ጾምን ሥርዓተ ጾምን

መንፈሳዊ (ብቑዕ) ጾም፣
“እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ። ንተግሣጽ። ንምቕናዕ። ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ፣” 2ጢሞ.3።16-17፣
1ይ.ምዕራፍ። 
መንፈሳዊ (ብቑዕ) ጾም፣ 
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን፣
ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ጽሑፍ እዚ።- እዚ ጽሑፍ እዚ ምርምር ንጾም ብዓይኒ መሠረተ እምነት ወይ ትምህርተ-ሃይማኖት(ቴሎጂ) ዘይኮነስ መንፈሳዊ ትርጉም ጾም ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ዝጸውም ሰብ ክገብሮን ክፈልጦን ዘሎዎ ነገራት ዚገልጽ እዩ፣ ጾም ሥጋኻ ምሕሳእ ጥራይ ድዩ ወይስ መንፈሳዊ ተግባራት ኣብ ሥጋና ክረኣዩ ዘለዎም ነገራት እዮም፨ ካብ መግቢ ምሕራም(ምሕሳእ) ናብ ምሉእ መንፈሳውነትና ርእስና ምቕባጽን ናብቲ መንፈስና ዝዓብየሉን የብጽሓና ድዩ፨
ጾም ቀድሱ እንታይ ማለትዩ፨ ጾም በይኑ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ተግብር ድዩ፨ ወይስ ካልኦት ስነ-ምግባራት ምስኡ ተሳንዮም ኪኸዱ ዝግብኦም ነገራት ኣለዉ እዮም፨ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኸመይ ዓይነት ስነ-ምግባራት ክስንዩ ይግባእ፨ ኣብ ግዜ ጾምና ክንላማመዶም ዝግባኣና ተግባራት ኣለዉዶ፨ ንመንፈሳዊ ዕብየትና’ኸ ይሕግዙና’ዶ፨ 
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነዞም ዝጠቐስናዮምን ካልኦት ኣርእስታት ትድህስስ መጽሓፍ እያ፣ ብቅዱስ ወብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ መበል 117 ሊቀ ጳጳሳት ወፓትሪያሪክ እስክንድርያ ቅዱስ ማርቆስ ብ 2003 ሓምለ ካብ ዝተሓትመት (the spirituality of fasting ) መንፈሳዊ ጾም ካብ ትብል መጽሓፍ ዝተተርጐመት እያ፣
ትሕዝቶ ገጽ
1ይ. ምዕራፍ ረብሓታት ጾም፣
1.1 . ጾም ናብ ዝለዓለ ቅድስና ዘቕርብ እዩ፦
1.2 . ጾም ቀዳማይ ትእዛዝ እዩ፦
1.3 . ጾም ነቢያት ዝጸምዎ እዩ፦ 
1.4 . ጾም ሓዋርያት ዝጾምዎ እዩ፦
1.5 . ጾም ኵሉ ኣማኒ ዝጾሞ እዩ፦
1.6 . ጾም ብሃገር ደረጃ ዝጽወም እዩ፦
1.7 . ጾም ህያብ ኣምላኽ እዩ፦
1.8 . ጾም ቅድሚ ኣገልግሎትን ህያባትን ቤ. ክርስቲያን ምፍጻሙ ዝሥራዕ እዩ፦
1.9 . ኵሉ ሥርዓታት ቤተ ክርስቲያን ብጾም እዩ ዝስነ፦
1.10 ጾም ኢድ እግዚኣብሔር የዘርግሕ፥
1.11 ጾም ባህታ እዩ፥
1.12 ጾም ናብራ እዩ፥
1.13 ጾም ንሰማእትነት ድሉው ይገብር፥
2ይ. ምዕራፍ ጾምናን ሥጋናን፣
2.1. ትርጉም ጾም፥
2. 2. ጸዊምካ ዝጽነሓሉ ግዜ፥
2. 3. ኣካላት ጥምየት፥
2. 4. ጾምን ተግባራትን፥
2. 5. ዓይነት መግቢ፥
2. 6 .ናይ ጾም መግቢ፥
2. 7 ኣካላትና ብጾም ዝረኽቦ ረብሓ፥
2. 8. ጾም ንስጋዊ ረብሓ ጥራሕ ኣይኮነን፥
3ይ. ምዕራፍ ጾም ቀድሱ።-
1.14 . ጾም ቀድሱ እንታይ ማለት እዩ፨
1.15 . ዕላማ ምጽዋምና እንታይ እዩ፨
1.16 . ናይ ሓሶትን ዘይቅቡል ጾምን እንታ እዩ (ኣየናይ እዩ)፨
1.17 . ጾምን እግዚኣብሔርን እንታይ ርክብ ኣለዎም፨
1.18 ትርጉም ጾመ ኣርብዓ፥
4ይ. ምዕራፍ . ምስ ጾም ክስነዩ ዝግብኦም ተግባራት።-
4.1. ጾም ብራእይ ክስነ ኣለዎ፥
4.2. ጾም ብንስሓ ክስነ ኣለዎ፥
4.3. ጾም ብጸሎትን ምስጋናን ክስነ ኣለዎ፥
4.4. ጾም ርእስኻ ብምውራድን ብሕዙን ልብን ክስነ ኣለዎ፥
4.5. ጾም ብምፍላይን ብህድኣትን (ጽሞና) ክስነ ኣለዎ፥
