Sunday, February 24, 2013


ጾመ ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

ጾመ ነነዌ
ጾም ማለት ቀዳማይ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ተኸልኪልካ ፍቓድ ሥጋ ንፍቓድ ነፍስ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ፣ ከምኡ`ውን ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ ኣፍካ ክፉእ ካብ ምዝራብ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ብሓፈሻ ካብ ኃጢኣት ተኸልኪልካ ምጽናሕ እዩ።
ጾም ካብ መግቢ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድነት ብጸሎትን ብምንባብ ቃለ እግዚአብሔር ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ፣ <እምበኣርሲ ሕጂ`ውን ብጾምን ጸሎትን ብብኽያትን። ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ይብል እግዚኣብሔር ንሱ ንኩራ ደንጓዪ ብሣህሉ ምሉእ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይን ርህሩህን መሓርን እዩ`ሞ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ከኣ ቅደዱ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም`ውን ተመለሱ> ይብል (ት.ኢዩ 2.12-13)፣ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቁ ብገዛእ ፍቓዱን ድሌቱን ክመላለስ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ንህዝቡ ድማ ንገፋዕቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ኣብ ክንዲ በረኸት ድማ መርገም ይሰደሎም ህዝቢ ኣምላኽ ውድቀቱን ጥፍኣቱን መከርኡን ርእዩ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምድላይ ገጹ ኣብ ዝመልሰሉ ግዜ ጾም እቲ ቀንዲ ንንስሓ ዘገልግል መሳርሒ እዩ። በቲ ዝበደሎን ዝፈጸሞን ተጣዒሱ ብብኽያትን ብናይ ሓቂ ጣዕሳን ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ምስ ዝምህለል ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ፣ ከም ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንና ከኣ ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል ንሱ ከኣ :-
  1. ናይ ፍቓድ ጾምን
  2. ናይ ኣዋጅ ጾምን ይበሃል፣
ናይ ፍቓድ ጾም ንሓደ ተነሳሒ ከም ቀኖና ዝወሃብ ናይ ግሊ ጾም እዩ፣
ናይ ኣዋጅ ጾም ድማ ብኣዋጅ ዝግበር ጾም ኮይኑ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሠሪዓትልና ኣላ ካብኣተን ድማ እዚ ጽባሕ እንኣትዎ ጾም ጾመ ነነዌ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ት.ዮናስ ተጻሒፉ እንረኽቦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብእከይ ግብሪ ናይ ህዝቢ ነነዌ ተቆጢዑ ነበረ እሞ ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምዃኑ ካብ ኃጢኣቶም ንኽምለሱ ንነብይ ዮናስ ናብታ ርእሲ ከተማ ኣሶር ዝኾነት ነነዌ ክኸይድ ኣዘዞ፣ <ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ እከይ ህዝባ ዓቢ ከምዝኾነ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ ኣንጻራ ስበኽ ኢሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣዘዞ፣> (ት/ዮናስ 1.1-2) ሰብ ነነዌ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣመንዎ። ኩሉ ክጸውም ድማ ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ከም ዝተጣዕሱ መታን ከርእዩ ከኣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንኣሽቶም ወጮ ተኸድኑ እዚ ወረ`ዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሐ ንሱ ድማ ካብ ዝፋኑ ተንሢኡ ልብሲ መንግሥቱ ቐንጢጡ ወጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙኩሽቲ ተቐመጠ። ኣብ ህዝቢ ነነዌ ከኣ ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፣
<ሰብ ወይ እንስሳ ገለ ነገር ኣይጥዓሙ። መጓስ ከብቲ ኮነ መጓስ ኣባጊዕ ገለ እኳ ኣይጥዓማ። ኣይውፈራ። ማይ`ውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላክ ይማህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እከይ መንገዱን ካብቲ እኩይ ግብሩን ይመለስ። ምናልባሽ ኣምላኽ ሓሳቡ ይልውጥን ካብ ግሁር ቁጠዐኡ ይምለስን ንሕና ከኣ ካብ ጥፍኣት ንድሕን ንኸውን> በሉ፣
ኣምላኽ ከኣ ካብ እከይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከምዝተመልሱ ረኣየ። ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ። ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ከኣ ኣይቀጽዖምን ስለዚ እግዚኣብሔር ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ካብ 120,000 ዝበዝሕ ሰብን ብዙሕ እንስሳን ዘለውዋ ክርህርሃሎምን ክምሕሮምን ከኣለ፣ ስለዚ ጾም ዝደለናዮ ዘበለ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበለሉ (ዘፀ 34.28)። ካብ ዝተፈላለየ መዓት ከም ጥሜት ስእነት ማይ። ሕማም። ኲናት…..ወዘተ እንተ ኣጋጠመና እንድኅነሉ (መ.ኣስቴር 4.16-17)። ከምኡ`ውን ጾም ንርኹሳት መናፍስቲ የርሕቖም (ማቴ 17.21)። መንፈስ ቅዱስ ይሓድረና ፍቓድ እግዚኣብሔር ከኣ ክንፍጽም ይሕግዘና(ግ.ሓ 13.2-3)፣
ስለዚ ጾም ዘይምዝውታር ኣብ ሥጋኻ ዘለካ ኣኽብሮትን ናይ ብልዒ ተገዛኢ ናይ ምዃንካ ምልክት ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ ዝረሓቐካ ሰብ ክትከውን ይገብረካ፣ ብሓፈሻ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ <እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾም`ሲ ንማእሰር ምፍታሕ። ነርዑት ባርነት ምዝላቕ። ንጥቑዓት ሓራ ምውጻእ። ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኩሉ ምስባር። እንጀራኹም ንጥሙይ ብምምቓል ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል ዕሩቕ እንተረኣኹም ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ> ክብል ተዛሪቡ`ሎ፣
ስለዚ ናይ ጾም ግዜ ብስነ ምግባርን ካብ መግቢ ብምኽልካልን ትውሰነሉ። ግዜ ጽድቅን ግዜ ቅድስናን እዩ`ሞ ነዚ ኣስተውዒልና ክንጸውም ጼምና ድማ ንበረኸት ክኾነልና ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፣
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

