ገድሊ ቕዱሳን

ቅዱስ ታሪኽ መርቄ እቲ ኣማንን ጉዝፋር እቲ ከሓድን፣
ምንጪ ታሪኽ።- መጽሓፈ ስንክሳር ፬ (3) ሚያዝያ፣ ሑሩ በልቡና ኀበ ባዕዳን እምሃይማኖት፣ ቆላ.፬።፭፣ (ምስቶም ዘይኣምኑ ብጥበብ ተመላለሱ) ቈላ.4።5፣ በዛ ዕለት እዚኣ መርቄ ዝተባህለ ክርስቲያናዊ ነጋዲ ዓረፈ(ሞት ስጋ ሞተ)፣ እዚ ቅዱስ እዚ ትውልዲ ዓዱ ኣንጾኪያ እዩ፣ መርቄ ጉዝፋር ዝበሃል ካሓድን መምለኽ ጣኦትን ፈታዊ ነበሮ፣ በጀካ ብሃይማኖት ከኣ ብኻልእ ዝፈለለዩሉ ጉዳይ ኣይነበሮምን፣ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ መርቄን ጉዝፋርን ንኽነግዱ ናብ ነበግዱድ ትበሃል ዓዲ ከዱ፣ ኣብኣ ኸኣ ሰብ ኣብዘይ ብሉ ቦታ ሓሙሽተ መዓልቲ ተጓዕዙ፣

መርቄ እቲ ክርስትያናዊ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ ማለት 40 ልጥረ ወርቂ (15 ኪ.ግ.ወርቂ) ምስኡ ነበረ፣ ኣብ መገዲ ከለዉ ከኣ መርቄ ናብ ሞት ዘብጽሕ ከቢድ ሕማም ሐመመ፣ ርእሱ ድግፍ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈ።- “ዎ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚአብሔር ህያው ካብ ባርያኻን ወዲ እታ ባርያኻን መርቄ። ኣነ እቲ ዘሎኒ ኣብ ጸሊም በቕሊ ዝተጻዕነ 40 ልጥረ ወርቂ ምስ በቕሉ ንዓኻ እህበካ ኣሎኹ፣ ኣነ ብብዝሒ ኣበሳይን በደለይን ኣብ ትሕቴኻ እናተንበርከኽኩ መንግስተ ሰማያት ንኸተውርሰኒ ናባኻ እምሕጸን ኣሎኹ፣ እዚ ወርቂ እዚ ንደቀይን ንሰበይተን ንኣዝማደይን ኣይኹን።” ብምባል ነታ ዝጸሓፋ ወረቐት ኣብ ፖስጣ ኣእትዩ ዓሸጋ፣

ንጉዝፋር ኣማኒኡ ጸዊዑ ኸኣ ብኣማልኽቱ እናኣምሓለ ከምዚ በሎ።- “ኣነ ክመውት ከሎኹ ከይትትንክፈኒ፣ ነዚ 40 ልጥረ ወርቂ (15.ኪ.ግ.) ከኣ ምስቲ ተጻዒንዎ ዘሎ በቕሊ ነቲ ምስጋና ዝግብኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚአብሔር ህያው ኣብ ኢዱ ሃበለይ፣ ንኻልእ ሰብ ከይትህቦ ሓደራ” በሎ፣ ጉዝፋር ከኣ ንመርቄ “ኣንታ መርቄ ፍትወይ ዓቢድካ ዲኻ፨ ክርስቶስ ደኣ ሞይቱ። ተንሲኡ። ንሰማያት ዓሪጉ እንዶ ኣይበልካንን! ኣነ ደኣ ኣበይ ክረኽቦ፨ ወይስ ንሰማያት ክዓርግ እሞ ኣብኡ ክህቦ፨ እንዳበለ ብምግራም መለሰሉ፣ መርቄ ኸኣ “ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪድ እሞ ናብኡ ስለ ዝመጽእ ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ምስ ረኸብካዮ ኸኣ ብኢድካ ኣብ ኢዱ ሃበለይ” በሎ፣ ብድሕርዚ መርቄ ክመውት ምስ ቀረበ ጉዝፋር እቲ ከሓዲ “ክመውት ከሎኹ ክይትትንክፈኒ” ኢሉ ስለ ዘምሓሎ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ይዕዘብ ነበረ፣ ናብ ዕረፍቲ መርቄ እንዳጠመተ ከሎ ከኣ መላእኽቲ ልብሲ ብርሃን ሒዞም ካብ ሰማያት ናብ መርቄ ክወርዱ። ምስኣቶም ከኣ ጻድቃን። ሰማእታት። ዳዊት ብመሰንቆ እንዳ ዘመረ። መንፈስ ቅዱስ ብምስሊ ጻዕዳ ርግቢ ኣብ ልዕሊ ሥጋኡ 3 ጊዜ ክዝንቢ ከሎ ረኣየ፣ በዚ መስተንክር እዚ ከኣ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ተፈልያ ብዓቢይ ክብሪ ንሰማያት ክትዓርግ ከላ ረኣየ፣

ብድሕሪ እዚ ክልተ ኣናብስ መጺኦም መቓብር ፍሒሮም ንሥጋ መርቄ ኣብኡ ቀበርዎ፣ ጉዝፋር ግን በቲ ዝረኣዮ ተኣምራት እናተገረመ ናብ ኣንጾኪያ ከደ፣ ኣብኡ ከኣ ቀሺ ታዴዎስ ዝበሃል ሓለቓ ቤተ ክርስቲያን ረኸበ እሞ ንኹሉ ነቲ ኩነታት ነገሮ፣ ቀሺ ታዴዎስ ከኣ ነቲ ወርቅን በቕልን ክቕበሎ ደለየ፣ ጉዝፋር ግን መርቄ እቲ ኣማንየይ “ንጐይታይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢዱ ሃበለይ እምበር ንኻልእ ከይትህብ ኢሉ ስለ ዘምሓለኒ ክህበኩም ኣይልእልን እየ” በሎም፣ ቀሺ ታዴዎስ ከኣ እዚ ምስ ሰምዑ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስቲያን ከፈቱሉ እሞ ጉዝፋር ከኣ ነቲ ወርቂ ዝተጻዕነ በቕሊ ስሒቡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእተዎ፣ ነቲ ወርቂ ኣራጊፉ ከኣ ኣብቲ ማዕፆ ደው በለ፣

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ጉዝፋር ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ነጎዳ ሰምዐ፣ ዓቢይ ብርሃን ከኣ በርሀ፣ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ሰማያት ምስ መላእኽቱ ወሪዱ ኣብቲ መሰውኢ ክቕመጥ ከሎ ረኣየ፣ ሓደ ካብቶም መልእኽቲ ከኣ ናብኡ ቕርብ ኢሉ “ዎ ጉዝፋር ከሓዲ! ንምንታይ ደኣ እብዚ ደው ትብል” በሎ፣ ጉዝፋር ከኣ “መርቄ እቲ ኣማንየይ 40 ልጥረ ወርቂ(15.ኪ.ግ) ወርቂ ዝተጻዕነ በቕሊ ንጐይታይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክመጸካ እዩ እሞ ኣብ ኢዱ ሃበለይ፣ ንኻልእ ግን ከይትህብ ስለ ዝበለኒ እዚ ወርቅን በቕልን ንኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ መርቄ ኣማንየይ ሕድረይ ከረክብ ኢለ እየ ኣብዚ ደው ኢለ ዘሎኹ” በሎ፣