4.6. ጾም መልሓስካ ሓሳብካ ልብኻ ብምግታእ ክስነ ኣለዎ፥
4.7. ጾም ርእስኻ ብምግታእ ክስነ ኣለዎ፥
4.8. ጾም ንሥጋኻ ብምስዓር ክስነ ኣለዎ፥
4.9. ጾም ርእስኻ ብምኽሓድ ክስነ ኣለዎ፥
4.10. ጾም ምሕረት ብምግባር ክስነ ኣለዎ፥
4.11. ጾም ሥጋኻ ብምድካም ክስነ ኣለዎ፥
5ይ. ምዕራፍ ኣብ ጾም ዝጥረዩ ተሞክሮታት።-
5.1. . ኣብ ጾም ዝርከቡ ትርጉም ተሞክሮታት፥
5.2. ተመኵሮታት ኣካልና (ሥጋና)፥
5.3. ተሞክሮታት ንስሓ፥
5.4. ተሞክሮታት ርእስኻ ምፍላይን ህድኣትን፦
5.5. ግዜ ናይ ዘይምብኻን ተሞክሮታት፦
5.6. ተሞክሮታት ርእስኻ ናይ ምትሓትን ምውራድን፦
5.7. ተሞክሮታት ጥቕስታት ምሓዝን ምጽናዕን፦
5.8. ተሞክሮታት ጸሎት፦
5.9. ተሞክሮታት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መገድታት፦
5.10. ተሞክሮታት መንፈሳዊ ተግባራት፦
1ይ. ምዕራፍ። ረብሓታት ጾም፣
1. ጾም ናብ ዝለዓለ ቅድስና ዘብጽሕ እዩ፣
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከም እነንብቦ ብጾም ናብ ዝለዓለ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝበጽሑ ልዕሊ እቲ ሥጋዊ ባህርይ ወዲ ሰብ ዝጸሙ ኣለዉ ማለት ንኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ብዘይ መግብን መስተን ብጸሎትን ብጾምን ተወሲኖም ንኣምላኽ ዘገልገሉ ኣለዉ፣ ንሳቶም ከኣ።- ነቢይ ሙሴ ዘጸ.34።28፣ ኤልያስ 1ነገ.9።8፣ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ማቴ.4።2፣ እዚኣቶም ኵላቶም ብጾም ሥጋኦም ኣሕሲኦም(ቀጺዖም) ዕዉት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ እዮም፣
2. ጾም። ቀዳማይ ትእዛዝ እዩ፣
እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ነቦና ኣዳምን ነዴና ሄዋንን ኣብ ኤደን ገነት ኣብ መጀመርታ ዝሃቦም ቀዳማይ ትእዛዝ ጾም እዩ፣ ንሱ ድማ ካብ ኦም ገነት ከይበልዑ (ዘፍ 2።16-17) ካብ ካልኦት ግና ክበልዑ እዩ ኣዚዝዎም፣ በዚ እዩ ከኣ ብእግዚኣብሔር ንሥጋና ዝተወሰነ ዝተፈቅደሉ ዝተወሰነ ድማ ዘይተፈቅደሉ፣ ኣቦና ኣዳም ዝረኣዮን ዝጠመቶን ዝደለዮን ኣብ ኦም ገነት ክገብር ኣይተፈቅደሉን፣ ካብ ዝተወሰነ ግና ርእሱ ክገትእ ተነጊርዎ እዩ፣ እዚ ድማ እዩ ካብ ትእዛዛት ቀዳማይ ነይሩ ዝበልዮና፣ እታ ኦም ምናልባሽ ንምብላዓ ጥዕምቲ ንምርኣያ ተብህግ ነይራ ትኸውን (ዘፍ 3።6) ግናኸ ከምዘይትምልከተካ (ከም ዘይትግብኣካ) ክትኸውን ከኣ ትእዛዝ እዩ (ተኣዚዝካ) ኢኻ፣
ሥጋ ኣሕሲእካ ሊዕሊ ሥጋ ዝደልዮን ካልእን ኴንካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትርከበሉ እንኮ መገዲ ጾምዩ፣ ኣቦና ኣዳም ነቲ ዝተዋህቦ መምርሒ ተቐቢሉ ንሥጋኡ ኣግዚኡ ንመንፈሱ ኣልዒሉ ንድሌታት ሥጋ ስዒርዎ እንተዝኸውን ነይሩ ኦም ሕይወት ምረኸበ ነይሩ፣ እንተኾነ እቲ ድሌት ሥጋ ስለ ዝዓበየ ነቲ ትእዛዝ ከኽብሮ ኣይከኣለን፣ እዚ ከኣ ውሉድ ወለዶ ናብ ሞት ከምዝኸይድ ገበረ፣ ክርስቶስ እምበኣር ካብዚ ሞትዚ ነጻ ከውጽኣና ኢሉ እዩ ናብዛ ምድሪ ከም ሰብ ኰይኑ ክውለድን መከራ ክጸግብን ዝተገብኦ፣