Saturday, January 5, 2013

እግዚኣብሔር ንሓጢኣት ደኣ እንበር ን ሓጣተኛታት ደቁ ኣይጽይንን ኣይጸልእን እይንፍግን ንስኻኸ / ንስኺኸ ምስ ሓጣተኛታት ሕብረት ኣለካ ዶ ዋላስ ምስ ሓጢኣት እዩ ዘለካ ብምክኒያት ጎይታ ንህዝቡን ደቁ ኢሉ ካብ ሰማይ ሰማያት ካብ ቅድስተ ቅዱሳንድንግል ማሪያም ካብ ነፍሳ ነፍስ ካብ ስግኣ ወሲዱ ንድሕነት ኢሉ ኣብ ዝውለደሉ ንስኻ ንስኺ ውን ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዛ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ከም ዝውለዱ ግበር እዚ እዩ እቲ መንፈሳዊ ዕላማ , እዚ እዩ እቲ መንፈሳዊ መንገዲ መንግስተ ሰማያት እዚ እዩ እቲ መስዋእቲ እዚ ክገብር እግዚኣብሔር ይሓግዘና ,.,. ኣምላክ ኣብርሃም ኣምላክ ያዕቆብ ኣምላክ ኢሳቅ ይባረኽ

Friday, January 4, 2013



ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅደስ ብዝገሇጸለ ብዛዕባ ልዯት ጏይታ ብዙሕ ግለጽን ብሩህን ትንቢታት ተነብዩ ኢዩ። ንሱ ድማ ጏይታ ዓሇም ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ብርሃን ከም ዝኾነ ተራእይዎ፡ ‚እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም።‛ ኢሳ.9፡2 ክብል ነቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክሕዯትን ሓጢኣትን ዝነብሩ ንዝነበሩ ሕዝቢ ከምኡ'ውን ንኹለ ዓሇም ዘብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን ምምጽኡ ነገረ። ‚ሕፃን ተወሉደልና ወዱ ተዋሂቡልና ኢዩ፡ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ክኸውን ኢዩ፡ ንሱ ‘ግሩም መኻሪ፡ ብርቱዕ ኣምሊኽ፡ ዘሇዓሇማዊ ኣቦ፡ መስፍን ሰሊም’ ተባሂለ ክጽዋዕ ኢዩ።...‛ እናበሇ ድማ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ምዕራፍ ይቕጽል፡ ኢሳ.9፡6 እዚ ኸኣ ተወሉደ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ነብሱ ንሕማም ንሞት ኣሕሉፉ ዝህብ፡ ንኹለ ዓሇም በጃ ዝኸውን ስሇ ዝኾነ፡ ወዱ ተዋሂቡልና ክብል ገሇጾ። እዚ ጥራይ ውን ኣይኮነን ካብ መን ከም ዝውሇድ እቲ ሕፃን ውን ስሙ ከይተረፈን ብግልጺ ነጊሩና ኢዩ። ‚ስሇዚ እግዚኣብሔር ባዕለ ትእምርቲ ክህበኩም ኢዩ፡ እነሆ ድንግል ክትጠንስ ወዱ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ ስሙ ውን ኣማኑኤል ኢሊ ክትሰምዮ ኢያ።‛ ኢለ ኣብሪሁ ይገልጾ። ኢሳ.7፡14 ከምዚ’ለ ቅድሚ ልዯት ጏይታ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚእቲ ዓመታት ምስ ተነበየ፡ ሕያዋይን ርሕሩሕን ኣምሊኽና ኸኣ ነቲ ነቦና ኣዲም ካብ ጓልጓልካ ተወሉዯ ከድሕነካ ኢየ ዝብል ኣተስፍይዎ ዝነበረ ተስፋ ቇጸራኡ ምስ ኣኸሇ ‚ወኣመ በጽሓ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልዶ ...‛ ማሇት ‚ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኣምሊኽ ነቶም ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ንዝነበሩ ከድሕን ንሕና ውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልዯ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውን ዝሓዯረ ወደ ሇኣኾ።‛ ይብል ገሊ.4፡4 እግዚኣብሔር ዓሇም ከድሕን ፍቓደ ምስ ኮነ ምኽንያት ድሕነት እትኸውን ድማ ንቕድስት ድንግል ማርያም መረጸ፡ ማሇት ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ እቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ ትእምርቲ ድንግል ክትጠንስ ኢያ ዝበሊ እታ ድንግል ቅድስት ማርያም ኮይና ተረኺባ፡ ንሳ ድማ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ንኽትወልድ ኣምሊኽ ስሇ ዝመረጻ እቲ ትእምርቲ ዝተባህሇ እዚ ኢዩ። ብሓቂ ዓቢይ ትእምርቲ ኢዩ። ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር ስሇ ዘየልቦ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምሊኽ ኣብ ማኅፀን ድንግል ተወሰነ። ቅድሚ ዓሇም ብዘይ ኣዯ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ከም ዝተወልዯ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ድማ ብዘይ ኣቦ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልዯ። ‚ከመዝ ነኣምን ዘኣልቦቱ እም በሰማያት፡ ወኣብ በዱበ ምድር‛ ማሇት ‚ኣብ ሰማያት ኣዯ ኣብ ምድሪ ውን ኣቦ ከም ዘይብለ ነኣምን።‛ ይብል ኣንቀጸ ብርሃን (ቀዱሙ)። ከምቲ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ተባህሇ፡ ትርጉሙ እግዚኣብሔር ምሳና ማሇት ኢዩ። ከምዚ’ለ ልዑል ጏይታ ኣብታ ‚ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተ-ልሔም ...ትውልደ ካብ ጥንቲ ካብ ዘሇዓሇም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘሇዎ ካባኺ ከተንሥእ ኢየ፡‛ ኢለ ሚክያስ ዝተነበየሊ ቦታ ኣብ ቤተ-ልሔም ተወልዯ። ሚክ.5፡2 ምስ ተወልዯ ድማ ንኣምሊኽነቱ ዝምስክሩ ብዙሕ ተኣምራት ተገብረ። ሰብ ጥበብ ብኮኾብ ተመሪሖም ካብ ርሑቕ ሃገር መጺኦም ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ኣቕረቡለን ሰገደለን። ማቴ.2፡1-12 ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሉጹ ልዯት ጏይታ ኣበሠሮም፡ ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ክብሪ ንኣምሊኽ ኣብ
ኣርያም ሰሊም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጏሰሎም ሰባት፡ ክብለ ስምዕዎም፡ እሞ ነቲ ዘበሠሮም ብሥራት ብዓይኖም ርእዮም ከረጋግጹ ናብቲ ዝበሎም ቦታ ናብ ቤተ-ልሔም ምስ ከደ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝዯቀሰ ሕፃን ጏይታን ረኸብዎም እሞ እናተሓጏሱ ተመልሱ። ለቃ.2፡8-20