እቲ መልኣኽ “እቲ ምስጋና ዝግብኦ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዚ እዩ እሞ ንዓ ኣሚንካ ስገድ” በሎ፣ ጉዝፋር ከኣ ናብ ጐይታ ሰገደ እሞ “ጐይታይ ምስጋና ንዓኻ ይግብኣካ፣ ዎ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣኻ እኣምን ኣሎኹ” ኢሉ ነታ ካብ መርቄ ኣማኒኡ ብሕድሪ ዝተቐበላ ደብድቤ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢዱ ህቦ እሞ ነቲ ወርቂ ክመዝንዎ ኣዘዘ፣ እቲ ወርቂ ከኣ 40 ልጥረ ወርቂ ኮነ፣ ብድሕሪ እዚ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉዝፋር ንኽጥመቕ ኣዘዞ፣ ጉዝፋር ከኣ ምስ 75 ስድራ ቤቱ ተጠመቐ፣ ብሃይማኖት ክርስቶስ ከኣ ካብዚ ዓለም እዚ ብእምነት ዓረፈ፣ ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለመ ዓለም ንኣምላኽና ይኹን አሜን፣
ኣስተንትኖ። I. ካብ ታሪኽ መርቄን ጉዝፋርን እንታይ ንመሃር፨ II. ጉዝፋር እቲ ከሓዲ። መምለኽ ጣኦት ኣብ ቅድሚ ኣማኒኡ መርቄን እግዚአብሔር እሙን ኮይኑ ተረኸ፣ ንሕናኸ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እሙናት ኢና ክንብል ንኽእልዶ፨ III. ጉዝፋር እቲ ከሓዲ ምስቲ ብእምነት ዘይመስሎ መርቄ ብልባዊ ፍቕሪ ይነብር ነይሩ፣ ንሕናኸ ምስቶም ብእምነት ዝመስሉና ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ንኽህልወና ንብህግ ዶ፨ ብሂግናኸ ዓቕምና ዘፍቅዶ ንጽዕር ዶ፨ IV. ጉዝፋር እቲ ከሓዲ ከይተጠመቐ ከሎ ገጽ ኣምላኽ ንምርኣይ በቒዑ፣ ንሕና ብጸጋ ጥምቀት ተወሊድና ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘሎና ብኸመይ ገጽ ኣምላኽ ክንርኢ ንኽእል፨ V. መርቄ እቲ ኣማኒ ንጉዝፋር ነቲ ካሓዲ ፈታዊኡ ነዚ ወርቂ እዚ ንጐይታይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢዱ ሃበለይ ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፨ VI. ጉዝፋር እቲ ከሓዲ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ሕድሪ ኣማኒኡ መርቄ ንጐይታ ኢየሱስ ከረኽቦ ኢሉ ምብጋሱስ እንታይ እዩ እቲ ምስጢር፨ VII. መርቄ እቲ ኣማኒ ስለምንታይ ምስቲ ከሓዲ ጉዝፋር ተዓራሪኹ፨ VIII. መርቄ እቲ ኣማኒ ስለምንታይ እዩ ምስቲ ኩሉ ፍቕሩ ንጉዝፋር ምስ ዓረፈ ከይትንክፎ ዘምሓሎ፨ IX. መርቄ ንሃብቲ ስለምንታይ እዩ ንስድራ ቤቱ ዘየውረሶም፨ X. ንስኻ/ኺ ከም ናይ ኣቦና ቅዱስ መርቄ ንዝኸሓዱ ንምእማን። ንዝሓጥኡ ንምንሳሕ። ንዝወደቁ ንምትንሳእ። ብዓቕልን ብትግሃትን አንታይ ተበግሶ ትወስድ/ትወስዲ፨ እዚ ንምግባር ከ ሕሊናና ክሳብ ክንደይ ቅሩብ እዩ፨