ነቲ ብሰንኪ ሥጋ ድሌት ምእዛዝ ዝወለደ ኃጢኣት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝኃለፈ ብዓወት ኢየሱስ ክርስቶስ መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ዚመጽኦ ጊዜውን ከይተረፈ ተፈታቲንዎ እዩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልግሎቱ ብጾም እዩ ጀሚርዎ፣ ብጾም ንፈተነ ሰይጣን። ብዛዕባ ሥጋዊ ብልዕን ንዝመጽኦ ፈተናን ብዓወት ሰገሮ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን ሓደ ነግር ኣገንዚብዎ፣ ንሱ ድማ ሰብ ብምድራዊ ነገር ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊኡ ብዝዀነ ማለት ብቓል ኣምላኽ ከም ዚነብር ኣገንዘቦ፣ ማቴ.4።4፣ እዚ ቃልዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንመጀመርታ ዝተጠቕሰ ኣይኮነን፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ትእዛዝ ዝተጻሕፈ እዩ፣ ዘዳ.8።3፣
3. ጾም። ነቢያት ዚጾምዎ እዩ፣
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝሕብረና ኣቦታት ነቢያት ኣብ ሕይወቶም ነዘጋጥሞም ጸገማት ብጾምን ብጸሎትን ይፈትሕዎ ከምዝነበሩ ይሕበረና፣ ንኣብነት ካብ ቃላት ዳዊት ኣብ መዝሙር 35።13, 69።10፣ 109።24፣ 2ሳሙ.12።10፣ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ኣቦታት እንተ ርኢና ጾም የዘውትሩ ከም ዝነበሩ እዩ ዝሕብረና፣ በዓል ነቢይ ዳኒኤል (ዳኒ 9።3) ነቢይ ህዝቅኤል (ህዝ 4።9) ነህምያ (ነህ 1።3-4) ከምኡውን ካህን እዝራ (እዝ 8።21)፣ ብጾም ዓበይቲ ስራሓት እዮም ፈጺሞም፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳንውን ኣብ ወንጌል ሉቃስ.2።37፣ ከም እነንብቦ ነቢይት ሃና ጓል ፋኑኤል ካብ ቤተ መቅደስ ከይወጸት ብጾምን ብጸሎትን ተወሲና ከም ዝነበረት ንርኢ፣
4. ጾም። ሓዋርያት ዝጾምዎ እዩ፣
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልግሎቱ ብጾም ዝጀመሮ ኣቦታትና ሓዋርያትውን ኣገልግሎቶም ብጾም እዮም ዘሰንዩዎ ኔሮም፣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ.9።15፣ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “…ነዕሩኽ መርዓዊ። መርዓዊ ምሳታቶም ክሳብ ዘሎ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ (ኪጐህዩ) ይዀነሎም፨ መርዓዊ ካባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ክትመጽእ እያ ሽዑ ከኣ ኪጾሙ እዮም፦ ከምዝበለ ብድኅሪኡ ይጾሙ ነይሮም እዮም፣ ሓዋርያት ኣብ ኵሉ ኣገልግሎቶም ንጾም ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ተጠቒሞምሉ እዮም፣ ሓዋርያ ጴጥሮስ ጸይሙ እንዳጸለየ ከሎ እዩ ኣሕዛብውን ድሕነት ይግብኦም ሙዃኑ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ብራእይ ዘረጋገጸሉ፣ ግብ.10።10፣ ሓዋርያ ጳውሎስ ንእግዚኣብሔር ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ጊዜ ብጻዕሪ ብምንቃሕ ይጸውም ኔሩ እዩ፣ 1ቆሮ.6።5፣ ብተወሳኺ…ብዙሕ ጊዜ ብጾም 2ቆሮ.11።27፣ ከምኡውን ምስ በርናባስ ከገልግል ከሎ ይጸውም ነይሩ እዩ፣ ግብ.14።23፣ ሓዋርያት ኣብ ጾም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ተዛሪብዎም፣ ኣብ ግብ.13።2-3፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ብዛዕባ ጾም ዝተዛረቦም ኣዚዩ ባህ ዘብል ቃል ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ኣብ ምቅላስ ምስ ብርኹስ መንፈስ ዝተታሓዘ ሰብ ክነግሮም ከሎ ኣብ ማቴ.17።21 . . ከምዚ ዝበለ ጾም ንኣጋንንቲ ዘርዕድ እዩ፣
 