 
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፡- ልዯት ክንብል ከሎና እምበኣር፡ እዚ ተበጃዊና ዝኾነ ኣምሊኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነትና ክብል ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪደ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልዯለ፡ ሥጋና ዝሇበሰለ፡ ሰብ ዝኾነለ መዓልቲ ኢዩ። ብናይ ቤተ-ክርስቲያንና ኣቆጻጽራ ፳፱(29) ታሕሳስ ኩለ ሣዕ ዓመት ዓመት ብሓጏስን ብድምቀትን ከነብዕሎ ኸኣ ንርከብ። እንሕጏሰለ ምኽንያት ድማ በቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት፡ ‚እነሆ ንኹለ ሕዝቢ (ዓሇም) ዝኸውን ዓቢይ ሓጏስ አበሥረኩም ኣሇኹ እሞ ኣይትፍርሁ፡‛ ዝበሎም መሠረት ኩለ ጊዜ ክንሕጏስ ንነብር። እምበኣር ሓጏስና ምለእ ምእንቲ ክኸውን ነዚ ኹለ ዝገበረልና ኣምሊኽ እናዘከርና ከምቲ ንሱ ዝዯልዮ ሠናይ ተግባር ሒዝና ብኣምልኾ እግዚኣብሔር ብእምነትና ጸኒዕና፡ ምኽሪ ቅደሳት መጻሕፍትና እናተኸታተልና፡ ንበይንና ጥራይ ክንሕጏስ ኣውዯ ዓመት ኢዩ’ሞ ሓድሽ ክዲን፡ ጥዑም መባልዕ ክንበልዕ ምባል ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ዝኾነ ተግባር ድማ እቲ ንኣምሊኽ ዘሓጉስ፡ ብዝያዲ ኣብዚ ዕሇት’ዚ ኢዩ ክንገብሮ ዝግብኣና ከምቲ ሓዋርያ ቅደስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ‚ንኣምሊኽ ከምዚ ዝኣመሰሇ መሥዋዕቲ ኢዩ ዘሓጕሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓልን ኣይትረስዑ።‛ ዕብ.13፡16 ዝብል እናዘከርና በዓልና ነኽብር።

