ካብ ቃላት ቅዱሳን ኣቦታት

ካብ ቃላት ቅዱሳን ኣቦታት

እዚ ሕጂ ዝብሎ ቃላት ብዙሓት ኣይክትሰማምዑሉን ኢኩም፣ ግን ክብሎ እየ። ሓደ ዘሕዝን ሕማም ናብ ቤተክርስቲያን ኣትዩ ኣሎ። ብሕብረት ንእግዚእብሔር ጐይታና ከነመስግን ምስ ተኣኸብና፣ ገሌኹም ዉልቃዊ ዕላልኩምን ወካዕካዕኩምን ሒዝኩም ትመጽኡ።

ጸሎት እንዳተገብረ ክነሱ፣ ገሌኹም ኣይትግደሱን። ድቃስን ምስልቻዉን ተብዝሑ። ብናይ ቀትሪ ሕልምን፣ ናብ ኩሉ ወገን ቀባሕባሕ ብምባል ተሕልፍዎ። ገሌኹም ትሓምዩ፣ ገሌኹም ብሕሹክሹክ ሰብ ተጸልሙን ትጸርፉን። ኸምዚ ብምግባርኩም ከኣ ቤት እግዚአብሔር ተርኽሱ።

ካብዚ ዝገድድ ዉን ኣሎ። ካህን ደው ኢሉ ኣንዳጸለየ፣ ገሌኹም ብዘይምክያት ትስሕቁ፣ ብሰባት ተላግጹ፣ ብፍሽክታኩም ንሰባት ተዋርዱ። ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ ቅዱሳን መላእክቲ ደው ኢልና ክነስና፣ ገሌኹም ግን ትስሕቁ። ቅዳሴ ናይ መድረክ ድራማ ድዩ መሲሉኹም?፧ ስለዚ ኣትሪረ ክምሕጸነኩም፣ ካብ ከምዚ ርክሰት ዝመልኦ ኣካይዳ ተቆጠቡ። ናብቲ ቅዱስ ነገር ኣስተብህሉ። ንጐይታ ዘለኹም ክብሪ፣ ተወፋይነትን ፍቅርን ኣርእዩ!!!!!

ሕሊናኹም ኣብ ላዕሊ ይኹን፣ ልብኹም ዉን ኣብ ሰማያት ይሃሉ። ቃል ጽድቂ ስምዑ፣ ሰናይ ዜና ዉን ጽን በሉ!!!!!

ቅ. ዮሃንስ ኣፈወርቅ


ማዕተብ

ማዕተብ “ዐተበ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብልትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩካብ ቃላት ቅዱሳን ኣቦታት። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይእጸውር ኣለኹ” በለ፡ (ገላ6፡17) መከራክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።
ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳንደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይግለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላበትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 38፡12-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ።

ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮምብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ’ዚ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡ’ውን ብትምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖምዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ “ማዕተብ” ምእሳር ምስ ምእታውኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።

ትርጉም ማዕተብ

ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና’ኸ እምነት ዘለዋ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም”፡ ድሕሪ ምባል “ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” በለ (1 ቆሮ 6፡20) ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክትዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገንምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ከምቲ ጎይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 10፡32) ስለዚብማዕተብ ስቅለት ጎይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 6፡17)

ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3ተ ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰለስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ።እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት።ክምኡ’ውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን፡ ስለናክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን፡ ይገልጽ። 3ተ ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምናኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደንልዑል ብዝኾነን ብጎይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። “ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ።” ትርጉም “ህይወት የሱስ ኣብ ስጋናምእንቲ ኽትግገድ’ውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና” (1 ቆሮ4፡10) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩዝተፈጥረ፡ ክሳድና’ውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።

ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።

ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልንዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 1፡9-11) ቅዱሳን ኣበው፡እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነትምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈልጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። “ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)።



ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

8 comments:

  1. ፈጣሪ ጸግኡ የብዝሓልኩም

    ReplyDelete
  2. ቃል ሂወት የስመዓልና

    ReplyDelete
  3. ቓለ ሂወት የስማአልና

    ReplyDelete
  4. ቃል ሂወት የስመዓልና

    ReplyDelete
  5. ቃል ሂወት የስመዓልና።
    እግዚኣብሄር ናይ ኣጎልጉሎት ዘመንኩም ይብርኽክ ።

    ReplyDelete
  6. ኣሜን ቃለ ሂወት የስመዓልና።

    ReplyDelete