5. ጾም። ኵሉ ኣማኒ ዝጾሞ እዩ፣
እዚ ኣዋጅ ጾምዚ ናይ ሕብረት ጾም ኰይኑ ሓንቲ ማሕበር (ቤተክርስቲያን) ብፍሉጥ ብሃገር ደረጃ ኣብ ዓዓመት ዝእዘዝ ጾም የጠቃልል፣ ኵሉ ህዝቢ ብሓደ ልቢ ኰይኑ ብጾም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝቐርበሉ መገዲ እዩ፣ ከምቲ ሓደ ልቢ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ እግዚኣብሔር ንጸሎትም ሰሚዑ፣ ግሃ.4።24፣ ንዅሎም መንፈስ ቅዱስ ዝመለኦም እሞ ብትብዓት ቃል እግዚኣብሔር ዝምስክሩ ዝነበሩ ጾምውን ከምኡ እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣብነት ናይ ሓባር ጾም ኣሎና፣ ኣብ መጽሓፈ ኣስቴር ኵሉም ኣይሁድ ብምሉኦም ከም ሓደ ልቢ ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጾም ቀሪቦም፣ ኵሎም ሕዝቢ ብቑዝማ ምሕረት ኣምላኽ ክረክቡ ጾም ጾሙ፣ ኣስ.4።3,16)፣ ኣገባብ ጾሞም ከኣ ብንብዓትን ካሻ ብምኽዳንን ሓመኹሽቲ ብምንስናስን እዩ ነይሩ፣
ብተመሳሳሊ ንዅሉ ህዝቢ ዝሓቘፈ ጾም ብካህን እዝራ ተኣውጁ፣ ኣብ ሩባ ኣሃዋ ከኣ ርእሶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምውራድ ጾሙ፣ እዝ. 8።21-23፣ ከምኡውን ነህምያን ሕዝቡን ንጾም ተኣኻኺቦም ክሻ ብምክዳንን ሓመድ ኣብ ርእሶም ብምንስናስን ጾሙ፣ ነህ.9።1፣ ኣብ ግዜ ዘመን ንጉስ ኢዮሳፋጥ ኵሎም ሕዝቢ ይሁዳ ብጾም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቦም ኔሮም፣ 2ዜና. 30።3)፣ ኣብ ዘመን ኢዩኣቄም ንዅሉ ሕዝቢ ኢየሩሳሌምን ንኹሉ እቲ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኡ ዝነበረ ሕዝብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጾም ኪጾሙ ተኣወጀ፣ (ኤር 36።9)፣ ኣብ ጊዜ ነቢይ ኢዩኤል ንዅሉ ሕዝቢ ዝምልከት ጾም ተኣውጁ ነበረ፣ ኢዩ. 2።12፣ ናይ ሕብረት ጾም ኣብ ዘካርያስ 8።19፣ ውን ተመዝጊቡ ኣሎ፣ … ጾም ናይ 4ይ ወርሒ፦ ጾም ናይ 5ይ ወርሒ፦ ጾም ናይ 7ይ ወርሒ፦ ጾም ናይ 10ይ ወርሕን ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪዀነሎም እዩ፣ እምበኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ ይብል እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ፣
6. ጾም ብሃገር ደረጃውን ይጽወም እዩ፣
ጾም ብዅለን ሃይማኖታትን ሃገራትን ይዝውተር እዩ፣
እቲ ብሃገር ደረጃ ዝተኣወጀ ቀንዲ ፍሉጥ ጾም ናይ ሕዝቢ ነነዌ እዩ፣ ዮና.3.1-10 እቲ ዝጾምዎ ጾምውን ኣብ እግዚኣብሔር ቅቡል ኰይኑ እዩ፣ ካልእ ኣብነት ዝዀነና ኣብ ግብ.10።30፣ ነቲ ዝጸውምን ዝጽልን ዝነበረ ቆርኔሌዎስ እግዚኣብሔር ንሓዋርያ ጴጥሮስ ብምልኣኽ እዩ መልሲ ሂብዎ፣ ንሱን ዓሌቱን ንክርስቶስ ክቕበሉን ሕጊ ኣምላኽ ክፍጽሙን ኪኢሎም እዮም፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምዝነግረና ንጉስ ዳርዮስ ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስት ምስ ደርበዮ ከም ዝጾመ ተገሊጹ ኣሎ፣ ዳን.6።18፣
7. ጾም ህያብ ኣምላኽ እዩ፣
ረብሓታት ጾም ከነስተውል ከሎና ጾም ህያብ ኣምላኽ ምኻኑ ኢና ንርዳእ፣ ብሓቂ ጾም ውህበት ኣምላኽን ጸጋ በረኸትን እዩ እምበር ንዓና ትእዛዝ ኣይኮነን፣ እግዚኣብሔር እቲ ብሥጋን መንፈስን ዝፈጠረና ንዓና ዝሓይሽ ስለዝፈልጥን ንመንፈሳውነትና። ንጥዕናና። ን ዕብየትና ክንላማመዶ ጾም ሂቡና እዩ፣ ከም ርሕሩሕ ኣቦን ፍሉጥ መምህርን ከኣ ነዚኣ ከነተግብራ ሠሪዑልና፣ ክብሪ ንስሙ ይኹን ኣሜን፣
