእታው ይስእን እሞ። ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ጋግ ኮይኑ ይተርፍ፣ ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ዝሃብክዎም ፍቕሪ ከይመለሱ ይተርፉሞከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ፍቕሪ ክጽበ ጎዳጉዲ ኮይኑ ይተርፍ፣ እዚ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት ማዕረ ክንደይ ኣቐንዛዊ ይመስለካ? ካብ ክትግምቶ ትኽእል ንላዕሊ ኣቐንዛዊዩ፣ እንተኾነ ካብ ፍቕሪ ምሃብ ዝዓቢ ህያብ ከቶ የለን፣

ክሳዕ ሎሚ ከኣ ንሰባት ፍቕሪ ኣብ ምሃብ እርከብ ኣለኹ፣ ተስፋ ይገብር ሓደ መዓልቲ ኩሎም እቶም ካባይ ፍቕሪ ዝተመቕሉ

ሰባት ክመልሱለይ እሞእቲ  ዘለኒ ጎዶሎታትን ቃንዛን ናብ ዝነበሮ ክምለስ፣’’ ድሕሪ እተን ትኩራት ኣዒንቲ እቶም ሽማግለ

ኣብቲ መንእሰይ ተተኺለን ነዊሕ  ደቓይቕ ሓለፈ፣ ‘’እቲ ሓቀኛ ጽባቐ በሪሁልካ ?’’ ሕትኦም ናብቲ ፈዚዙ ዝከታተሎም ዝነበረ

መንእሰይ ኣበሉ፣ እቲ መንእሰይ ንኹሉ ዘረባ  እቶም ሽማግለ ብጽሞና ድሕሪ  ምስማዕ።

እቲ መንእሰይ      

ኣዒንቱ ውሪግሪግ

ክሳብ ዝብሎ ብንብዓት መልአ፣ ናብቶም ሽማግለ ብምቕራብ ከኣ ክልተ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ኣብ ክሳዶም ተጠምጠመ፣ ገለ

ካልኢት ብዝሓለፈ ከኣ። ካብ ልቡ ፍቕሪ ብምምቓል ነቶም ሽማግለ ሰብኣይ ኣረከቦም፣ እቶም ሽማግለ ካብቲ መንእሰይ ዝተቐበልዎ

ህያብ ፍቕሪ ኣብታ ብበሰላታት ዝመልአት ልቦም ኣቐመጡዎ፣ ድሕሪ እቲ መንእሰይ ንልቡ ብተመስጦ ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቡ

ምልእትን ጽብቕትን ከምዘይነበረት ኣስተውዓለ፣ ግና ካብቲ ዝነበረቶ ኣጸቢቓ ከም እትበልጽ ፈለጠ፣ ምኽንያቱ ንሰባት ፍቕሪ ካብ

ምልጋስ ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየለ፣ ልቡ ብፍቕሪ ክሳብ እትመልእ ከኣ ብሓባር ብምዃን ምስቶም ሽማግለ ቀጸለ