መጽሐፈ ስንክሳር ፴፫ (22) የካቲት፣
Content:
መንፈሳዊ ሲሳየ ዕለት(Daily spiritual food)።
“እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ ፍጹም ምእንቲ ኪከውንሲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ። ንተግሣጽ። ንምቕናዕ። ንጽድቂ ዚከውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ፣” 2ጢሞ.3።16-17፣
መጽሐፈ ስንክሳር ፴፫ (22) የካቲት፣
v ዕረፍቲ ኣባ ማሩና ኤጲስቆጶስ ካብ ጓል ንጉሥ ጋኔን ኣውጺኡ ዝፈወስዋ፣
v ምግዓዝ ሥጋ ቅዱሳን እቶም ብዘመን ዲዮቅልጥያስ ከሓዲ ኣብ ሃገረ ፋርስ ብስ ማዕትነት ዝሓለፉ፣
v ዝኽሪ ኣባ ቡላ፥
v ዝኽሪ 380 ሰማዕታት፥
v ዝኽሪ ኒቆላዎስ ሰማዕት፥
ዕረፍቲ ኣባ ማሩና ኤጲስቆጶስ ንጓል ንጉሥ ሓዲርዋ ዝነበረ ጋኔን ኣውጺኡ ዝፈወሳ፣
ንቕዱስ ማሩና ኤጲስቆጶስ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ እቲ ዓቢይ ኣቦኦም ንአኖሬዎስን ኣርቃዴዎስ ኣብ መንጎኦም ብዙሕ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም ብዙሕ ገጸ በረኸት ሂቡ ናብ ንጉሥ ፋርስ ለኣኾም፣
ኣባ ማሩና ኣብ ንጉሥ ፋርስ ምስ ከዱ ንጉሥ ፋርስ ብኽብሪ ተቐበሎም ኣብ ኣዳራሹውን ኣእተዎም፣ ሽዑ ንኣባ ማሩና ንጓል ንጉሥ ጋኔን ሐዲርዋ ከም ዘሎ ምስ ነገርዎም። ነታ ሕምምቲ ጓል ንጉሥ ጸዊዖም ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበልዋ፣ ጸልዮም ከኣ ነቲ ጋኔን ኣውጽእዎ እሞ ነታ ሕምምቲ ኣሕወይዋ፣ እቲ ንጉሥ ከኣ እታ ሕምምቲ ጓሉ ከም ዝሓወት ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተሐጐሰ፣ ንኣባ ማሩና ኸኣ ዓቢይ ክብሪ ኣኽበሮም፣
ኣባ ማሩና ኸኣ ነቲ ንጉሥ ናይቶም ኣቐዲሞም ኣብ ሃገር ፋርስ ሰማዕትነት ናይ ዝተቐበሉ ቅዱሳን ሰማዕታት ኣስከሬን ኪህቦም ለመንዎ፣ እቲ ንጉሥ ከኣ ነቲ ኣስከረን ናይ ቅዱሳን ሃቦም፣ ቤተክርስቲያን ኣህኒጾም ከኣ ነቲ ኣስከሬን ቅዱስ ኣብኡ ኣንበርዎ፣ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሰፊሕ ቀጽሪ ገበረላ ኣብ ውሽጢ እቲ ቐጽሪ ኸኣ ዓዲ ኣቖመ ብስም ኣባ ማሩና ኸኣ ሰመያ፣
ኣባ ማሩና ኤጲስቆጶስ ከኣ። ናብ ሃገረ-ሮሜ ተመሊሶም ክልተ ዓመት ተቐመጡ በዚ ሎሚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ሰማዕታት ዝተቐደሰሉ ኸኣ ብሰላም ዓረፋ፣ ንዘለዓለም ዓለም በረኸቶም ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን፣