8. ጾም ቅድሚ ኣገልግሎት ህያባት ቤተክርስቲያን ምፍጻሙ ዝሥራዕ እዩ፣
ዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር ንቕበሎ ህያብ ንዕኡ ብቁዓት ኮይና ኣብ መዓሉኡ ከነውዕሎ እንተኾይና ብጾም ዝምራሕ ሕይወት ክህልወና ይግባእ፣ ጾም ብዙሕ በረኸት እዩ ዘውህበና፣ ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኵሎም ባዓላት ናይ ሓጐስና ብጾም ዝስነዩ (ዝምርሑ)፣ ንኣብነት ደሙን ሥጋኡን ንምቕባል ፍሉይ በረኸት ከም ዘውህበና ስለንፈልጥ ኢና ብጾም ኴንና ንቕበሎ፣ ኣቦታት ካህናት ኣብ ዝቕብኡሉ ግዜ ቅብዓቶም ብጾም ይስነ፣ እቲ ኣገልግሎት ዕውት ምእንቲ ክኸውን ከኣ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝሳተፉን ዝፈለጡን ብጾም ይሓብሩ፣ናይ ቀደም ኣቦታት ሓዋርያት ከም ዝመሃሩና ቅብኣት ዲያቆናት ብጾም እዩ ዝስነ ነይሩ ግብ.13።2-3፣
ጾም ቅድሚ ኣገልግሎት፣
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ክቡር ኣገግልግሎቱ ቅድሚ ምጅማሩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቡኡ ብጾም እዩ ኣኅሊፍዎ፣ ንዝተቐብኡ ንሓደስቲ ኣቦታት ቅድሚ ናብ ኣገልግሎት ምእታዎም ናብ ገዳማት ከይዶም ክጾሙን ከስተንትኑን እዩ ዝግበር ነይሩ፣ ኣቦታትና ሓዋርያትውን ኣገልግሎቶም ብጾም እዮም ፍሊሞሞ፣ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመሩሉ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ ሕብረቱ ብምግላጽ ነቲ ዝደለይዎ ባዕሉ ይፈልየሎም ነይሩ፣ ዲያቆናት ክጾሙ ኣለዎም፣ መንፈሳዊ ስራሕ ክሰርሑን መርሒነት እግዚኣብሔር ንኽቕበሉን ቀረባ ኣምላኽ ብምዃን ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክረኽቡን ጾይሞም፣ ዮሓንስ መጥምቕ ቅድሚ ኣገልግሎቱ ምጅማሩ ሕይወቱ ኣብ በረኻ ብጾምን ብምስትንታንን ኣኅሊፍዎ እዩ ዝመጸ ፣ ምኽንያቱ ኵሉ ሕይወትና ደኣ እምበር ኣገልግሎት ጥራይ ኣይኮነን ብጾም ክጅመር ዘለዎ፣
9. ኵሉ ሥርዓታት ቤተክርስቲያን ብጾም እዩ ዝስነ፣
ንኣብነት ዝጥመቑ ሕፃናት። ኣበሊግኦም። እቲ ሥርዓት ዝፍጽም ካህን። እቲ ዝፈጸምዎ ስርዓት በረኸት ወሪድዎ ዉሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውን ክጾሙ ኣለዎም፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካልኦትውን ኣለዉ፣
• ናይ ሥጋኡን ደሙን ምቅባል ሥርዓት፥ 
• ኣቦታት ኣብ ቅብዓ-ቀንዲል ኣብ ዘዳሉውሉ ጊዜ ብጾም ክስነ ኣለዎ፣ እቶም ነቲ (ፈውሲ) ቅብእ ዝቅበሉውን ብጾም ኮይኖም ክጽበዩ ኣለዎም፣ ነቲ ዘለዎም ጸገም (ሕማም) ከጽመምዎ ዘይክእሉ እንተዀይኖም ጥራይ እዩ ብኣበ ንስሓኦም ዝፍቀደሎም እምበር ዓቕሚ እንተ ኣልይዎም ክጾሙ ኣለዎም፣
• ሥርዓተ ሢመት (ቅብኣት) ኣቦታት ብጾም ይስነ፥
• ሥርዓተ ንስሓ ከምኡውን ሥርዓተ ተኽሊል ብጾም ክስነ ኣለዎ፥
ክንደይ ኣዝዩ ባህ ዘብልን ዘሕጉስን እዩ! እግዚኣብሔር ንሐደ ኃጢኣት ዝገበረ ብጾም ኰይኑ እንዳተነሰሐ ኰሎ ብውሽጡ ኅድገት ክረክብ ቤተክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ንኃጢኣተኛ ኣፍ ደገኣ ከፊታ ትጽበ ስለዝኾነት ናብኣ መጺኦም ንኃጢኣቶም ኅድገት ረኺቦም ምስ ፈጣሪኦም ክዕረቑ ንዕኡ ዝኸውን ጾም መፍትሕ እዩ ትብል፣
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመርዓውቲ ነጻ ኢሉዎም እዩ፣ “…ኣዕሩኽ መርዓዊ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ ኪጾሙ ኣይኮነሎምን እዩ፣ ማር.2።19፣ እንተኾነ ሥርዓት ምስጢረ ተኺሊል ክፍጸም ከሎ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤተክርስቲያን መርዓውን መርዓትን ካብ ንግሆ ጀሚሮም ክሳብ ምሸት ጾሞም ውዒሎም ቅዱስ ቁርባን ይቕበሉ ነይሮም፣ ሎሚ እኳ ከምዚ ዝገብር የሎን፣
በረኸት መንፈስ ቅዱስ ክንቕበል እንተዀይና ኵሎም ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ኣብ ንፍጽመሉ ጊዜ እንትርፎ ንዝተወሰኑ ምሥጢራት ብእምነትን ብጾምን ከነሰንዮም ይግባኣና፣ ቤተክርስቲያን ንምስጋናን ኣገልግሎትን ኵሉ ጊዜ ብጾም ተሰንዮ ነይራ፣
ከምኡውን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና ግዜ ከኣ ናብ ሐደ መርገጽ ዘለዎ ሥርዓት ክትድንግግ ኪኢላ ፣
10. ጾም ኢድ እግዚኣብሔር የዘርግሕ እዩ፣
ቅዱሳን ሰባት ንእግዚኣብሔር ብጾም ኣብ ጉዳዮም መልሲ ከም ዚህቦም ጌሮሞ እዮም፣ ንኣብነት በዓል ነህምያ እዝራ ዳንኤል ከምኡውን ንግስቲ ኣስቴር ምስ ሙሉእ ሕዝባ፣ ከምኡውን ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ንናይ ኣርዮስ ጸገም ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈቶ ኵሉ ወለዶታት ቤተክርስቲያን ነቲ ኵሉ መሰናኽላትን ጸገማትን ብጾም እያ ኃሊፉቶ (ሰጊራቶ)፣ እዚ ከኣ ከም ፍሉጥ ኰይኑ ንኽትግበር ብቤተክርስቲያን ንዝጽለ ኣብ ግዜ ጾመ ኣርባዓ ይኹን ካልኦት ኣጽዋማት ብጾም ክስነ ዝተገበረ ከኣ ጾም ፍትሒ እግዚኣብሔር ከም ዘውርድ ስለ ዝተኣመነሉ እዩ፣
ብልሓቱን ጥበቡን ኃይሉን ዝኣመነ ሰብ ኣብ ኃይሉ ክምርኰስ ከሎ። ብድኻምነቱ ዝእመን ግና ጸገሙ ብጾም ናብ እግዚኣብሔር የቕርብ፣ ኣብ ጾሙ ድማ ትሕት ኢሉ ርእሱ ብምውራድ ምሕረት ኣምላኽ ይደሊ፣ ንእግዚኣብሔር ተንሥእ በጃኻ ርድኣኒ እንዳ በለ ከኣ ይጽሊ፣ “… ስለ ምግፋዕ ጥቁዓትን ስለ ልቕሶ መሳኺንን ሕጂ ክትንሥእ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ ይብል እግዚኣብሔር፣” መዝ.12።5፣ ጾም ጸገምና ንክንፈትሕ ናብ እግዚኣብሔር ንቐርበሉ ቅኑዕ መንፈሳዊ መገዲ ኣብ ሕይወት እዩ፣ እዚ ከኣ ብቁጥቁጥ (የዋህ) ልቢ ኰይንና ንእግዚኣብሔር ንጽውዓሉን እግዚኣብሔር ክሰምዓና ንገብሮ መስርሕ እዩ፣ እዚ ወቕቲ እዚ ገጽ እግዚኣብሔር ዝድለየሉን እግዚኣብሔር ዝምልሰሉን ንገዓሮምን ኣውያቶምን ዝሰምዓሉን እዩ፣ ሰባት ብድሌቶምን ብሥጋኦምን ንኸጋይጹ ብነገራዊ ነገር ንዝግብርዎ ነገር እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይምልስን ኣይጥምቶንውን፣ እንካንዶ ክምልሶስ። ብኻልእ ወገን ኣብ ግዜ ጾም ብጸሎት ዝተደገፈ እንተኾይኑ ሰብ ቀረባ ኣምላኽ ኮይኑ ንእግዚኣብሔር ንኸመስግኖ ርድኣኒ ንኽብሎ እግዚኣብሔር ጥርዓኑ ሰሚዑ ንኽምልሰሉ ይረድኦ፣ እዚ ኵሉ ግዜ ኣብ ኵሉ እዋን ዝኸውን እንተኾነኳ ብዝበለጸ ግና ኣብ ጾም ኳንካ ትልምኖ ጸሎት ዝኃየለን ዝበርትዐን መሠረት ዘለዎን ይኸውን፣ ብሐቀኛ ጾም ልቢ እግዚኣብሔር ይርኅርኅ እዩ፣ ነዚ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብ ብሓጎስ እዩ ዝፍጽሞ፣
11. ጾም ባህታ እዩ፥
