Thursday, September 26, 2013

  “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይ ኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ገላ.6፣14።
 
         በስመኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን ። መስቀል ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ዝተሰመኩም ስድራ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣፍቀርቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግላ ማርያም ብ ኣማላድነት ኩሎም ቅዱሳን አተኣምኑን ኣሕዋት ከመይ ኣለኹም ፡መንፈሳዊ ሂወት ከመይ የከኣል ኣሎ ፡ማሕበር ከ ?ፍቁራት የሕዋት ሎሚ ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር ፡ብዛአባ መስቀል ፡እትገልጽ ስነ ጽሑፍ ንጽሕፈልኩም ኣለና ንሰካተኩም ከተንብ ብ ዋ ኣንቢብኩም ድማ ሊክዕ ከም ናይ ማርያም ሓፍቲ ኣልኣዛር ኣብ ሊቡኩም ከተከምጥዋ ን ምሕጸነኩም፡ ከመኡ እዉን ሃናጺ ትብልዎ ርእይቶ ክትልእኩልና ሓደራ ንብል።
       መስቀል ናይ መስቀል በዓል ዝኽበር 17 መስከረምን 10 መጋቢትን እዩ። ታሪኽ ውን ብመጠኑ ንምግላጽ ። ጎይታ ኣብ መስስቀል ተስቂሉ ድሕሪ ምማቱን ምትንስኡን ሕሙማት ነቲ ዝተሰቅለሉ መስቀል እንዳ ዳህሰሱ ይፍወሱ ነሮም።በዚ ተኣምራት እንዳ ተሳሓቡ ውን ብዙሓት ኣመነቲ ክርስታያናት ኮዩኖም ።ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ነቲ መስቀል ጎይታ ኣብ ሓደ ጎሓፍ መአከቢ ደርበይዎ ።በብመዓልቱውን ነባሪ እቲ ከባቢ ጎሓፍ ይግሑፉሉ ብምንባሮም እቲ ከባቢ ከም ጎቦ ኮነ።ዋላ’ካ ክርስትይን ነቲ መስቀል ከውጽእዎ ኣይኸኣሉ እንበር ነቲ ቦታ ይፈልጥዎ ነበሩ። ድሕሪ ወራር ጥጦስ (70 ዓ,ም)ክርስትያናት ንኢየሩሳሌም ፈጺሞም ገዲፎም ስለዝወጹን መልክዕ እታ ከተማ ዉን ስለዝተለዎጠ ምስ ምንዋሕ ጊዜ መስቀሉ ዝተቀብረሉ ቦታ ኣበይ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣየተኻኣለን ። በዚ ምኽንያት ካብ 300 ዓመት ንላዕሊ ተደፊኑ ጸኒሑ እዩ።
          ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን (327 ዓ.ም) ኣደ ንጉስ ቖስጠንጢኖስ ንግስቲ ኢለኒ ነዚ ታሪኽ ትሰምዕ ብምንባራ ኣኹዒታ ከተውጽኦ መነገዳ ናብ ኢዮርሳለም ኣቅንዕት።ኣብኡ በጺሓዉን ነቲ ኩሉ ጎቦታት ኣኽዒታት ክትረክቦ ኣየከኣለትን ። ንሰብ ውን እንተ ሓተተት ዝፍልጠላ ኣይተኸበን።ኣብ መወዳእታ ግናእቲ መስቐል ንኽወጽእ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብምን ባሩ ሓደ ኪርያኮስ ዝስሙ ኣረጋዊ፡ጸገም ንግስቲ ኢለኒ ተረዲኡ ከመዚ ኢሉ መኸራ። ንስኺ ብከንቱ ኣይተድከሚ ። ነቲ ሰብ ውን ብከንቱ ኣየተደክምዮ ።እንጨይቲ ኣኪብኪ ኩምራ ምስ ኮነ ዕጣን ኣፍስስሉ ብሓዊ ውን ኣተሓሕዝዮ ።ትኪ እቲ ዕጣን ናብ ላዕሊ ወጺኡ ናብ ታሕቲ ምስ ወረደ ነቲ ኣንፈቱ ተኸቲልኪ ኣኹዕትዮ፡በዚ ምልክት ከኣ ከተረከብዮ ኢኺ ፡ኢልዋ። ስንክሳር 10 መጋቢት ተመለከት። ንሳውን ንዝተባህለቶ ገበረት ። <<ዘዕጣን ኣንጸረ ሰገደ ጢስ>>ትኪ እቲ ዕጣን ከኣ ናብ ላዕሊ ወጺኡ ናብ ታሕቲ ክምለስ ከሎ መስቀል ናብ ዘለዎ ስፍራ ብኢድ ከም ምምልካት ዛክል ሓበረ።ንሳውን ነዚ ምልክት ሒዛ ኣውጺኣቶ ኣላ ። <<በጎልጎልታ ዘደፈኑ ኣይሁድ ዮም ተረክበ ዕጸ መስቀል >>። ነዚ በዓል ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ክርስታያናት የኽብርዎ እዮም።