ሰላምታ
ነቲ ሠናይ ተልእኮ ዘለዎ ቀሲስ ማሩና ሰላምታ ይግባእ
እንኮላይ ኤጴስቆጶስ
ብሃገረ - ፋርስ ቤተ ክርስቲያን ሃኒጹ
ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቀደሳ
ናብ ሐድሽ መርዓዊ ሎሚ ተጸዊዑ።
ዝኽሪ ኣባ ቡላ
ዝኽሪ 380 ሰማዕታት
ዝኽሪ ኒቆላዎስ ሰማዕት ንዘለዓለም ዓለም በረኸቶም ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን
ካብዚ ቅዱስ ታሪኽ እዚ እንታይ ንመሃር፨
ብሕሊና ኣብ ሕሊና ዚምለሱ ሕቶታት።-
1, ንጉሥ ቴዎዱስዮስ እቲ ዓቢይ። ጓሉ ምስ ሓመመት ስለ ምንታይ ናብ ፈወስቲ ከይዶም ዘይፈወስዋ፣
2 ንኣባ ማሩና ንጉሥ ቴዎዶስቶስ ገጸ በረኸት ሂቡ ናብ ንጉሥ ፋርስ ልኢኽዎም፣ እግዚኣብሔር ከኣ ንምንታይ ዕላማ እዩ ናብ ሃገረ-ፋርስ ዝለኣኾም፨ ሠለስተ ቀንዲ ኣገደስቲ ነጥብታት ጥቐስ፣
3, ጓል ንጉሥ። እቲ ንጉሥ ብዘይተጸበዮ ኣገባብ ተፈዊሳ፣ ካብዚ እንታይ ንመሃር፨
4, ኣባ ማሩና ነቲ ንጉሥ እንታይ ክህቦም እዮም ለሚኖሞ፨
5, ኣባ ማሩና ስለምንታይ እዮም ነቲ ንጉሥ ካልእ ከም ወርቂ ጨርቂ ወይ
ጠቓሚ ዝመስል ንብረት ሃበኒ ዘይበልዎ፨
6, ኣባ ማሩና ካብቲ ንጉሥ ፋርስ እንታይ ተቐቢሎም፨
7, ኣባ ማሩና እዚ ኹሉ ተኣምራት ምስ ፈጸሙ ናበይ ተመሊሶም፨
ስለምንታይ ከ ተመሊሶም፨
8, ኣባ ማሩና ኣብቲ ዝተመስልዎ ሃገር ክንደይ ጊዜ ጸኒሖም፨
10, ንሕናኸ ስድራና ወይ ባዕላትና ክንሓምም ከሎና ንፈውስና ካብ መን ኢና
እንጽበዮ፨
11, ከምዚ ኣባ ማሩና ዝፈጸምዎ ተኣምራት ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ገድለ
ቅዱሳንን እንዳ እናኣናጻጸርኩም ብጥቕስን ብዕለትን ኣረድኡ፣
12 እዚ ቅዱስ ታሪኽ እዚ ነቶም ተኣምራት ዝፈጸሙን ተኣምራት ዝተፈጸመሎምን ንምውዳስ ድዩ ተጻሒፉ ወይስ ካልእ ዕላማ ኣለዎ እዩ፨ ካልእ ዕላማ እንተአልዮም እንታይ እዩ፨ ብግቡእ ግለጽዎ፣

ናይ ዕለት ንባባት።-
መዝ.143።1፣ ማቴ.8።16-22፣ 1ቆሮ.8።7-ፍ፣ 3ዮሓ.1።1-8፣ ግብ.16።25-32፣ መዝ.143።8፣ ሉቃ.14።1-6 ቅዳሴ ፬የ(ግሩም)
ናይ ሠርክ (ምሸት) ንባባት።- መዝ.38።6-7፣ ማቴ.8።14-18፣

ሓጺር ታሪኽ አባ ጰላድዮስ መጽሐፈ ስንክሳር ፳፯ 16)ጥሪ፣
gedli kidusan 2
ሓጺርታሪኽአባጰላድዮስምንጪታርኽመጽሐፈስንክሳር፳፯ 16)ጥሪ፣
“ንሕናግናምስቶምምድሓንነፍሶምኪረኽቡዚኣምኑእምበርምስቶምናብጥፍኣትንድሕሪት
ዚምለሱኣይኰንናን፣”እብ.1039
በዛ ዕለት እዚኣ አባ ጰላድዮስ ዝተባህሉ መንፈሳዊ ተጋዳሊ ኣቦ ብሞተ ሥጋ ካብዛ ዓለም
እዚኣ ዓሪፎም፣ እዞም ቅዱስ አቦ
እዚኦም ካብ በዓቶም
ከይወጹን ገጽ ኣንስቲከይረኣዩን 50 ዓመት ኣብ በዓቲ ተዓጽዮም ብጸሎትን ትሕርምትን