ቡሩኽ በዓል ልዯት ይግበረልና።

Thursday, October 18, 2012

ሚናስ ካብ ፈርሃ እግዚአብሔር ዝነብሮም ወለዲ ብ285 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ኣናቅዮስ ዝተባህለት ከተማ ተወልደ። ስም ኣብኡ ኣውዶክስዮስ ስም ኣዲኡ ድማ እፍምያ ይበሃሉ። ኣቦ ሚናስ ኣክሶሲዮስ ኣመሓዳሪ ናይ ኣናቅዮስ እዩ ዝነብረ። ብኹሉ ሠናይ ምግባሩ ከኣ ዝተፈተወ ኔሩ ። ኮይኑ ግና ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ጸላኢ ኩሉ ሠናይ ነገር ስለዝኾነ ቅንኣት ኣብ ልዕሊ ሓው ብምሕዳር ሓዉ ከኣ ንንጉስ ድቅልድያኖስ ብምእማን ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ናብ ኣፍራቅያ (ወይ ሕጂ ብቱርኪ ትፍለጥ) ከም ዝስደድ ገበረ። ኣውዶክስዮስ ግና ፈሪሃ እግዚአብሔር ስለዝነብሮ በዚ ከኣ ብኹሉ ሠናይ ተግባሩን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ፍትው ነበረ። ኣውዶክስዮስን እፍምያን ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ይሓስቡ ነበሩ ኩሉ ግዜ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩ ነበሩ። እፍምያ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሥእላ ትጽሊ ነበረት። ደቂ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ጻዕዳ ዝማኦረገ ልብሲ ለቢሶም ምስ ደቆምን ኩሎም ቤተሰቦም ደስ ኢልዎም ክኣትዉ ከለዉ ርእያ። ብኣማልድነታ ገባሪ ኩሉ ንዝኾነ ወዳ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ውላድ ንኸተውህባ ኣምሪራ ትነብዕ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ካብታ ሥእለ ኣድኅኖ “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ሰመዐት ። ናብ በዓል ቤታ ከይዳ ካብ ሥእለ እመ ብርሃን “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ከምዝሰምዐት ነገረቶ። ኣክሶሲዮስ ከኣ ንሰበይቱ “ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክኸውን እዩ።” ኢሉ ምስኣ ተሓጐሰ። ብድሕሪኡ ወዲ ወለደት። ሚናስ ዝብል ስም ካብቲ ዝሰምዓቶ ድምጺ ናይ እመ ብርሃን ኣውጸአትሉ። ሚናስ ቅሩብ ምስ ዓበየ ኣቡኡ ቃል ኣምላኽን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ክምህሮ ጀመረ። ሚናስ ወዲ 11 ዓመት ምስ ኣኸለ ወላዲኡ ዕድመ ጸጊቡ ብሞት ተፈልዮ። ድሕሪ 3 ዓመት ከኣ ወላዲቱ ኣዲኡ ብሞት ተፈለየቶ ። ሚናስ ብንኡስ ዕድሚኡ ንበይኑ ንዓለም ገጠመ። ኩሉ ግዜ ብጾምን ጸሎትን ይጽመድ ስለዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ኣይተጋደፎን። ንጉስ ዲቅልድያኖስ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዝነበሩ ኣምልኾ ጣኦት ክነግስ መምርሒ ኣውጽአ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ቅዱሳን ሰማእትነት ዝተቀበሉሉ እዋን እዩ። ሚናስ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደ ካብ ወተሃደራት ድቅልድያኖስ ነበረ። ነዚ ኩሉ ክሕደት ምስ ተዓዘበ ግና፣ ኩሉ ዝነበሮ ነገራት ሸይጡ ንድኻታት ድሕሪ ምሃብ፡ ናብራ ነገሥታትን ሃብታማትን ራሕሪሑ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ብምዃድ ናብራ ብሕትውና ጀመረ። ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዓቢ መንፈሳዊ ገድሊ ይጋደል ነበረ። ሓደ እዋን ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ራእይ ከኣ ሰማይ ተኸፊቱ ሠማእታት ወርቒ ኣኽሊል ዝደፍኡ ድምጺ’ውን ሰመዐ። እቲ ድምጺ ከኣ “ምእንቲ ክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ነዚ ኣኽሊል ሠማእትነት ይበቕዕ።” ዝብል ነበረ። ሚናስ ሠማእትነት ክቕበል ከኣ ብኡንብኡ ከኣ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ተመሊሱ ክሰብኽን ክምህርን ጀመረ። ብዙሓት ካብ ክቡራት ስድራ ምዃኑ ስለዝፈልጡ ዝነበሩ ነቲ ዝብሎ ዝነበር ክገድፍ ይመኽሩዎ ነበሩ። ግና ንሱ ብክርስቶስ ሓንሳብ ስለዝኣመነ ብትብዓት ይምስክር ነበረ። ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ከይተረፈ ብትብዓቱን ተወፋይነቱን ስለዝፈልጦ፡ ቅድሚ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ምዃዱ ዝነበሮ ናይ ወተሃደራዊ መዓርግን ስልጣንን ካብኡ ንላዕሊ ዝበለጸ ከም ዝህቦን ከም ዝገብረሉን ቃል ኣተወሉ። ቅዱስ ሚናስ ግና ንሰማያዊ ሃብቲ እዩ ዘቋምት ዝነበረ እምበር ምድራዊ ስለዘይነበረ ስብከቱ ቀጸለ። እቲ ኣመሓዳሪ ግና ንወተሃደራቱ ከሳቅይዎን ኣብ መወዳእታ’ውን ብበሊሕ ሰይፍ ርእሱ ክቆረጹዎን ኣዘዘ። ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ከኣ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ሠማእትነት ብ15 ሕዳር 309 ዓ.