          ኣብ ሃገርና ከኣ ዝለዓለን ፍሉይን ዝኾነ ስርዓት ኣከባብራ ኣለዎ። ናይ መስቀል በዓል ምስ ብራቅ ጸሓይን ምውጻእን ከረመትን ዝተተሓሓዘ ስለዝኮነ ዝተፈለየ ድምቀት ኣለዎ። 17 መስከረም ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራ ብዝተወሰነን ብዝከበረን እቲ ህዝቢ ከካብ ከባቢኡ ንዝተኣከበ ሽግ ብምኹማር ይድምሮ (ዳሜራ የሰርሖ)። ካህናት ውን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተደመረ (ዳሜራ)ሽግ ጸሎት ኣብጺሖም <<መስቀል ኣብርሀ፡በከዋክብት ኣሰረገወ ሰማየ እምኩሉሰ ጸሐየ አራየ>> እንዳበሉ ነቲ ዳሜራ ዝተጸለየሉን ዝተባረኸን ስለዝኮነን እቲ ምእመን ነቲ ሓኽሙሽቲ ነናብ ቤቱ ይወስዶ ፡ሰብን እንስሳን ከኣ የልከዮ። ንግስቲ ኢለኒ 17 መስከረም ኩዕታ ጀሚራ 10 መጋቢት ነቲ መሰቀል ስለ ዝረኸበቶ እዘን ክልተ መዓልታት ከም በዓል ተቆጺሩ ይኽበር ። መስቀል ኣብ ህይወት ቤተክርስትያን ዝለዓለ ስፍራ ኣለዎ። መስቀል ኣብ ትንቢት ንብያትን ምሳሌን መሰረታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ።ትንቢት<<ሓረገ ወይን ኮነ መድሓኒትየ ዘኣምሐሰስን ይትገዝም ወበጎልጎታ የተከል>>መሃ.5፡2 ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፡ከም ይምስጡ እምገጸ ቕስት ፡ወይድህኑ ፍቁራኒከ>>መዝ 59፡4 ተባሂሉ ኣሎ። ምሳለ መርከብ ኖህ ዘተስረሓትሉ እንጨይቲ ። ዘፍ 7፡6 ሙሴ ንፈርዖንን ሰራዊቱን ዝሰዓረሉ በትሪ ።ዘጸ 4፡2-9ኣርዌብርት ዘሁ 21፡9 ምሳለታት መስቀል እዮም። ቅድሚ ጎይትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት ምቅጽዒን ምልክት ርግማንን ውርደትን እዩ ኔሩ።(ዘዳ21፡23,2ቆረ5፡21.ገላ.3፡13)። ድሕሪ ስቅለት ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና መስቀል ክርስቶስ ዓዋጅ መንፈሳዊ ናጽነትና ዝተነግረሉ ሰለማዊ ዙፋኑ ኮነ።(መዝ 2፡6,7፡44,)ስለዝኾነ ውን ንኩሎም ክርስትያናት ምልክት ዓወትን ናጽነትን እዩ።<<ገበረ ሰላም በመስቀሉ >>ክርስቶስ ብመስቀሉ ሰላምን ናጽነተን ገበረ(ኤፌ.2፡15-17) እቲ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ብቅርጺ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ዘረኣዮ መስቀል ምልክት ዓወት ኮዩኑ ክነብር እዩ፡ ናይ መስቀል ኣማናዊ ምስጢራዊን ሓይሉን ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ ንዝኣምኑ እምበር ንዘይ ኣምኑ ስንፍና እዩ።(1ቆረ 1፡18 ፊል 3፡18)። መስቀል ሓይሊ እግዚኣብሔር እዩ ምባል ዋዛ የመስሎም ።
           ናይ መስቀል ንሞትን ኣጋንንትን መቅጽዒ ኮዩኑ ኣሎ።<< በመስቀሉ ወልድ ዘዓለመ ፈጠረ>>(ቅዱስ ያረድ መዋስዕት)። ምእመናን ብክርስቶስ ኣሚኖም ብመስቀል ናጋንንትን መንፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ክስዕሩ ስለዝነበሩ እዩ።ካብዚ ዝተላዕለ ናይ ክርስትያናት ኩሉ ኪነ ጥበብ ፡ኣብ ክዳኖም መጽሓፎም ።ኣብ ንዋት ገዞም ናይ መስቀል ምልክት ኣለዎ። ብህይወት ስጋ ከለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ድሃሪ ሞቶምዉን መስቀል ካብ ምእመናን ኣይፍለንይን እዩ።ዓጽሞም ኣብ ዝዓረፈሉ ኣብ መቃብሮምኩሉ መስቀል ቅርጺ ካብ ዕንጨይቲ ወይ ውን እምኒ በረ ከመኡ ውን ሓጺን ይግበር።ኣብ ልዕሊ መቓባሮም ውን ምንባሩ መስቀል ናይ ሞትን መከራን ምሳሌ ምኻኑ ተሪፉ ናይ ትንሳኤን ሂይወትን ምልክት ንምኻኑ ንምግላጽ እዩ። መስቀል ኣብ ቤተክርስታይን ኣገለግሎት ቡራኬ ይባረኸሉ ።ካሃናት ስልጣነ ክህነት ካብ ዝተቀበሉሉ እዋን ጀሚሮም መስቀል ይሕዙን በቲ መስቀልል ይባርኹን።ምእመና ውን ይሳለመዎ። በዚ መሰረት ከኣ መስቀል ኃይሊነ፡መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ፡መስቀል መድኃኒት ነፍስነ ኣይሁድ ክህዱ ንህነሰ ኣመንነ ወእለ ኣመነ በኃይሉ መስቀሉ ድኃንነ እንዳበለት ቤተክርስትያንና ትጽሊን ትዝምርን ትጽሊይን። ንመስቀል ናይ ጸጋን ኣኽብሮት ስግደትን ፡ኣስተባርኮትን ኣድንኖን ምቅራብ ከምዝግባእ <<ወንሰግድ ውስተ መካን ኃበ ቆመ እግረ እግዚኢነ>>(መዝ.131፡7)።<<ለመስቀልከ ንሰግድ ኦ ሊቃነ ወለትንሳኤከ ቅድስት ንሴብሕ ኩሉነ>>(ቅዱስ ያሬድ ጾመ ድጋ)ንዝብሎ መሰረት ብምጋብር ተስተምህር እያ።
   ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ መስቀል ዝተገብረላ ክብሪ ኣምላኽ ንምዝካርን ንምኽባርን ዓመት ዓመት ከተኽብሮ ትነብር ። እዚ እትገብረሉ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፣- “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይ ኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ገላ.6፣14። ቤተ ክርስቲያን ውን ኣሰኣሰር ሓዋርያ ጳውሎስ ብምኽታል “መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ።” ብምባል ነቲ ንዓኣ ንምቕዳስን ንምድሓንን ክብል ኣብ መስቀል ዘተፈጸመ ዓሰርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክትዝክር ትነብር ኣላ።
መስቀል ማለት ሰላም እዩ። ኤፌ.2፣13-17።
መስቀል ማለት ሓይሊ እዩ። 1ቆሮ.1፣18-19።
መስቀል ማለት ንጸላኢ እንስዕረሉ መሳርሒ እዩ። ቈሎ.2፣14-15።
ዝኾነ ክርስቲያን መስቀል ምጻር ከም ዝግብኦ ክፈልጥ ኣለዎ። “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ነዓይ ኣይበቅዕን እዩ።” ማቴ.10፣38። እዚ ማለት ከኣ ኩሉ ኣማኒ ብቕዓት እምነቱ/ታ በቲ ዚጾሮ መስቀል ይምዘን ማለት እዩ።
መስቀል ምጻር ማለት እቲ ንሕና እንነብሮ ሕይወትን እንሰርሖ ስራሕን ምስቲ ንሕና እንሕዞ መስቀል ብግብሪ ዚሳነ ክኸውን ኣለዎ ። “ንዅሎም ከኣ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ነፍሱ ይቕበጽ መስቀሉ  ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ በሎም።” ሉቃ.9፣23።
 መስቀል ምጻር ማለት እምበኣር ንዓለምን ፍትወቱን ትምኒቱን ንዒቕካ ደድሕሪ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ምስዓብ ማለት እዩ። እቶም ንእግዚኣብሔር ዘስመርዎ ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ በዚ መንገዲ እዚ እዮም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኣም ሞገስ ዝረኸቡ። “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።” ገላ፣5፣24።
     ስለዚ  መስቀል ማለት ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ንሕና ውን መዓልቲ መዓልቲ እግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ሓሳባትን ግብርታትን እንሰቕለሉ ትእምርተ ድሕነት እዩ።
   “እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ እቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ምእንቲ ክጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም እተሰቕለ ፈሊጥና ኣሎና።” ሮሜ.6፣6።
“ኣነስ ንኣምላኽ ብሕይወት ምእንቲ ክነብር ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።” ገላ.2፣19።
“ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ ምንዝር ርኽሰት ፍትወት ሥጋ ክፉእ ትምኒት ስስዔ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” ቈሎ.3፣5።
    ፍቓድ እግዚኣብሔር ምግባር ማለት እቲ ንኸይንገብሮ ዝኸልከለና ጐዳኢና ዝኾነ ግብሪ ካብ ልቢ ኣውጺእና ደርቢና ነቲ ክንገብሮ ዘተኣዘዝናዮ ምስ እንፍጽም ጥራይ እዩ።
     ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዚግብኣና ኸኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፣- “እምበኣርከስ ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኮይንኩም ምሕረት ልቢ ለውሃት ትሕትና ዓቕሊ
ትዕግስቲ ልበሱ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኵሉውን ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ ልበስዋ።” ቈሎ.3፣12-15።1ቆሮ.13፣4-8።
 እዚ ንኽንፍጽም  እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና።
     ኣሜን።