ጾም ጸዊምና ንፍጽመሉ ብሃንቀውታ ነማዕዱ ሰባት ዘይኮንናስ ብኣንጻሩ ጾም መዓስዩ ዝጅምር ኢልና ብሃረርታ ንጽበዮ ክኸውን ይግባእ፣ መንፈሳዊ ሰብ። ካብ ኣብ ግዜ ሓጎስ ንላዕሊ ኣብ ጾም ክሕጐስ ይግብኦ፣ ብዙኃት ሰባት ድሕሪ ትንሣኤ ንዘለዉ ሓሙሳ መዓልታት ፈጺሞም ጾመ ሰነ ክሳብ ዝጅምር ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ኣለዉ፣ ጾመ ሓዋርያት ካብ ዝቐርበሉ ጊዜ ሓጎሶም እንዳዓዘዘ ይኸይድ ነቲ ብጽሚኢ ናፊቆሞ ዝጸነሑ ጾም ብምርካቦም ከኣ ነብሶም ትሕጎስ፣ መንፈሳውያን ሰባት ብጾም ዝሕጎሱ እቲ ዝዋሃብ ሓፈሻዊ ትእዛዛት ብጾም ስለ ዝወሃሃዶም እዩ፣ ብዘይካ እቲ ሥሩዕ ጾም ናቶም ግዜ ብምውሳን ይውስኹሉ፣ ንእግዚኣብሔር ጊዜ ክህቦም ይልምኑ፣ እግዚኣብሔር ኣብ መንፈሳዊ ዕብየቶም ክውሰኸሎምን ነቲ ተሠሪዑ ዘሎ ኣጽዋማት ብግቡእ ንኽጾምዎ ከበርትዖምን ክጥዕዩን ኣካላቶምውን ምሉእ ኃይሊ ንኽረክብ ናብ እግዚኣብሔር ይጽልዩ፣
እቶም ጾም ነዊሑ ክሓጽርን ክወሕድን ኣለዎ ኢሎም ዝማጐቱ ምናልባት ናይ ጾም ጣዕምን በረኸትን ሓጎስን ኣይበርሃሎምን ይኸውን ፣ እግዚኣብሔር እንተፈቐዶ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ረብሓታት ጾምን ሕጉስ ሕይወት መንፈሳውነት ናብራን ናይ መነኮሳት ክንርኢ ኢና፣
12. ጾም ናብራ እዩ፣
ኣብ ገዳማት ዝርከቡ ኣቦታት ካብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ፍቕርን ቅርበትን ዝተላዕለ ንጾም ከም ናብርኦም ጌረሞ እዮም፣ ብዘይካ ዝተወሰነ ኣውደዓመታት ንዓኣቶም ኵሉ ሕይወቶም ብዅሉ ጊዜ ጾም እዩ፣ ብጾም መንፈሳዊ ዕግበት ስለ ዝረኽቡ ብሥጋኦም ዋላ ሓደ ሥቓይ የብሎምን፣ ኣብኡ ዕረፍቲ ረኺቦም ከም ልሙድ ሕይወቶም ከኣ ጌሮሞ እዮም፣ ሓደ ጊዜ ኣብቲ ቀንዲ ጾመ ኣርብዓ ዝኣተወሉ ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ፈላሲ ኣቦ ከይዱ ኣድሃዮም እሞ እንታይ ዓይነት ጾም ከም ዝኾነ ሓተቶም፣ ሓደ ካብቶም ኣቦታት ብዛዕባ እቲ ተላኢኹ ዝመጸ ሰብ ዝተዛረቦ ሰምዐ እሞ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ “ወደይ ብዛዕባ ኣየናይ ጾም ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ፨ ኣየስተውዓልክዎን ኣለኹ ምኽንያቱ ኵሉ መዓልትታት ንዓይ ሓደ እዩ (ማለት ኵሉ ማዓልታተይ መዓልቲ ጾም እዩ) ኢሎም መለሱሉ፣
ባሕታዊ ቅዱስ አባ ጳውሊ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ፍርቂ ባኒ መዕቀቢ ሕይወቶም ይወስዱ ኔሮም ገለ መነኮሳት ኣቦታት ኵሉ ሕይወቶም ይጾሙ፣ ነዚ መግለጺ ዝኸውን ሓደ ኣቦ ዝበልዎ ዘረባ ኣሎ ንሱ ከኣ “. . .ኣብ ግዜ ብርሃን ካብ ዘይብልዕ 30 ዓመታት ኃሊፉኒ” ኢሎም፣ ገለ ኣቦታት ንምሉእ መዓልቲ ይጾሙ ነበሩ ቅዱስ መርቆሬዎስ ናይ ኣለክሳንደርያ ግብጺ ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ይበልዑ ነበሩ፣ ኣብ ገዳማት ቅዱስ አባ ጳኵሚስ ኩሉ መዓልቶም ጊዜ ጾም ነበረ፣ ጾም ነዞም ኣቦታት ኣብ ግዜ ኣጽዋማት ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ሕይወት ገዳማት እዩ፣ እቲ ዝምገብዎውን ፍሉጥ እዩ፣ ኣባ ናፍር ባሕታዊ ተምሪ ኦም እንዳተመገቡ ይነብሩ ነበሩ፣ ቅዱስ ሙሴ እቲ ባሕታዊ። ከምኡውን ቅዱስ ቢሞይ ካልእ ባሕታዊ ጻህያይ እንዳበልዑ ዛዕዛዕታ ይሰትዩ ነበሩ፣ጾም ቀጻሊ ርጉእን ጥባባዊ ሕይወትን ንኸኅልፉ ረዲኢዎም እዩ፣
