እታ ዝበለጸት ልቢ
እቲ መንእሰይ ኣብ ማእከል ጎደና ናይታ ዓባይ ከተማ ኮይኑ’ዩ ዝጭርሕ ነይሩ፣
እቲ መንእሰይ
‘’ኣብዛ ከተማ ካብ ዝርከቡ ሰባት እታ ዝበለጸት ልቢ ናተይ’ያ፣ ፈጺማ ከምዛ ናተይ ልቢ ክህልዎ ዝኽእል ሰብ ኣብዛ ከተማ የለን፣’’ እናበለ ናብቶም
ከቢቦም ዝነበሩ ሰባት እናጠመተ ብዓውታ ተዛረበ፣ እቶም ከቢቦም ዝጥምትዎ ዝነበሩ ሰባት’ውን ነቲ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ዝጭድር ዝነበረ መንእሰይ እናጠመቱ። ምስ ሓሳቡ ከም ዝተሰማምዑ።
ሰባት ‘’ብርግጽ እታ ዝበለጸት ልቢ ናቱ’ያ፣’’ ክብሉ ተሰምዑ፣ ኣብ ዙሪያ እቲ መንእሰይ ቁጽሪ ዘይብሉ ሰብ ክብርክት ጀመረ፣ እቲ መንእሰይ ብዘረባ እቶም ከቢቦሞ ዝነበሩ ሰባት ተተባቢዑ ብዛዕባ እታ ጎደሎ ዘይብላ ልቡ እናደጋገመ ተዛረበ፣
ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ግን ካብ ሞንጎ እኩብ ሰብ ናብቲ ብዓውታ ዝዛረብ ዝነበረ መንእሰይ ቀረቡ፣
ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ‘’ልብኻ ካብ ናተይ ትበልጽ ኣይኮነትን፣‘’ ብምባል ድማ ጭደራኡ ከም ዘቋርጽ ገበሩ፣ ነቲ ብመላጉም ተዓጽዩ ዝነበረ ካምችኡ ብምኽፋት ከኣ ‘’
ተዓዘባ። ናተይ እታ ዝበለጸት’ያ፣’’ በልዎ፣
እቲ መንእሰይ
እቲ መንእሰይ ብምግራም ናብ ደረት እቶም ሽማግለ ብምጥማት። ንልቦም ብትኹረት ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብብርቱዕ ዉቅዒት ትሃርም ነበረት፣ ዝበዝሕ ክፋል ኣፍ ልቦም ብበሰላታትን ልሕጻጻትን ዝመልአ እዩ፣ ኣብ ገለ ክፋል’ውን እትው ዝበለን ዝዓሞቐን በሰላታት ይረአ ኣሎ ፣ ኣብቲ ዓቢ ጎደና ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ንኣፍ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብዕምቆት ድሕሪ ምጥማት።
ሰባት
‘’ከመይ ገይሮም’ዮም ክንድዚ ልሕጻጽ ኣብ ኣፍልቦም እናሃለወ ልበይ ትበልጽ ዝብሉ?’’ብምባል ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለ ኣቦ ምዕዝምዛም ቀጸሉ፣እቲ መንእሰይ’ውን ነታ ብትሕቲ በሰላታት ዘጽለለት ልቢ እቶም ሽማግለ እናጠመተ
እቲ መንእሰይ
‘’ትጻወቱ ዲኹም ዘለኹም?‘’ ብምባል ተበርጢጡ ሓተተ፣ ቀጺሉ ናብቲ ዝነበርዎ ወገን ብምቕራብ።
‘’ምስ ናተይ ከተወዳድርዋ ምሕሳብኩም ዕሽነት’ዩ፣ ናተይ ዝበለጸት እያ ናትኩም ግን
…..?’’ ዘረባኡ ከይመልአ ክምስ ብምባል ኣብ ልዕሊ’ቶም ሽማግለ ኣላገጸ፣
‘’ብርግጽ የላግጽ ኣይኮንኩን ዘለኹ’’ እቶም ሽማግለ ንዘረባኡ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ክምልሱ ጀመሩ፣ ‘’
ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ
…ናትካ ንምርኣያ እተብህግ ጽብቕቲ ልቢ’ያ፣ እንተኾነ ምስ ናተይ ፈጺማ ክትዋዳደር ትኽእል ኣይኮነትን፣’’ንዘረብኦም ብምቁራጽ ንገጽ እቲ መንእሰይ ብትኹረት ክጥምቱ ጀመሩ፣ ‘’ተዓዘብ ‘’ ነቲ ኣብ ኣፍ ልቦም ዝነበረ በሰላታት በብሓደ ክድህስሱ ጀመሩ፣ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍ ልቦም ክሳብ ነጻብዖም ዝውሕጥ በሰላታት ነበረ፣ ‘’እዚ
ኩሉ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት።ንሰባት ካብ ልበይ ዝመቐልክዎ ፍቕሪ’ዩ ዘመልክት፣ ተዓዘቦ ። እዚኣብ ገሊኡ ዝርኣየካ ዘሎ ጭንዳሕን ጋግ ከኣ። ፍቕሪ ልውሃት
ሓሊዮት ሓጎስ ዕርቂ ሕያዊነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል ርህራሄ
ትሕትና ሰላም ንዝሃብክዎም
ሰባት ፍቕሪ ዝመለሱለይ’ዮም።(ገላ
5፣21)እንተኾነ እቲ ካብ ልቦም ዝሃቡኒ ከም ፍቕሪ ልዉሃት ትሕትና ሓጎስ ለዉሃት ኣብቲ ዝጸንሐ ነቓዓት ምእታው ይስእን እሞ። ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ጋግ ኮይኑ ይተርፍ፣ ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ዝሃብክዎም ፍቕሪ ከይመለሱ ይተርፉ’ሞከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ፍቕሪ ክጽበ ጎዳጉዲ ኮይኑ ይተርፍ፣ እዚ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት ማዕረ ክንደይ ኣቐንዛዊ ይመስለካ? ካብ ክትግምቶ ትኽእል ንላዕሊ ኣቐንዛዊ’ዩ፣ እንተኾነ ካብ ፍቕሪ ምሃብ ዝዓቢ ህያብ ከቶ የለን፣
ክሳዕ ሎሚ ከኣ ንሰባት ፍቕሪ ኣብ ምሃብ እርከብ ኣለኹ፣ ተስፋ ይገብር ሓደ መዓልቲ ኩሎም እቶም ካባይ ፍቕሪ ዝተመቕሉ
ሰባት ክመልሱለይ እሞ’ እቲ ዘለኒ ጎዶሎታትን ቃንዛን ናብ ዝነበሮ ክምለስ፣’’ ድሕሪ’ዚ እተን ትኩራት ኣዒንቲ እቶም ሽማግለ
ኣብቲ መንእሰይ ተተኺለን ነዊሕ ደቓይቕ ሓለፈ፣ ‘’እቲ ሓቀኛ ጽባቐ በሪሁልካ ዶ?’’ ሕትኦም
ናብቲ ፈዚዙ ዝከታተሎም ዝነበረ
መንእሰይ ኣበሉ፣ እቲ መንእሰይ ንኹሉ ዘረባ እቶም ሽማግለ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ።
እቲ መንእሰይ
ኣዒንቱ ውሪግሪግ
ክሳብ ዝብሎ ብንብዓት መልአ፣ ናብቶም ሽማግለ ብምቕራብ ከኣ ክልተ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ኣብ ክሳዶም ተጠምጠመ፣ ገለ
ካልኢት ብዝሓለፈ ከኣ። ካብ ልቡ ፍቕሪ ብምምቓል ነቶም ሽማግለ ሰብኣይ ኣረከቦም፣ እቶም ሽማግለ ካብቲ መንእሰይ ዝተቐበልዎ
ህያብ ፍቕሪ ኣብታ ብበሰላታት ዝመልአት ልቦም ኣቐመጡዎ፣ ድሕሪ’ዚ እቲ መንእሰይ ንልቡ ብተመስጦ ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቡ
ምልእትን ጽብቕትን ከምዘይነበረት
ኣስተውዓለ፣ ግና ካብቲ ዝነበረቶ ኣጸቢቓ ከም እትበልጽ ፈለጠ፣ ምኽንያቱ ንሰባት ፍቕሪ ካብ
ምልጋስ ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየለ፣ ልቡ ብፍቕሪ ክሳብ እትመልእ ከኣ ብሓባር ብምዃን ምስቶም ሽማግለ ቀጸለ
No comments:
Post a Comment