ብብሕትውናን ይነብሩ ነይሮም፣ እዞም
ቅዱስ ኣቦ እዚኦም
ጸጋ ትንቢትን ገቢረ ተኣምራትን ብኣምላኾምተዋሂብዎም ነበረ፣
ኣብ ዘመኖም ኣብ ሃገር ምስሪ ሓደ ነጋዳይ ክነግድ ኢሉ ብጃልባ ክጐዓዝ ከሎ ኣብ ማእከል
ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕሎ እሞ
ክሳብ ኣብ ምጥሓል
በጸሐ፣ እንተዀነ እዚ ነጋዳይተስፋ ከይቈረጸ “ኦ ኣምላከ ጰላድዮስ ርድኣኒ”
ኢሉ ናብ ኣምላከ ጰላድዮስን ናብ ጸሎት ኣባ ጰላድዮስን ተማሕጸነ፣ ብስም አባ ጰላድዮስ
ሚእቲ ዲናር መብጽዓ ከወፊውን ተመባጽዐ፣
ብኡብኡ ኸኣ አባ ጰላድዮስ ብራእይ ተራእይዎ እሞ ብመስቀሎም ባሪኾም ነቲ ባሕሪ ኣህድእዎ፣
ናብቲ ዝደለዮ ወደብ ከኣ ብሰላም
ኣብጽሕዎ፣ እቲ
ነጋዳይ ከኣ ገዝኡ ብሰላምምስ በጽሐ ከም መብጽዓኡ ሚእቲ ዲናር ሒዙ ናብ በዓቲ አባ ጰላድዮስ ከደ፣
ክኸይድ ከሎ ከኣ ፀሓይ ስለ
ዝዓረቦ ኣብ ሓደ
ቦታ ሓደረ፣ ኣብቲ ዝሓደሮ ቦታ ከኣ ሞሪቅ ዝበሃል ሰብረኸበ እሞ ኵሉ ናይ ልቡ ኣዛረቦ፣ ሞሪቅ ከኣ
ኣነ በዓቶም ስለ ዝፈልጦ ባዕለይ
ናብኦም ከብጽሓካ እየ በሎ፣
ምስ ወግሐ ከኣ ኽልቲኦም ኣብ በዓቲ ኣባ ጰላድዮስ በጽሑ፣ ኣባ ጰላድዮስ ከኣ ተቐቢሎም ባረኽዎም፣
እቲ ነጋዳይ ከኣ መብጽዓ
ተመባጺዐ ነይረ እየ እሞ ተቐበሉኒ ኢሉ
ሚእቲዲናር ሃቦም፣ ኣባ ጰላድዮስ ግን እዚ ነዓይ ስለ ዘየድልየኒ ውሰዶ እሞ ብሥጋ በረኸት ብነፍሲ
ከኣ ድሕነት ምእንቲ ኪዀነካ
ንድኻታት ሃቦም በልዎ፣ እቲ
ነጋዳይ እዚ ምስ ሰምዐኣብ ትሕቲ እግሮም ተደፊኡ በረኸት ምእንቲ ኪዀነኒ ተቐበሉኒ ኢሉ
ተማሕጸኖም፣ ኣባ ጰላድዮስ ከኣ
ከምቲ ዝበሎም ንበረኸት ኪዀኖ
ሓንቲ ዲናር ተቐቢሎም እቲ ዝተረፈከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ንድኻታት መጽወቶ (ሃቦም) በልዎ፣
እቲ ነጋዳይ ከኣ ካብ ኣባ ጰላድዮስ ግቡእ በረኸትን ትእዛዝን ተቐቢሉ ምስ ሞሪቅ ናብ ዓዶም ክምለሱ
ጉዕዞኦም ጀመሩ፣ ኣብ
 
መገዲ ከለዉ ግን ሰይጣን ኣብ ልቢ ሞሪቅ
ብፍቕሪገንዘብ ስለ ዝኣተወ ኣብ ዓሚቝ ሩባ ምስ ወረዱ ሞሪቅ ነቲ ነጋዳይ ቀተሎ፣ ተሰኪሙ ኸኣ
ኣብ ኣፍ በዓቲ ኣባ ጰላድዮስ
ደርበዮ፣ ከይዱ ከኣ ነቲ ንጉሥ ኣባ ጰላድዮስ
ኣብ ኣፍ በዓቱሰብ ቀቲሉ ኣሎ ኢሉ ብሓሶት ኣጸለሞም፣
እቲ ንጉሥ ከኣ እዚ ምስ ሰምዐ ንኣባ ጰላድዮስ ብጹኑዕ ኣሲሩ ስለምንታይ ከም ዝቐተልዎ ሓተቶም፣
እቲ ንጉሥ ብዙሕ
ምስ ኣጽበበሎም ከኣ ነቲ ሬሳ ሒዞም ጸለዩ፣
ነዊሕ ምስጸለዩ ከኣ ነቲ ሬሳ ተንስእ እሞ መን ከም ዝቐተለካ ክትነግር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
እእዝዘካ ኣሎኹ
በልዎ፣ እቲ ምዉት ከኣ ብቕጽበት ተንሲኡ
ገንዘብ ንኽወስድ ክብልዝቕተለኒ ሞሪቅ እምበር ኣባ ጰላድዮስ ኣይኰነን ኢሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሥን
መኳንንቱን ሞሪቅ
ከም ዝቐተሎ መስከረ፣
እቲ ንጉሥ ሬሳ እቲ ምዉት ክትስእ ምስ ረኣየ። ምስክርነቱውን ምስ ሰምዐ ንኣባ ጰላድዮስ
ተንሲኡ ሰገደሎም፣ ብዙሕ ስለ
ዘሳቐዮምን ዝገፍዖምን ከኣ ደንገጸ፣ ብ
ኡብኡ ከኣንሞሪቅ ክቐትልዎ ኣዘዘ፣ ኣባ ጰላድዮስ ግን ክርስትና ማለት ምሕረት ማለት ስለ
ዝዀነ ምሕረት ግበረሉ
ኢሎም ኣድሓንዎ፣
ኵሉ ገድሎም ምስ ፈጸሙ ኸኣ ብሰናይ ሽምግልና ካብዛ ዓለም ብሞት ሥጋ ተሰናበቱ እሞ
ብሰላም ዓረፉ፣ ቅድስቲበረኸቶም
ምስ ኵልና ትኹን ንዘለዓለመ ዓለም ኣሜን፣
ኣስተንትኖ፣
ብሕሊና። ምስ ሕሊና። ንሕሊና ዝምለስ መልሲ ብመሰረት እዚ ቅዱስ ታሪኽ እዚ ብጥቕሲ
እንዳ ኣሰነና ንመልስ፣
1. ኣባ ጰላድዮስ ስለምንታይ 50 ዓመት ኣብ በዓቲ ተዓጽዮም ይነብሩ ነይሮም፨
2. እቲ ነጋዳይ ማዕበል ምስ በርትዖ ስለምንታይ ብስም ኣባ ጰላድዮስ ተማሕጺኑ፨
3. እቲ ነጋዳይ ስለምንታይ እዩ ንሞሪቅ ኵሉ ናይ ልቡ ነጊርዎ፨
4. ሞሪቅ ነቲ ነጋዳይ ምስ ቀተሎ ኣብ ኣፍ በዓቲ ኣባ ጰላድዮስ ደርበዮ እሞ ከይዱ
ነቲ ንጉሥ ኣባ ጰለድዮስ ከም
ዝቐተሎ እምሲሉ ነገሮ፣
ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዝገበረ፨
5. ኣባ ጰላድዮስ እቲ ንጉሥ ሰብ ቀቲልካ ኢሉ ምስ ሓተቶም ስለምንታይ እዮም
ኣነ ኣይኰንኩን ቀቲለዮ ሞሪቅ
እዩ ቀቲልዎ ዘይበሉ፨
6. ኣባ ጰላድዮስ ነቲ ምዉት ብኸመይ ኣተንሲኦሞ፨ ስለምንታከ ኣተሲኦሞ፨
7. እቲ ንጉሥ ንሞሪቅ ክቐትልዎ ምስ ኣዘዘ ኣባ ጰላድዮስ ስለምንታይ እዮም ለሚኖም ነቲ
ቀታሊ ካብ ሞት ዘድሓንዎ፨
8. ኣባ ጰላድዮስ ንሞሪቅ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ኢሎም ሓንቲ ቃል እኳ ኣይሓተትዎን፣
ስለምንታይ እዮም ዘይሓተትዎ፨
9. ነዚ ዝመሳሰል ግፍዒ ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ ህይወት ካልኦት ክፍጸም ከሎ ርኢኻ
ወይ ገጢሙካ ይፈልጥ ዶ፨
10. ነዚ ዝመሳሰል ግፍዒ ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ ካልኦት ርኢኻ ዘይትፈልጥ እንተ
ዄንካ ስለምንታይ፨ ገጢሙካ እንተዀይኑ
ብኸመይ ሰጊርካዮ ወይ ሰጊሮሞ፨
11. ካብዚ ፍጻመ እዚ ክንረኽቦ እንኽእል ጥቕሚ ብጥቕሲ ኣሰኒኻ 10 ነጥብታት ብግቡእ ግለጽ፣
12. ግዱሳት ተሳተፍቲ።- መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ኪትልእኩልና
ብኣኽብሮትንሕብር፣
ስብሐትሎቱይደሉ! ክ/መን/ት/መን/ፓ………

No comments:

Post a Comment