ም ተቀበለ። ሬሳ ቅዱስ ሰማእት ሚናስ ኣብ ሓዊ ንሰለስተ መዓልቲ ክቃጸል ተኣዘዘ። ገለ ኣመንቲ ግና ነቲ ሬሳ ካብቲ ሓዊ ምስ ኣውጽእዎ ከምዘይተቓጸለ ተመልከቱ። ንኣምላኽ እንዳኣመስገኑ ስጋብ ዘመን ስደት ዘብቆዕ ድማ ብመግነዝ ገኒዞም ኣብ ጽቡቕ ሳንዱቕ ዓቐቡዎ። ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ሰላማ ረኺባ ካብ ዓላውያን ነገሥታት ፈተና ነጻ ምስ ኮነት። ኩሉ መሰላ ምስ ተሓለወላ፡ ክርስቲያን እቶም ዝተረፉ ኣረሜናውያን ስለዘሸገርዎም ናብ ኩናት ወፈሩ። ናይቲ ኩናት መራሒ ዝነበረ ገድሊ ቅዱስ ሚናስ ብዓይኑ ዝረኣየ ስብ እዩ ዝነበረ። ሳንዱቕ ሬሳ ናይ ቅዱስ ሚናስ ምእንቲ ክሕግዞ ተማሊኡ ኣብ መርከብ ብምጽዓን ተበገሱ። ብቅዱሳኑ ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ፣ ብቅዱሳኑ ተኣምር ክገልጽ ከሎ ካብቲ ባሕሪ ፍልይ ዝበሉ እንስሳታት፡ ክሳዶም ንኣግማል ዝመስል ርእሶም ከኣ ተመን ቅርጺ ንዝነበሮም ካብ ባሕሪ ወጺኦም ነቲ ሬሳ ክልሕስዎ ናብቲ ሳንዱቕ ምስ ቀረቡ ካብቲ ሳንዱቕ ሓዊ ወጺኡ ኣቃጸሎም። ኣብዚ ከኣ እግዚኣብሔር ብቅዱሳን ተኣምራት ክገበር ንርኢ። እቶም ሰባት ከኣ ኩሎም ነዚ ርእዮም ኣደነቁ። ካብ ኣለክሳንድርያ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምስ ደለዩ ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ነቲ ሳንዱቕ ኣብ ገመል ምስ ኣቀመጡዎ እቲ ገመል ምንቅስቓስ ኣበዮም። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ገመል ፈቲኖም ግና ተማሳሳሊ ስለዝነበረ ኣብታ ዝነበሩዋ ቦታ ቀቢሮም ናይ መቃብር መፈለጥታ ገይሮም ናብ ቦትኦም ከዱ። ትእምርቲ እግዚኣብሔር ክግለጽ ቅዱስ ሚናስ ዝተቀብረሉ ሓደ ጓሳ ይመላለስ ነበረ። እዚ ጓሳ ብብርቱዕ ቁስሊ ዝሓመመት በጊዕ ነበረቶ። ብርግጽ ኣበይ ከምዝተቀብረ ናይ መን መቃብር ከም ዝኾነ ዝፈልጦ ኣይነበረን። እታ በጊዕ ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ሚናስ ዘሎ ቅዱስ ሓመድ ምስ ደቀሰትን ካብቲ ዝፍልፍል ማይ ምስ ሰተየትን ካብ ኩሉ ቁስላን ሕማማን ነጺሃ። ፈጺማ ሓወየት። እዚ ተኣምር ዝተዓዘበ ጓሳ ብሓቒ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን ፈረሀ። ካብ ኣባጊዑ ዝኾነ ሕማም ከጋጥሞ ከሎ ካብቲ ሓመድ ወሲዱ ማይ ሓዊሱ ይለኽያን የስቲያን እሞ ካብቲ ዝነበራ ሕማም ትሓዊ። ካብ ጥሪቱ ሓሊፉ’ውን ዝሓመሙ ሰባት ከሕዊ ጀመረ። እዚ ዜና እዚ ክሳብ ቆንስጦንቲን ንጉሥ በጽሐ። እዚ ንጉሥ እዚ ሓንቲ ጓል ነበረቶ። እዛ እንኮ ጓሉ ኩሉ ሰውነታ ብዘስካሕክሕ ቁስሊ ተሸፊኑ ነበረ። ንኽትሓውየሉ ናብቲ ቦታ ሰደዳ። ነቲ ጓሳ ከመይ ገይሩ ንጥሪቱ ከም ዘሕውየን ዝነበረ ሓተተቶ። ከምቲ ዝነገራ ገይራ ከኣ ሓመድ ምስ ማይ ሓዊሳ ንኹሉ ሰውነታ ለኸየቶ። ካብቲ ማይ'ውን ሰተየት ኣብታ መቓብር ዝነበረታ ከኣ ሓደረት። እዚ ኩሉ ክግበር ግና ናይ መን መቓብር ምዃኑ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ድቃሳ ሠማእት ቅዱስ ሚናስ ተራእያ፡ ከምዚ’ውን በላ፡ እዛ ደቂስክላ ዝለኺ መቓብረይ እያ፡ ኲዒትኩም ኣዕጽምተይ ክትረኽቡ እኹም። ንስኻ መን ኢኻ፤ ኣነ ሚናስ እየ። ኢሉ መለሰላ። ሚናስ ኣብ ምድቃሳ ስለዝረኣየት ብጣዕሚ ደስ በላ። እቲ ኩሉ ግዜ ዘሳቕያ ዝነበረ ቁስሊ ድማ ተቐንጢጡ ከም ዝጠፍአ ምስ ረኣየት ከኣ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰት ንኣምላኽ’ውን ኣመስገነት። ኣንጊሃ ከኣ ንገላዊኣ ነቲ ቦታ ኲዒቶም ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ከውጽእዎ ኣዘዘት። ነዚ ኩሉ ሓጐስ ከኣ ንንጉሥ ደብዳቤ ሰዲዳ ኣበሰረቶ። ንጉሥ ከኣ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ቦታ ሃነጸ። ብግዜ ንጉሥ ኣርካድዮስን ኦናርዮስን ብሽም እዚ ጻድቕ አቦ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም ከተማ’ውን ንኽገብሩላ ኣዘዙ። እዞም ቅኑዓት ነገሥታት ኣዕጽምቲ ቅዱስ ሚናስ ኣብታ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ገበሩ። ብዙሕ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብፍቓድ ኣምላኽን ብ ኣማላድነት ቅዱስ ሚናስ ተገብረ። ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝሓመሙ ናብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ይሓውዩ፡ ዝተፈላለየ ምልክታትን ተኣምራትን ይርእዩ ነበሩ። ጸላኢ ሠናያት ግና በዚ ስለዝተረበሸ ናዕቢ ኣለዓዒሉ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምትፈርስ ገበረ። እታ ከተማ’ውን ዑና ኮይና ተረፈት። ሕጂ’ውን ጸላኢ ሠናያት ምእንቲ ክሓፍር ኣዕጽምቱ ካብቲ ዝነበሮ ኣውጺኦም ካልእ ቤተክርስቲያን ሰሪሖም ኣቐመጡዎ። ኣብዚ’ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ዝዓበየ ዘደንቅ ተኣምራት ተገብረ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሚናስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ። ምንጪ፡ ስንክሳር ሕዳር 15 ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Tuesday, October 16, 2012

