ኣሰይ ተዓዊቱለይ ክጽሕፍ በቂዐ
ኣመሳቂለ ኣእዳወይ ብርዐይ ሶኺዐ
ሰናይ ንዝተምነይ ክሕብር ንንዘንግዐ
ሰላም ዝተሓረሞ ኣእምሮይ ብጭንቐት ንዝረስዐ
ክመርጽ ርእሰ ሓሳብ ዝሰማማዖ ቃላት
ብኣርምሞ ንደቃይቅ ብምሊዛብ ክጥምት ንሕንጻጻት
ሓዲሽ ዓመት ምስ ልደት ዝዓበየ ፍቅራዊ ሰረት
ምግባር ማዕረ እምነት ዝሓለወት ናይ ኣበው ደረት
ትማሊ ኔርና ብሓባር ዝተመነና
ደኺምና ንጽባሕ ጺዒርና
ሰሪሕና ኣቲና ከነዕርፍ ቤትና
ጊዚኡ ኣኺሉ ንትኣኻኸበሉ ምስ ስድራና
ደጊመ ንኽብለኩም ዋላ ነቶም ዘይተዓደምኩም
ዓመተ ሰላም ቅሳነት ንክኾነልኩም
ፍቅሪ እምነት ሓድነት ንኽወርደልኩም
ራህዋ ተስፋ ጽንዓት ክስረታ ኣባኹም
ሩሑስ ሓዲሽ ዓመት ምስ ልደተ ክርስቶስ
የብቅዓና ብሕብረት ጽድቂ ጎይታ ክንሓፍስ
ብሓውኹም ዮናስ፡በረ
ተኣዋን ደኣ ጊዜ ዝኣከለ ህዝቢ ካዘይተኣከበ
ንብረቶም ሃብቶም ንኽለብሱ ዕድመ ዘይሃበ
ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
ደማዊ ዝንዛሕ ንብዓተይ ከይነቀጸ
ቁስለይ ከይሓወየ ድክተርካ ክጽዉዕ ዘይመጸ
ኡይ ኡይ ክብል ንምንታይ ግን ባሕሪ
ምሕረት ክሊገሰለይ ብኣዊያት ጽገመይ
ተማህለልኩ
ናብ ምድሓን ዓለመይ
ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ ንምንታይ ግን ባሕሪ
ስድራቤታት ንኽበኺያ ንምሉእ ዕምሪ
ካብ ርሑቅ ጸዊዕካ ክትተክል ጋህሪ
ይኣክል በል,,2,, ንኽነብር ብኽብሪ
ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
እግዚኣብሔር ሰላሙ ክሊእከልና
መግቡ ክምግበና ኣብ ቤቱ ከንብረና
ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
ኣርኢኻ ኣተስፊኻ ግዜ ዘይሃብካ
ነቲ ዝነበርኩዎ ግዜ ዘካረጽካ
ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
ኮይኑ ደኣ መሲሉካ እንበር
ልማኖና ኣይኮነን ካ ብባሕሪ ዝስመር
ኡይ ኡይ ንምንታይ ግን ባሕሪ
ተወከፍ ጸሎትና ስማዕ ልማኖና
ዕረቀና ምስ ባሕሪ ኣምላኽና
ንኽንወርስ ሰመያዊት ቤትና
ስብሃት
ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ
ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር