Saturday, October 5, 2013

እታ ዝበለጸት ልቢ


እታ ዝበለጸት ልቢ

እቲ መንእሰይ ኣብ ማእከል ጎደና ናይታ ዓባይ ከተማ ኮይኑ’ዩ ዝጭርሕ ነይሩ፣

 

እቲ መንእሰይ      ‘’ኣብዛ ከተማ ካብ ዝርከቡ ሰባት እታ ዝበለጸት ልቢ ናተይ’ያ፣ ፈጺማ ከምዛ ናተይ ልቢ ክህልዎ ዝኽእል ሰብ ኣብዛ ከተማ የለን፣’’ እናበለ ናብቶም

ከቢቦም ዝነበሩ ሰባት እናጠመተ ብዓውታ ተዛረበ፣ እቶም ከቢቦም ዝጥምትዎ ዝነበሩ ሰባት’ውን ነቲ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ዝጭድር  ዝነበረ መንእሰይ እናጠመቱ። ምስ ሓሳቡ ከም ዝተሰማምዑ።

 ሰባት       ‘’ብርግጽ  እታ ዝበለጸት ልቢ ናቱ’ያ፣’’ ክብሉ ተሰምዑ፣ ኣብ ዙሪያ እቲ መንእሰይ ቁጽሪ ዘይብሉ ሰብ ክብርክት ጀመረ፣ እቲ መንእሰይ  ብዘረባ እቶም ከቢቦሞ ዝነበሩ ሰባት ተተባቢዑ ብዛዕባ እታ ጎደሎ  ዘይብላ ልቡ እናደጋገመ ተዛረበ፣

ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ግን ካብ  ሞንጎ እኩብ ሰብ ናብቲ ብዓውታ ዝዛረብ ዝነበረ መንእሰይ ቀረቡ፣

 ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ‘’ልብኻ ካብ ናተይ ትበልጽ ኣይኮነትን፣‘’ ብምባል ድማ ጭደራኡ ከም ዘቋርጽ ገበሩ፣ ነቲ ብመላጉም ተዓጽዩ ዝነበረ ካምችኡ ብምኽፋት ከኣ ‘’

ተዓዘባ። ናተይ እታ ዝበለጸት’ያ፣’’ በልዎ፣

እቲ መንእሰይ  

እቲ  መንእሰይ ብምግራም ናብ ደረት እቶም ሽማግለ ብምጥማት። ንልቦም ብትኹረት ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብብርቱዕ ዉቅዒት ትሃርም ነበረት፣ ዝበዝሕ ክፋል ኣፍ ልቦም ብበሰላታትን ልሕጻጻትን ዝመልአ እዩ፣ ኣብ ገለ ክፋል’ውን እትው ዝበለን ዝዓሞቐን በሰላታት ይረአ ኣሎ ፣ ኣብቲ ዓቢ ጎደና ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ንኣፍ ልቢ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብዕምቆት ድሕሪ ምጥማት።

  ሰባት

‘’ከመይ ገይሮም’ዮም ክንድዚ ልሕጻጽ ኣብ ኣፍልቦም እናሃለወ ልበይ ትበልጽ ዝብሉ?’’ብምባል ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለ ኣቦ ምዕዝምዛም ቀጸሉ፣እቲ መንእሰይ’ውን ነታ ብትሕቲ በሰላታት ዘጽለለት ልቢ እቶም ሽማግለ እናጠመተ

እቲ መንእሰይ      

‘’ትጻወቱ ዲኹም ዘለኹም?‘’ ብምባል  ተበርጢጡ ሓተተ፣ ቀጺሉ ናብቲ  ዝነበርዎ ወገን ብምቕራብ።

‘’ምስ ናተይ ከተወዳድርዋ ምሕሳብኩም ዕሽነት’ዩ፣ ናተይ ዝበለጸት እያ ናትኩም ግን …..?’’ ዘረባኡ  ከይመልአ ክምስ ብምባል ኣብ ልዕሊ’ቶም ሽማግለ ኣላገጸ፣

‘’ብርግጽ የላግጽ ኣይኮንኩን ዘለኹ’’ እቶም ሽማግለ ንዘረባኡ  ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ክምልሱ ጀመሩ፣ ‘’

ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ      

…ናትካ ንምርኣያ እተብህግ ጽብቕቲ ልቢ’ያ፣ እንተኾነ ምስ ናተይ ፈጺማ ክትዋዳደር ትኽእል ኣይኮነትን፣’’ንዘረብኦም ብምቁራጽ ንገጽ እቲ መንእሰይ ብትኹረት ክጥምቱ ጀመሩ፣ ‘’ተዓዘብ ‘’ ነቲ ኣብ ኣፍ ልቦም ዝነበረ በሰላታት በብሓደ ክድህስሱ ጀመሩ፣ ኣብ ገለ  ክፋል ኣፍ ልቦም ክሳብ ነጻብዖም ዝውሕጥ በሰላታት ነበረ፣ ‘’እዚ ኩሉ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት።ንሰባት ካብ ልበይ ዝመቐልክዎ  ፍቕሪ’ዩ ዘመልክት፣ ተዓዘቦ ። እዚኣብ ገሊኡ ዝርኣየካ ዘሎ ጭንዳሕን ጋግ ከኣ። ፍቕሪ ልውሃት ሓሊዮት ሓጎስ ዕርቂ ሕያዊነት እምነት ህድኣት  ይኣኽለኒ ምባል ርህራሄ ትሕትና ሰላም  ንዝሃብክዎም  ሰባት ፍቕሪ ዝመለሱለይ’ዮም።(ገላ 5፣21)እንተኾነ እቲ ካብ ልቦም ዝሃቡኒ ከም ፍቕሪ ልዉሃት ትሕትና ሓጎስ ለዉሃት  ኣብቲ ዝጸንሐ ነቓዓት ምእታው ይስእን እሞ። ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ጋግ ኮይኑ ይተርፍ፣ ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ዝሃብክዎም ፍቕሪ ከይመለሱ ይተርፉ’ሞከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ፍቕሪ ክጽበ ጎዳጉዲ ኮይኑ ይተርፍ፣ እዚ ትርእዮ ዘለኻ በሰላታት ማዕረ ክንደይ ኣቐንዛዊ ይመስለካ? ካብ ክትግምቶ ትኽእል ንላዕሊ ኣቐንዛዊ’ዩ፣ እንተኾነ ካብ ፍቕሪ ምሃብ ዝዓቢ ህያብ ከቶ የለን፣

ክሳዕ ሎሚ ከኣ ንሰባት ፍቕሪ ኣብ ምሃብ እርከብ ኣለኹ፣ ተስፋ ይገብር ሓደ መዓልቲ ኩሎም እቶም ካባይ ፍቕሪ ዝተመቕሉ

ሰባት ክመልሱለይ እሞ’ እቲ  ዘለኒ ጎዶሎታትን ቃንዛን ናብ ዝነበሮ ክምለስ፣’’ ድሕሪ’ዚ እተን ትኩራት ኣዒንቲ እቶም ሽማግለ

ኣብቲ መንእሰይ ተተኺለን ነዊሕ  ደቓይቕ ሓለፈ፣ ‘’እቲ ሓቀኛ ጽባቐ በሪሁልካ ዶ?’’ ሕትኦም ናብቲ ፈዚዙ ዝከታተሎም ዝነበረ

መንእሰይ ኣበሉ፣ እቲ መንእሰይ ንኹሉ ዘረባ  እቶም ሽማግለ ብጽሞና ድሕሪ  ምስማዕ።

እቲ መንእሰይ      

ኣዒንቱ ውሪግሪግ

ክሳብ ዝብሎ ብንብዓት መልአ፣ ናብቶም ሽማግለ ብምቕራብ ከኣ ክልተ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ኣብ ክሳዶም ተጠምጠመ፣ ገለ

ካልኢት ብዝሓለፈ ከኣ። ካብ ልቡ ፍቕሪ ብምምቓል ነቶም ሽማግለ ሰብኣይ ኣረከቦም፣ እቶም ሽማግለ ካብቲ መንእሰይ ዝተቐበልዎ

ህያብ ፍቕሪ ኣብታ ብበሰላታት ዝመልአት ልቦም ኣቐመጡዎ፣ ድሕሪ’ዚ እቲ መንእሰይ ንልቡ ብተመስጦ ክዕዘባ ጀመረ፣ ልቡ

ምልእትን ጽብቕትን ከምዘይነበረት ኣስተውዓለ፣ ግና ካብቲ ዝነበረቶ ኣጸቢቓ ከም እትበልጽ ፈለጠ፣ ምኽንያቱ ንሰባት ፍቕሪ ካብ

ምልጋስ ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየለ፣ ልቡ ብፍቕሪ ክሳብ እትመልእ ከኣ ብሓባር ብምዃን ምስቶም ሽማግለ ቀጸለ

Thursday, September 26, 2013

  “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይ ኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ገላ.6፣14።
 
         በስመኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን ። መስቀል ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ዝተሰመኩም ስድራ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣፍቀርቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግላ ማርያም ብ ኣማላድነት ኩሎም ቅዱሳን አተኣምኑን ኣሕዋት ከመይ ኣለኹም ፡መንፈሳዊ ሂወት ከመይ የከኣል ኣሎ ፡ማሕበር ከ ?ፍቁራት የሕዋት ሎሚ ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር ፡ብዛአባ መስቀል ፡እትገልጽ ስነ ጽሑፍ ንጽሕፈልኩም ኣለና ንሰካተኩም ከተንብ ብ ዋ ኣንቢብኩም ድማ ሊክዕ ከም ናይ ማርያም ሓፍቲ ኣልኣዛር ኣብ ሊቡኩም ከተከምጥዋ ን ምሕጸነኩም፡ ከመኡ እዉን ሃናጺ ትብልዎ ርእይቶ ክትልእኩልና ሓደራ ንብል።
       መስቀል ናይ መስቀል በዓል ዝኽበር 17 መስከረምን 10 መጋቢትን እዩ። ታሪኽ ውን ብመጠኑ ንምግላጽ ። ጎይታ ኣብ መስስቀል ተስቂሉ ድሕሪ ምማቱን ምትንስኡን ሕሙማት ነቲ ዝተሰቅለሉ መስቀል እንዳ ዳህሰሱ ይፍወሱ ነሮም።በዚ ተኣምራት እንዳ ተሳሓቡ ውን ብዙሓት ኣመነቲ ክርስታያናት ኮዩኖም ።ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ነቲ መስቀል ጎይታ ኣብ ሓደ ጎሓፍ መአከቢ ደርበይዎ ።በብመዓልቱውን ነባሪ እቲ ከባቢ ጎሓፍ ይግሑፉሉ ብምንባሮም እቲ ከባቢ ከም ጎቦ ኮነ።ዋላ’ካ ክርስትይን ነቲ መስቀል ከውጽእዎ ኣይኸኣሉ እንበር ነቲ ቦታ ይፈልጥዎ ነበሩ። ድሕሪ ወራር ጥጦስ (70 ዓ,ም)ክርስትያናት ንኢየሩሳሌም ፈጺሞም ገዲፎም ስለዝወጹን መልክዕ እታ ከተማ ዉን ስለዝተለዎጠ ምስ ምንዋሕ ጊዜ መስቀሉ ዝተቀብረሉ ቦታ ኣበይ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣየተኻኣለን ። በዚ ምኽንያት ካብ 300 ዓመት ንላዕሊ ተደፊኑ ጸኒሑ እዩ።
          ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን (327 ዓ.ም) ኣደ ንጉስ ቖስጠንጢኖስ ንግስቲ ኢለኒ ነዚ ታሪኽ ትሰምዕ ብምንባራ ኣኹዒታ ከተውጽኦ መነገዳ ናብ ኢዮርሳለም ኣቅንዕት።ኣብኡ በጺሓዉን ነቲ ኩሉ ጎቦታት ኣኽዒታት ክትረክቦ ኣየከኣለትን ። ንሰብ ውን እንተ ሓተተት ዝፍልጠላ ኣይተኸበን።ኣብ መወዳእታ ግናእቲ መስቐል ንኽወጽእ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብምን ባሩ ሓደ ኪርያኮስ ዝስሙ ኣረጋዊ፡ጸገም ንግስቲ ኢለኒ ተረዲኡ ከመዚ ኢሉ መኸራ። ንስኺ ብከንቱ ኣይተድከሚ ። ነቲ ሰብ ውን ብከንቱ ኣየተደክምዮ ።እንጨይቲ ኣኪብኪ ኩምራ ምስ ኮነ ዕጣን ኣፍስስሉ ብሓዊ ውን ኣተሓሕዝዮ ።ትኪ እቲ ዕጣን ናብ ላዕሊ ወጺኡ ናብ ታሕቲ ምስ ወረደ ነቲ ኣንፈቱ ተኸቲልኪ ኣኹዕትዮ፡በዚ ምልክት ከኣ ከተረከብዮ ኢኺ ፡ኢልዋ። ስንክሳር 10 መጋቢት ተመለከት። ንሳውን ንዝተባህለቶ ገበረት ። <<ዘዕጣን ኣንጸረ ሰገደ ጢስ>>ትኪ እቲ ዕጣን ከኣ ናብ ላዕሊ ወጺኡ ናብ ታሕቲ ክምለስ ከሎ መስቀል ናብ ዘለዎ ስፍራ ብኢድ ከም ምምልካት ዛክል ሓበረ።ንሳውን ነዚ ምልክት ሒዛ ኣውጺኣቶ ኣላ ። <<በጎልጎልታ ዘደፈኑ ኣይሁድ ዮም ተረክበ ዕጸ መስቀል >>። ነዚ በዓል ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ክርስታያናት የኽብርዎ እዮም።
          ኣብ ሃገርና ከኣ ዝለዓለን ፍሉይን ዝኾነ ስርዓት ኣከባብራ ኣለዎ። ናይ መስቀል በዓል ምስ ብራቅ ጸሓይን ምውጻእን ከረመትን ዝተተሓሓዘ ስለዝኮነ ዝተፈለየ ድምቀት ኣለዎ። 17 መስከረም ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራ ብዝተወሰነን ብዝከበረን እቲ ህዝቢ ከካብ ከባቢኡ ንዝተኣከበ ሽግ ብምኹማር ይድምሮ (ዳሜራ የሰርሖ)። ካህናት ውን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተደመረ (ዳሜራ)ሽግ ጸሎት ኣብጺሖም <<መስቀል ኣብርሀ፡በከዋክብት ኣሰረገወ ሰማየ እምኩሉሰ ጸሐየ አራየ>> እንዳበሉ ነቲ ዳሜራ ዝተጸለየሉን ዝተባረኸን ስለዝኮነን እቲ ምእመን ነቲ ሓኽሙሽቲ ነናብ ቤቱ ይወስዶ ፡ሰብን እንስሳን ከኣ የልከዮ። ንግስቲ ኢለኒ 17 መስከረም ኩዕታ ጀሚራ 10 መጋቢት ነቲ መሰቀል ስለ ዝረኸበቶ እዘን ክልተ መዓልታት ከም በዓል ተቆጺሩ ይኽበር ። መስቀል ኣብ ህይወት ቤተክርስትያን ዝለዓለ ስፍራ ኣለዎ። መስቀል ኣብ ትንቢት ንብያትን ምሳሌን መሰረታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ።ትንቢት<<ሓረገ ወይን ኮነ መድሓኒትየ ዘኣምሐሰስን ይትገዝም ወበጎልጎታ የተከል>>መሃ.5፡2 ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፡ከም ይምስጡ እምገጸ ቕስት ፡ወይድህኑ ፍቁራኒከ>>መዝ 59፡4 ተባሂሉ ኣሎ። ምሳለ መርከብ ኖህ ዘተስረሓትሉ እንጨይቲ ። ዘፍ 7፡6 ሙሴ ንፈርዖንን ሰራዊቱን ዝሰዓረሉ በትሪ ።ዘጸ 4፡2-9ኣርዌብርት ዘሁ 21፡9 ምሳለታት መስቀል እዮም። ቅድሚ ጎይትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት ምቅጽዒን ምልክት ርግማንን ውርደትን እዩ ኔሩ።(ዘዳ21፡23,2ቆረ5፡21.ገላ.3፡13)። ድሕሪ ስቅለት ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና መስቀል ክርስቶስ ዓዋጅ መንፈሳዊ ናጽነትና ዝተነግረሉ ሰለማዊ ዙፋኑ ኮነ።(መዝ 2፡6,7፡44,)ስለዝኾነ ውን ንኩሎም ክርስትያናት ምልክት ዓወትን ናጽነትን እዩ።<<ገበረ ሰላም በመስቀሉ >>ክርስቶስ ብመስቀሉ ሰላምን ናጽነተን ገበረ(ኤፌ.2፡15-17) እቲ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ብቅርጺ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ዘረኣዮ መስቀል ምልክት ዓወት ኮዩኑ ክነብር እዩ፡ ናይ መስቀል ኣማናዊ ምስጢራዊን ሓይሉን ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ ንዝኣምኑ እምበር ንዘይ ኣምኑ ስንፍና እዩ።(1ቆረ 1፡18 ፊል 3፡18)። መስቀል ሓይሊ እግዚኣብሔር እዩ ምባል ዋዛ የመስሎም ።
           ናይ መስቀል ንሞትን ኣጋንንትን መቅጽዒ ኮዩኑ ኣሎ።<< በመስቀሉ ወልድ ዘዓለመ ፈጠረ>>(ቅዱስ ያረድ መዋስዕት)። ምእመናን ብክርስቶስ ኣሚኖም ብመስቀል ናጋንንትን መንፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ክስዕሩ ስለዝነበሩ እዩ።ካብዚ ዝተላዕለ ናይ ክርስትያናት ኩሉ ኪነ ጥበብ ፡ኣብ ክዳኖም መጽሓፎም ።ኣብ ንዋት ገዞም ናይ መስቀል ምልክት ኣለዎ። ብህይወት ስጋ ከለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ድሃሪ ሞቶምዉን መስቀል ካብ ምእመናን ኣይፍለንይን እዩ።ዓጽሞም ኣብ ዝዓረፈሉ ኣብ መቃብሮምኩሉ መስቀል ቅርጺ ካብ ዕንጨይቲ ወይ ውን እምኒ በረ ከመኡ ውን ሓጺን ይግበር።ኣብ ልዕሊ መቓባሮም ውን ምንባሩ መስቀል ናይ ሞትን መከራን ምሳሌ ምኻኑ ተሪፉ ናይ ትንሳኤን ሂይወትን ምልክት ንምኻኑ ንምግላጽ እዩ። መስቀል ኣብ ቤተክርስታይን ኣገለግሎት ቡራኬ ይባረኸሉ ።ካሃናት ስልጣነ ክህነት ካብ ዝተቀበሉሉ እዋን ጀሚሮም መስቀል ይሕዙን በቲ መስቀልል ይባርኹን።ምእመና ውን ይሳለመዎ። በዚ መሰረት ከኣ መስቀል ኃይሊነ፡መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ፡መስቀል መድኃኒት ነፍስነ ኣይሁድ ክህዱ ንህነሰ ኣመንነ ወእለ ኣመነ በኃይሉ መስቀሉ ድኃንነ እንዳበለት ቤተክርስትያንና ትጽሊን ትዝምርን ትጽሊይን። ንመስቀል ናይ ጸጋን ኣኽብሮት ስግደትን ፡ኣስተባርኮትን ኣድንኖን ምቅራብ ከምዝግባእ <<ወንሰግድ ውስተ መካን ኃበ ቆመ እግረ እግዚኢነ>>(መዝ.131፡7)።<<ለመስቀልከ ንሰግድ ኦ ሊቃነ ወለትንሳኤከ ቅድስት ንሴብሕ ኩሉነ>>(ቅዱስ ያሬድ ጾመ ድጋ)ንዝብሎ መሰረት ብምጋብር ተስተምህር እያ።
   ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ መስቀል ዝተገብረላ ክብሪ ኣምላኽ ንምዝካርን ንምኽባርን ዓመት ዓመት ከተኽብሮ ትነብር ። እዚ እትገብረሉ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፣- “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይ ኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ገላ.6፣14። ቤተ ክርስቲያን ውን ኣሰኣሰር ሓዋርያ ጳውሎስ ብምኽታል “መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ።” ብምባል ነቲ ንዓኣ ንምቕዳስን ንምድሓንን ክብል ኣብ መስቀል ዘተፈጸመ ዓሰርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክትዝክር ትነብር ኣላ።
መስቀል ማለት ሰላም እዩ። ኤፌ.2፣13-17።
መስቀል ማለት ሓይሊ እዩ። 1ቆሮ.1፣18-19።
መስቀል ማለት ንጸላኢ እንስዕረሉ መሳርሒ እዩ። ቈሎ.2፣14-15።
ዝኾነ ክርስቲያን መስቀል ምጻር ከም ዝግብኦ ክፈልጥ ኣለዎ። “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ነዓይ ኣይበቅዕን እዩ።” ማቴ.10፣38። እዚ ማለት ከኣ ኩሉ ኣማኒ ብቕዓት እምነቱ/ታ በቲ ዚጾሮ መስቀል ይምዘን ማለት እዩ።
መስቀል ምጻር ማለት እቲ ንሕና እንነብሮ ሕይወትን እንሰርሖ ስራሕን ምስቲ ንሕና እንሕዞ መስቀል ብግብሪ ዚሳነ ክኸውን ኣለዎ ። “ንዅሎም ከኣ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ነፍሱ ይቕበጽ መስቀሉ  ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ በሎም።” ሉቃ.9፣23።
 መስቀል ምጻር ማለት እምበኣር ንዓለምን ፍትወቱን ትምኒቱን ንዒቕካ ደድሕሪ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ምስዓብ ማለት እዩ። እቶም ንእግዚኣብሔር ዘስመርዎ ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ በዚ መንገዲ እዚ እዮም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኣም ሞገስ ዝረኸቡ። “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።” ገላ፣5፣24።
     ስለዚ  መስቀል ማለት ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ንሕና ውን መዓልቲ መዓልቲ እግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ሓሳባትን ግብርታትን እንሰቕለሉ ትእምርተ ድሕነት እዩ።
   “እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ እቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ምእንቲ ክጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም እተሰቕለ ፈሊጥና ኣሎና።” ሮሜ.6፣6።
“ኣነስ ንኣምላኽ ብሕይወት ምእንቲ ክነብር ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።” ገላ.2፣19።
“ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ ምንዝር ርኽሰት ፍትወት ሥጋ ክፉእ ትምኒት ስስዔ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” ቈሎ.3፣5።
    ፍቓድ እግዚኣብሔር ምግባር ማለት እቲ ንኸይንገብሮ ዝኸልከለና ጐዳኢና ዝኾነ ግብሪ ካብ ልቢ ኣውጺእና ደርቢና ነቲ ክንገብሮ ዘተኣዘዝናዮ ምስ እንፍጽም ጥራይ እዩ።
     ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዚግብኣና ኸኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፣- “እምበኣርከስ ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኮይንኩም ምሕረት ልቢ ለውሃት ትሕትና ዓቕሊ
ትዕግስቲ ልበሱ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኵሉውን ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ ልበስዋ።” ቈሎ.3፣12-15።1ቆሮ.13፣4-8።
 እዚ ንኽንፍጽም  እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና።
     ኣሜን። 

Sunday, February 24, 2013


ጾመ ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

ጾመ ነነዌ
ጾም ማለት ቀዳማይ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ተኸልኪልካ ፍቓድ ሥጋ ንፍቓድ ነፍስ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ፣ ከምኡ`ውን ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ ኣፍካ ክፉእ ካብ ምዝራብ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ብሓፈሻ ካብ ኃጢኣት ተኸልኪልካ ምጽናሕ እዩ።
ጾም ካብ መግቢ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድነት ብጸሎትን ብምንባብ ቃለ እግዚአብሔር ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ፣ <እምበኣርሲ ሕጂ`ውን ብጾምን ጸሎትን ብብኽያትን። ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ይብል እግዚኣብሔር ንሱ ንኩራ ደንጓዪ ብሣህሉ ምሉእ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይን ርህሩህን መሓርን እዩ`ሞ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ከኣ ቅደዱ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም`ውን ተመለሱ> ይብል (ት.ኢዩ 2.12-13)፣ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቁ ብገዛእ ፍቓዱን ድሌቱን ክመላለስ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ንህዝቡ ድማ ንገፋዕቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ኣብ ክንዲ በረኸት ድማ መርገም ይሰደሎም ህዝቢ ኣምላኽ ውድቀቱን ጥፍኣቱን መከርኡን ርእዩ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምድላይ ገጹ ኣብ ዝመልሰሉ ግዜ ጾም እቲ ቀንዲ ንንስሓ ዘገልግል መሳርሒ እዩ። በቲ ዝበደሎን ዝፈጸሞን ተጣዒሱ ብብኽያትን ብናይ ሓቂ ጣዕሳን ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ምስ ዝምህለል ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ፣ ከም ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንና ከኣ ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል ንሱ ከኣ :-
  1. ናይ ፍቓድ ጾምን
  2. ናይ ኣዋጅ ጾምን ይበሃል፣
ናይ ፍቓድ ጾም ንሓደ ተነሳሒ ከም ቀኖና ዝወሃብ ናይ ግሊ ጾም እዩ፣
ናይ ኣዋጅ ጾም ድማ ብኣዋጅ ዝግበር ጾም ኮይኑ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሠሪዓትልና ኣላ ካብኣተን ድማ እዚ ጽባሕ እንኣትዎ ጾም ጾመ ነነዌ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ት.ዮናስ ተጻሒፉ እንረኽቦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብእከይ ግብሪ ናይ ህዝቢ ነነዌ ተቆጢዑ ነበረ እሞ ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምዃኑ ካብ ኃጢኣቶም ንኽምለሱ ንነብይ ዮናስ ናብታ ርእሲ ከተማ ኣሶር ዝኾነት ነነዌ ክኸይድ ኣዘዞ፣ <ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ እከይ ህዝባ ዓቢ ከምዝኾነ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ ኣንጻራ ስበኽ ኢሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣዘዞ፣> (ት/ዮናስ 1.1-2) ሰብ ነነዌ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣመንዎ። ኩሉ ክጸውም ድማ ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ከም ዝተጣዕሱ መታን ከርእዩ ከኣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንኣሽቶም ወጮ ተኸድኑ እዚ ወረ`ዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሐ ንሱ ድማ ካብ ዝፋኑ ተንሢኡ ልብሲ መንግሥቱ ቐንጢጡ ወጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙኩሽቲ ተቐመጠ። ኣብ ህዝቢ ነነዌ ከኣ ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፣
<ሰብ ወይ እንስሳ ገለ ነገር ኣይጥዓሙ። መጓስ ከብቲ ኮነ መጓስ ኣባጊዕ ገለ እኳ ኣይጥዓማ። ኣይውፈራ። ማይ`ውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላክ ይማህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እከይ መንገዱን ካብቲ እኩይ ግብሩን ይመለስ። ምናልባሽ ኣምላኽ ሓሳቡ ይልውጥን ካብ ግሁር ቁጠዐኡ ይምለስን ንሕና ከኣ ካብ ጥፍኣት ንድሕን ንኸውን> በሉ፣
ኣምላኽ ከኣ ካብ እከይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከምዝተመልሱ ረኣየ። ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ። ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ከኣ ኣይቀጽዖምን ስለዚ እግዚኣብሔር ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ካብ 120,000 ዝበዝሕ ሰብን ብዙሕ እንስሳን ዘለውዋ ክርህርሃሎምን ክምሕሮምን ከኣለ፣ ስለዚ ጾም ዝደለናዮ ዘበለ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበለሉ (ዘፀ 34.28)። ካብ ዝተፈላለየ መዓት ከም ጥሜት ስእነት ማይ። ሕማም። ኲናት…..ወዘተ እንተ ኣጋጠመና እንድኅነሉ (መ.ኣስቴር 4.16-17)። ከምኡ`ውን ጾም ንርኹሳት መናፍስቲ የርሕቖም (ማቴ 17.21)። መንፈስ ቅዱስ ይሓድረና ፍቓድ እግዚኣብሔር ከኣ ክንፍጽም ይሕግዘና(ግ.ሓ 13.2-3)፣
ስለዚ ጾም ዘይምዝውታር ኣብ ሥጋኻ ዘለካ ኣኽብሮትን ናይ ብልዒ ተገዛኢ ናይ ምዃንካ ምልክት ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ ዝረሓቐካ ሰብ ክትከውን ይገብረካ፣ ብሓፈሻ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ <እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾም`ሲ ንማእሰር ምፍታሕ። ነርዑት ባርነት ምዝላቕ። ንጥቑዓት ሓራ ምውጻእ። ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኩሉ ምስባር። እንጀራኹም ንጥሙይ ብምምቓል ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል ዕሩቕ እንተረኣኹም ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ> ክብል ተዛሪቡ`ሎ፣
ስለዚ ናይ ጾም ግዜ ብስነ ምግባርን ካብ መግቢ ብምኽልካልን ትውሰነሉ። ግዜ ጽድቅን ግዜ ቅድስናን እዩ`ሞ ነዚ ኣስተውዒልና ክንጸውም ጼምና ድማ ንበረኸት ክኾነልና ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፣
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!