ምስክርነት ዕረፍቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ

ምስክርነት ዕረፍቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ


 ቅዱስ ጴጥሮስ
 ጴጥሮስ ማለት ከውሒ፣ መሰረት፣ ሻፎ እምኒ፣ ከቢብ እምኒ ማለት እዩ።
ነገዱ ካብ ሮቤል ሀገረ ስብከቱ ሮሜ፣ ዕረፍቱ ድማ ሓምለ 5 64 ዓ.ም እዩ።


1. ቅዱስ ጴጥሮስ ለይትን መዓልትን ምእመናን እንዳ ኣስተምሃረ ንእግዚኣብሔር
እንዳመስገ ነ ኣብ ሮምያ ክቕመጥ እንከሎ አሕዛብ ናብ ዘለዎ እናመጹ ብስም ኢየሱስ
ክርስቶስ ይአምኑ ነበሩ። ጽንዓት ሃይማኖቶም ምስ ረአየ ከአ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን
ደቁን ዘይኃደገ ንዓይ አይበቅዕን እዩ ኢሉ ከስተምህር ከሎ ዝሰምዓ 4 አንስቲ ዝ ነበረን
ሥጋዊ ተግባረን ገዲፈን ምስ ሰዓብኦ ብኻልእ ነገር ዝፈልጠን ዝ ነበረ አክርጶስ( ናይታ
ሃገር መኮ ነን) ክምለሳኦ ልኡኻት ሰደደለን እንተኾ ነ ዕርፊ ኂዙ ንድኅሪት ዝምለስ
የልቦን ዚብል ቃል ወንጌል ኂዘን ንድኅሪት ግልጽ ከይበላ፡ ደድኅሪ እግሪ ጴጥሮስ
ስለዝሰጎማ እቲ መኮንን እኩይ ድሌቱ ካብ ምፍጻም ኢዱ አጣቂዑ ተረፈ።
2. ከምኡ እዉን ቃል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝማረኸን ሰበይቲ ዓርኩ ንአክርጶስ(ሰበይቲ
አልታብዮስ) ንስብአያ ኅዲጋ ብእም ነት ኢየሱስ ናዝራዊ ንጴጥሮስ ሰዓበቶ። ሰብአያ
ድማ ሰበይቱ ከምዝጠለመቶ ስለዝሰምዐ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈላሊ ሰብ
መጺኡና ወይጉድ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈልዩ አለዉ ክብሉ ንሰምዕ ኔርና
ሕጂ ከአ ናብ ነፍስና በጺሑ እንዳበለ ናብ ገዛእ ሃገር ከይዱ ምስዚ ጴጥሮስ ዝበሃል
ክርስቲያናዊ ዳንየኒ፡ እንተድአ ዘዳ ነኻኒ ግን ባዕለይ ክፈርድ እየ ዝብል ጥርዓን
ኣቕረበሉ።
3. አከርጶስ ድማ እዚ ሕማም እዝስ ናብ በይንኻ ጥራይ ዘይኮ ነ ነዓና እዉን ከይተረፈ
ካብ ድሌትትና ፈላልዩና አሎ በሎ፡፡ አልታብዮስ ከአ እንታይ ደአ ትጽበየሉ አሎኻ ኂዝካ
ክትቀትሎ እንድዩ ዝግብአካ እዚ ሰብ እዚ እዃ መሠርዩ እዩ። እንተ ደአ ቀልጢፍካ
ከምዚ እንብሎ ዘሎና ጌርና እሞ አንስትና ክ ነምልስ ንክእል ኢና። ድሎትና ክንገብር
እዉን ሥልጣን አሎና በሎግን ። እዚ ነገር እዚ ድማ ናብ አክስትያና (ሰብይቲ አቤት
ብሃሊ) ስለዝብጽሐ ናብ ቅዱስ ጵጥሮስ ልኢኻ ሎሚምሸት ካብዛ ዓዲ ግዒዝካ እንተዘይ
ኅዲርካ ተሓሲቡካ ዘሎ ናብ ጸላኢኻ ይዐል ኢላ ለአኸትሉ። (2ቆረ.11፡32)
4. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነገራ ተቐቢሉ መታን ብኽዳኑ ከይፈልጡዎ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝ ነበረ
ክዳዉንቲ አዉጺኡ መጠምጠሚኡ ከይተረፈ ለዊጡ ካብቲ ዓዲ ከወጽእ ከሊ ከሎ
ጐይታ በቲ ጴጥሮስ ዝፈልጦ መልክዑ ተራእይዎ፡ ናበይ ደአ ትኸይድ አሎኻ? ኢሉ
ጴጥሮስ ንጐይታ ስለ ዝተወሶ ጐይታ ክስቀል ንሮምያ ገጸይ እኸይድ አሎኹ በሎ።
ጴጥሮስ ከአ ትስቀልኑ ዳግመ እግዚእየ ጐይታይ ካለይዶ ክትስቀል ደሊኻ? በሎ። ቅዱስ
ጴጥሮስ ግን ጐይታ ኪዓርግ ከሎ ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ ኢሉዎ ዝ ነበረ ትዝ ስለዝበሎ፡ ንሮማ
ተመሊሱ እቲ ኩሉ ዝግአጠሞ ነገራት ንፈተውቱ ገለጸሎም። (ዮሓ.21፡18-22)
5. እቶም ምእመናን ድማ ክፈለየና ጊዲ እዩ ኢሎም ስለ ዝሠግኡ ንሱ ቃል ሃይማኖት
እንዳመሃሮም ምስኦም ክቕመጥ ብዙኅ ለመንዎ። ንሱ ግን ብሕይወት እንተጸንሔ
ፍቓዱ እዩ፡ ብሞት እንተወሰደኒ ከአ ምስኡ ንምንባር ስለ ዝኾ ነስ ደስ እዩ ዝብለኒ
በሎም። አብ መንጉኡ አክርጶስ ወታሓደራቱ ልኢኹ፡ ንጴጥሮስ ከምጽእሉ አዘዘ። ምስ
አምጽእሉ ድማ እቶም ሰዓብቲ ጵጥሮስ ምንተ እኩየ ገብረ ዝብእሲ እዚ ሰብ እዚ
እንታይካ ክፍአት ገበረ? ካብ አፉኽ እንታይ ሕማቕ ቃል ወጸቶ እስኪ ንገረና እንትደአ
ዘይ ነጊርካና ቅድሚ ንስኻ ንጴጥሮስ ምቕታልካ ነዛ ዓዲ እዚአ ብሓዊ ከ ነንድዳ ኢና፡
እንዳበሉ ንአክርጶስ ዓይኑ ከንቁሩዎ ደለዩ።
6. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነቶም ሰዓብቱ ትብዓቶምን ፅንዓት ሃይማኖቶምን ርእዩ እዚ