ንኣቦታት ብግብሪ ኩነታት መነኮሳት ካብዚ ክንርእዮ ኰለና ርጉእ ሕይወት እዙዝ ሕይወት እዚ ድማ ንሥጋኦምን ነፍሶምን በረኸት ይህቦም ነበሩ፣ ካብዚ ኃሊፎም ከም መዓልታዊ መነባብሮኦምን ርጉእ ሕይወት ነበሮም፣ ንሓደ ተራ ኣማኒ እዚ ሓደ ሥቓይ (ዘሕዝን) ክመስል ይኽእል እዩ፣ ማለት ገለ ገለ ኣመንቲ ካብ ሓደ ጥርዚ ናብ ሓደ ጥርዚ ዝኸዱ ንዝተወሰነ ዝጾሙ እሞ ምስ ጾሙ ዝቐረበሎም ድላዮም ዝምገቡ፣ እዚኣቶም ንሰብነቶም ንዝተወሰነ ግዜ የሕስእዎ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ናብቲ ዝነበርዎ ዝምለሱ ኣለዉ፣ እዚ ላዕሊ ታሕቲ ዝላዋወጥ ካብ ግዜ ናብ ጊዜ ምሕሳእን ኣብ ዝተወሰ ግዜ ዝደላኻዮ ክሳብ ትረክብ ጥራይ ምጽዋም። ሓደ ግዜ ዝሕነፅዎ ሓደ ግዜ የፍርስዎ መሊሶም ከኣ ይሓንፅዎ፣ እዚ ከኣ ብዘይምጥንቃቕ መመሊስካ ምፍራስን ምሕናፅን ከቢድ ጌጋ እዩ፣ 
ሓቀኛ ጾም ዝበሃል ሓንሳብ ንዝተላማመደካዮ ሕይወት ርእስኻ ምግታእ ንቐጻሊ ከም ናብራ ሕይወት ኮይኑ ዝቅጽል እዩ፣ ኵሉ ግዜ ርእሱ ዝገትእ ከምቲ ኣብ ግዜ ጾም ዝገብሮ ብዘየገድስ እንታይን ከመይን ዓይነት መግብን መስተን ረኺቡ በዚ ከምዚ ከኣ ጾም ንሕይወቱ ጥቕምን በረኸትን ይኾኖ፣ በዚ መንጽር ክረአ ከሎ ጾም መቕጻዕቲ ዘይኮነስ በረኸት እዩ፣ እቲ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኣብ መንፈሳውነት ዝፍጸም ብኣበ ነብሲ ኣብ ኣመጋግባኡን ወይከኣ ንሥጋ ዝኸብድ ኣመጋግባ እዩ፣ እዚ ክገብር ዝግደድ ከኣ ገለ ኣመንቲ ዘይኮንዎ ኰይኖም ክራኣዩን ክርከቡን ከለዉ በቲ ዝጾምዎ ጾም ኣዚዮም ከም ዝጸደቑን ከም ዝባሕተዉን ክስመዖም ከሎ እዩ፣ ዝበላዕ ኣብሊዕካ ነቲ ዕቡይ ሕይወቱ ነቲ ባዶ ሕይወቱ ጠሚቱ ናብ ንስሓ ከምዝምለስ ይግበር፣
13. ጾም ንሰማእትነት ድሉው ይገብር፣
ሰብኣዊ ተፈጥሮ ብዘይ መግቢ ክትጅምሮ ከለኻ ኣጸጋሚ ክከውን ናይ ግድን እዩ፣ ኣብ ሙሉእ ዘመን ሕይወትካ ንክትገብሮ ነቲ ተሪር መንፈስ ዘለዎ ብምልምማድ ብምጽዋር ብጥሜትን ጽምእን ንሥጋኡ ንከግዝኦን ድሌቱ ንክጭፍልቕን ብቀጻሊ ምልምማድ ንሥጋ ንሥቓያት ሥጋኦም የዳልውዎ፣ እዚ ከኣ ኣብ ጊዜ ከበድቲ ፈተናታት ማእሰርትን ሥቓያትን መግረፍትን ዓመጻን ኣድልዎን ተጻዊሮም ብጸጋ ኣምላኽ ነብሶም ክሳብ ሞት እሙናት ንክኾኑ ይገብሮም፣ ስለዚ ጾም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኰይኑ ንዝመጻካ ፈተናታት ክሳብ ሞት እሙን ንኽትከውን ትወስዶ ስልጠናታት ንሥጋዊ ኣካላትካ ጥራይ ዘይኮነስ ንመንፈሳዊ ባህርይካ ተዳልወሉ እዩ፣ ጾም ዝሥራዕ (ዝውሰድ) ምኽንያት ንመንፈሳዊ ዕብየትን ንንስሓን ናብ እግዚኣብሔር ንምቅራብ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዘሎና ጽኑዕን ስሙርን ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ክብሪ ክኸውን ኣለዎ፣
ጾም። ሰብ ብጽኑዕ እምነት ንሞት ድልዊ ኰይኑ ብዘይ ፍርሂ ቅሩቡነቱ ዘረጋግጸሉ እንኮ መንፈሳዊ መገዲ እዩ፣ ብተወሳኺ ሰብ ብሕጉስ ልቢ ናብ ኣምላኽ ንኽቀርብ ናብኡ እንተኸደውን ሓጐስን ዝናፍቖን ይኸውን፣ ፈሊ 1።23፣ ቤተ ክርስትያን ብጾም ንደቃ እዙዛትን ካብ ሓጥያት ዝተፈለዩን ትገብሮም፣ ውፍይ ሕይወት ብምህላዉ ንሰዓብታ ሓደ መገዲ ንዝኾነ ኣብ ዓለም ዘሎ ፈተናታትን ካብኡ ሓሊፉውን ክሳብ ሞት ንዝመጽእ ሥቓያት ተዳልወሉ መገዲ ጾም እዩ፣ ብዙኃት ብሰማዕትነት ዝኃለፉ ኣቦታት ሕይወቶም ብጾምን ጸሎትን ብውፍይነት ዝነብሩ እዮም፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆረ 7።31፣ ከም ዝበሎ “ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊ እዩ እሞ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ከም ዘይጥቀሙ ይኾኑ፣ ………..2ይ ክፋል ይቕጽል፣
 
ምንጪ ካብ   www.lisantewahedo.org

No comments:

Post a Comment