Monday, October 15, 2012

አቡነ አረጋዊ

ጻድቅ አቡነ አረጋዊ ካብ ነገድ ነገስታት ሮሜ ኮይኖም ካብ አቦኦም ይስሓቅ ካብ
ኣዲኦም ዕድና ዝተባህሉ ጻድቃን ፍርሓት እግዚአብሔር ካብ ዘለዎም ወለዲ ተወልዱ፤
አዲኦም ድማ ዓብደልመሲሕ ኢለን ሰመየኦም ትርጉሙ ገብረክርስቶስ(/አምላኽ)
ማለት እዩ፡ ''ካብ ጽቡቅ ጨና ጽቡቅ ስም ይበልጽ'' ንዝብል ቅዱስ ቃል ተርዲኦም
ንግብረ ክርስትና ዝምስክር ስም አዉጻአሉ ''ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ
አላምዶ እሞ ምስ ዓበየ ካብአ አይከልግስን እዩ፡ '' ከም ዝተባሃለ አቡነ አረጋዊ ድማ
ብጥበብን ፍርሃትን አምላኽ ዓበዩ።
ኩሉ ትምህርቲ ሓዲስን ቅዱሳት መጻሓፍቲን ተማሃሩ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ
ጸንዑ ንግሆን መሸትን ንቤተ ክርስቲያን ብምምልላስ ብመንፈስ ዓበዩ። ወለዶም እንተ
ኣሕጸይዎም ቃል ኪዳን ክአስሩ አይደለዩን፤ ቅሩብ ጽንሕ ኢሎም ሃገሮም ሓዲጎም ናብ
ገዳም አባ ጳኩሚስ አቦ ገዳማዊያን መጹ፤ አባ ጳኩሚስ ምስ ረአይዎም ካበይ
መጺእካ።ንስኻ ካብ ደቂ ነግስታት ኢኻ ትመስል ተጋድሎ ሙንኩስና ቀሊል`
መሲሉካኢሎም ሓተትዎ እሞ አቦና ብፁእ አረጋዊ ድማ "ናይ ምድሪ መንግስቲ
ሓላፊ እዩ፤ ፈትነኒ እሞ ግብረይ ርአ በልዎሞአባ ጳኩሚስ ድማ ንእግዚአብሔር
ክግዛእ እየ ዝብል አቀዲሙ ነፍሱ ንሕማማን ጻዕርን ከዳሉ አለዎ፤ ምኽንያቱ መጽሐፍ
ሲራክ 25 "ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ጻድቅ ከአ ብሕማማን ጥሜትን ይፍተን" ከም
ዝብል፤ ስለዚ ርእስኻ ባዕልኻ ፈትን በለዎም፤ ብኽሉ ስነ ምግባር ምስ ተፈተኑ አባ
ጳኩሚስ አልባስ ምንኩስና አብ መበል 14 ዕድሚኦም ከመቲ እግዚአብሔር አስኬማ
እንጦንስን መቃርስን ዝባርኹ ናትካ ከአ ይባርኽ ብምባል አስኬማ አልበስዎም
ስሞምዉን ካብ ስነ ምግባሮም ዝተበገሰ "አረጋዊ" ኢሎም ሰመይዎም።
ኣቡነ አረጋዊ ዘሚካኤል ተባሂሎም ይጽዉዑ ኔሮም ኢዮም፤ አብ ንእስነቶም
ምንኩስንኦም አብ ኩሉ ሃገር ምስተሰምዐ
ካብ ቁስጥንጥንያ፥
ካብ ሮም አባ ሊቃኖስ፥
ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ፥
ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ፥
ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ፥
ካብ እስያ አባ አፍጼ፥
ካብ ሮምያ አባ ጰንጤሌዎን፥
ካብ ቂሳርያ አባ አሌፍ፥
ናብ አባ ጳኩሚስን አቡነ አረጋዊን ዘለውዎ ገዳም ምንኩስና ኪቅበሉ መጹ፣ ከመይ
ጌርኩም ትኽእልዎ እንተበልዎም ቃል እዚ ህጻን እዚ ዓቢ መምህር ኮይኑና አሎ
ብጸሎትካዉን ክንክእሎ ኢና ልክዕ ከምቲ ያዕ.516 ''ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ
ተስልጥ'' ኢሉ ዝተዛረቦ ንዑኡይ ብምድጋም ክንክእሎ ኢና ብምባልን ፍቃድ
ብምሕታትን አልባስ ምንኩስና ለበሱ፥ ተባረኹ። ዜና አቡነ አረጋዊ አብ ኩሉ ምስ
ተሰምዐ አዲኦም ቅድስት ዕድና መጸት እሞ አዴኻ መጺአ አላ ክትርእየካ ትደሊ አላ
በልዎም ጎይታ ዝበሎዶ አሰማዕክምዎን ኢኹም ማቴ. 1248-50 “አዴኻን
አሕዋትካን ይደልዩኻ አለዉ እንተበልዎ በዓል መን እዮም አሕዋተይ መን እያ አደይ
ብዘይካ እቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብር እንተ ዘይኮይኑ ክብል ከም ዝመለሰኢሎም
መለስሎም። ናይ አዲኦም አመጻጻእ ግና 'ሰብ ብስጋኡ ረቢሑስ ብነፍሱ እንተ ተጎድአ
እንታይ ይጠቅም' ንዝብል ናይ ጎይታ አስተምህሮ አብ ልባ ተሰኪማ አሰር ወዳ ክትስዕብ
ከምዝመጸት ምስ ነገሮም ከይዶም ትቐበልዋ አብኡውን መንኮሰት።
አቡነ አረጋዊ ብጾምን ብምምሃርን ጸኒዖም ግርማ ለይቲን ጸብአ አጋንንቲ
ክኢሎም አብ ዝነበርሉ ጊዜ ምስ ክልተ ተማሃሮኦም ቅዱስ ሚካኤል መሪሕዎም ንጉስን
ጳጳስን አብ ዘለዉሉ ሃገረ አክሱም መጹ፣ ኩሉ ስርዓታትን ባህልን ምስ ረአይዎ
ቀልጢፎም ንሃገሮም ብምምላስ ንኣሕዋቶም አዘንተውሎም፣ ኣሕዋቶም ነዚ ምስ
ሰምዑ ተሓጉሶም ንሕና'ዉን ንኺድ ናብዛ ሃገር እዚኣ ብምባል ምስኩሉ ኣቑሑቶምን
ታቦቶምን ምስ ካህናትን ንዋየ ቅድሳትን ሕዝብን አቡነ አረጋዊ እናመርሕዎም አብ
ዘመነ መንግስቲ አልኣሚዳ ብባሕሪ ኤርትራ ጌሮም ገዳም ደብረ ሲና አቢሎም ሃገረ
አኽሱም ብጽሑ፣ እዚአቶም አብ ላዕሊ ስሞም ዝጠቀስናዮም 9 ቅዱሳን ሓቢሮም
ምሶም መጹ አብ ከጠን ዝበሃል ቦታ ከአ ብጾምን ብጸሎትን ተጸሚዶም ብሓባር ይነብሩ
ነበሩ፤ ንሳቶም ዝረገጽዋ ምድሪ ተቀደሰት ድሕሪዚ ንዑ ንፈላለ እምበር ከምዚ ኢልናስ
ዓድና ዘለና ኮይኑ ይስመዓና አሎ ተበሃሃሉ እና በኸዩ እግዚአብሔር ናብ ዝመርሖም
ቦታ ከዱ አቡነ አረጋዊ አብ እገል ዝተባህለት ቦታ መጹ አቡነ አረጋዊ ሕሙማት
እናፈወሱ ለምጻማት እናንጽሑ አጋንንቲ እና አዉጽኡ ምውታን እና አተንስኡ በዚ
ከመዚ ዝተፈላለየ ፈዉሲ ጸጋ እናበርከቱ ድሕሪ ምንባር አብ ምስጋግ ዝተባህለ ቦታ
ኮይኖም ንደብረ ዳሞ አማዕድዮም ርአይዋ፤ አብ እግሪ እታ ደብሪ በጺሖም ዞርዋ እሞ
መደየቢ ሰአኑላ ''እዚኣ እያ ክፍለይ ግና በየን ኪድይብ በሉ'' ከምዚ ኢሎም እና
ተጨነቁ ከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ እንታይ እዩ ሽግርካ? በሎም ንሶም ከአ አነ
ምእንቲ ኃጢአተይ ናብ አምላኸይ ክልምን ናብ ላዕሊ ክድይብ በልዎ እሞ ቅዱስ
ሚካኤል ድማ '' ገብረኣምላኽ ናይ ምድሪ መንግስቲ መናኒ ካብ ሃብቲ ድኽነት
ዝሓረኻ፥ አብ ክንዲ መንግስቲ ምድሪ ዝመነንካ መንግስቲ ሰማይ ተዳሊልካ አሎ፤ ግና
ቅሩብ ክሳብ ሓጋዚ ዝሰደልካ ተዓገስ በሎም፤ ቀልጢፎም ክድይቡ ሓሲቦም ስለ
ዝነበሮም ኃዘኑ በዚ ነገር እዚ ኪበኽዩ ከለዉ ቕዱስ ሚካኤል እቲ ኩሉ ጊዜ ከም አቦ
ዝናዝዞም መጺኡ አይትፍራህ ስልጣን ተዋሂቡካ አሎ ቅሩብ አዕርፍ፤ አብዛ ብዓቲ
እዚአ እግዚአብሔር ቅሞቱ 60 እመት ዝኾነ ዓቢይ ተመን አብ ክንዲ ገመድ
ክፍነወልካ እዩ እሞ ከደይበካ እዩ በሎም፤ ክልተ ሱባዔ ብጾምን ጸሎትን ምስ ጸንሑ
አብ ሰዓት ሰለስተ ናይ መዓልቲ እቲ ተመን መጺኦም። ጭራኻ ናብዚ በልዎ እቲ ተመን
ከአ ብቃንቃ ደቂ ሰባት እንታይ ርኢኹም ኢኹም ናብ እዛ ደብሪ(ጎቦ) ክትድይቡ
እትደልዩ፥ ዝስተ ወይ እተጽልሉ ኦም የልቦን ብዘይካ አዕዋፍ በሎም። አቡነ አረጋዊ ግን
ከምቲ ካብ አእላፍ ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ አፍካ ይሕሽኒዝተባህለ (መዝ.11972)
ነቲ ተመን እቲ ዝተአዘዝካ ግበር እግዚአብሔር ካብ ድላየይ አይክልአንን እዩበልዎ
ጭርኡ ሰደደሎም ቅዱስ ሚካኤል ከአ ምእንቲ ከየፍርሖም ብሸነኽ የማን ነበረ፤
ኣቡነ አረጋዊ ዝባን እታ ደብሪ ምስ በጽሑ ገጾም ብትእምርተ መስቀል ዓቲቦም
ሰለስተ ጊዜ ብምስጋድል ሃሌ ሉያ ለአብ፥ ሃሌ ሉያ ለወልድ፥ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ
(ማለት ምስጋና ንአብ፥ ምስጋና ንወልድ፥ ምስጋና ንመንፈስቅዱስ) በሉ፤ በዚ ከአ እታ
ደብሪ ''ደብረ ሃሌ ሉያ'' ተባህለት አቡነ አረጋዊ ዝደየብሉ 12 ጥቅምቲ ብበዓል ቅዱስ
ሚካኤል እዩ፤ አቡነ አረጋዊ አብ ታሕቲ ከለዉ ምሉእ ሕብስቲ ዝዉድኡ ዝነበሩ አብ
ላዕሊ ምስ ወጹ ፍርቂ ህብስቲ ጥራይ በሊዖም ጸገቡ እሞ በምሳል እታ ፍርቂ ሕብስቲ
አብ ኦም ቀሪጾም ክሳብ ሕጂ ትእምርቲ ትርከብ። ንደሓር አቡነ አረጋዊ ሕብስቲ
ምድራዊ ዘይኮነ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስቲ እናተመገቡ ብዙሓት አመንትን
መነኮሳትን አፍረዩ፤ ክሳብ 600 መነኮሳት ከምዝነበሩ ይዝንቶ፤ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን
ተጋድሎን ጎይታናን አምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ፍርቂ ለይቲ
ተራእዮም እሞ ከምዚ በሎም፤ ጸሎትካ ሰሚዐዮ አለኹ ካብዚ ከፍልሰካ(ከግዕዘካ) ካብ
ድኻም ናብ ዕረፍቲ፥ ካብ ኃዘን ናብ ሓጎስ፥ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ፥ ከእትወካ እየ። ነዚ
ሓላፊ ዓለም መኒንካ ኢኻ ኢሞ ዘይሓልፍ መንግስቲ ከዉርሰካ እየ፤ ዓይኒ ዘይረአየቶ
እዝኒ ዘይሰምዓቶ ከምኡዉን አብ ክንዲ ሃገርካ ዝመነንካ፥ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት
ከዉርሰካ እየ፤ ቤትካ ስለዝመነንካ ዘይሓልፍ አብያት ከውርሰካ ኢየ። ቅዱስ ጳዉሎስ
ዝተዛረቦ ተስፋ አቦና ገና ብህይወት እንከሎዉ ተነግሮም ''አምላክ ነቶም ዚአምንዎ
ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒዉን ዘይሰመዓቶ ልቢ ዘይሓሰበቶ አዳሊሎም አሎ''
ዝኽርኻ ዝዘከረ ብጸሎትካ ዝተማሕጸነ መጽሓፍ ገድልኻ ብእምነት ዝጸሓፈን
ዝተርጎመን አነ አብ መጽሓፍ ሕይወት ስሙ ክጽሕፎ እየ። ብስምካ ጥሙይ ዘጽገበ
ንጽሙእ ዘስተየ፥ ቤተ ክርስትያንካ ዝሃነጸ፥ ከጽግቦ፤ አብያተ ብርሃን ከውርሶ እየ
ዝብል ቃል ኪዳን ''ምስ ሕሩያነይ ኪዳን አተኹ፤'' (መዝ. 894) ከም ዝተባህለ ምስ
አቦና አረጋዊዉን አተወሎም።
አቡነ አርጋዊ ንኹሎም አርድእቶም ጸዊዖም እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ከም
ዝአተወሎም ዝኽሮም ስሞም ንዉሉድ ወሎዶ ክሳብ ሕልፈት ዓለም ከምዝጸንሕ
ሓበርዎም። ድሕሪ ሕጂ ብስጋ አይክትርእዩንን ኢኹም፡ ብምባል ብዙሕ ናይ ምጽንናዕ
ቃላት ብምሃብ ንማትያስ እገድፈልኩም አሎኹ ኢሎም ናብ ባዓቶም ድሕሪ ምምላስ
ናብ ንቡር ጸሎቶም ምጽላይ አድሃቡ፤ ማትያስ ንግሆ ምስ ረአዮም ሰዓት 900 ረፍዲ
ምልስ እንተ በለ ብዘይካ መስቀሎምን መቖምያኦምን አይረኸቡን እግዚአብሔር
ሰዊርዎም፤ ከም ሄኖክ መሪጽዎም ከም ኤልያስ ብክብሪ ብሰረገላ ፈረስ ናብ ሰማይ
ሰዊርዎም ከም ዮሓንስ አነ ክሳብ ዝመጽእ አይክትሞቱን ኢኹም ንዝብል ቃል ወንጌል
ክምረጹ በቒዖም። (ዘፍ 524 2 ነገ. 211 ዮሓ 2123)
በረኸት አቦና አረጋዊ ምስ ኩላትና ይኩን፥
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።