ጸሎት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ጸሎት፣ መንፈሳዊ ትሕዝቶ አቡነ ዘበሰማያት (አብ ሰማያት ትነብር አቦና)፣ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን፣ ጸሎት መፍትሕ ኣገልጋልን ተገልገልትን ኣገልግሎትን እዩ፣
ክፍልታት ጸሎት።
ዓይነት ጸሎት።
ጊዜያት ጸሎት።
ኣገባብ ኣጸላልያ።
ጥቕሚ ጸሎት።
ውጽኢት ጸሎት።
ብኸመይ ንጽሊ፨
ጸሎት ቅዱሳን ክቡር እዩ።
ጸሎት ክንጽሊ እዙዛት ኢና።
ዝተመለሱ ጸሎታት።
ፍረ ጸሎት። 
መንፈሳውን ሥጋውን ሓይሊ ጸሎት።
መግለጺ።- አቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማያት ትነብር አቦና) ማቴ.6።9-13። 
ኣብዛ ሓጻር ጸሎት ዝርከቡ ሓሙሽተ ስነ ምግባራት ኣለዉ ንሳቶም ከኣ።- ሃይማኖት
(እምነት)። ተስፋ። ፍቕሪ። ትሕትና። ጸሎት እዮም፣                 
1, ሃይማኖት(እምነት)።- ብዓይኒ ሥጋ ከይረኣናዮ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና 
ምጽላይና እዩ፣
2, ተስፋ።- መንግሥትኻ ትምጻእ ኢልና ምጽላይና፣
3, ፍቕሪ።- ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልና ምጽላይና ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ፣
4, ትሕትና።- በደልና ሕደገልና ምባል እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ሕደገልና እዩ 
ዝብል እምበር ኣብ አቡነ ዘበሰማያት በደለይ ሕደገለይ ኢልካ ብግልኻ ኣይጽለን ኣዩ፣    
5, ጸሎት።- ናብ ፈተና ኣይተእትወና ኢልና ምጽላይና፣
 
              ትርጓሜ ወንጌል
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ሓጻር እኳ እንተዀነት ኵሉ እቲ ናይ ጸሎት መሰረታዊ ነገር ጠርኒፋ ትርከብ። እዛ ጸሎት እዚኣ ሽዱሽተ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እተን ሰለስተ ሓሳባት ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሔር ይገልጻ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ከኣ ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ይገልጻ፣
1, ብዛዕባ ኽብሪ እግዚኣብሔር ስሙ ምቕዳስ። ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ምምናይ። ፍቓዱ
ምልማን እየን፣
2, ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ከኣ እንጌራ ዕለት ምርካብ። ይቅሬታ ምርካብ። ካብ ክፉእ ምድሓን
ትዝርዝር እታ ጾሎት ኣብዚኣ ብውዳሴ ኣምላኽ ትድምደም፣
ግቡእ ጸሎት ወይ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን።፣ 
1, ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣሚንና ክንጽሊ ይግባእ፣
ማቴ.28።19-20፣ 1ዮሓ.5።7-8፣  2ቆሮ.13።13፣
2, ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣሚንና። ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
ክንጽሊ ይግብኣና። ዮሓ.14።6-13፣
3, ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና፣ 1ዮሓ.5።14-15፣
4, እንጽልዮ ጸሎት ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ይግባእ። ይሁ.1።20፣
5, ብዘይንስሓ ጸሎት ቅቡል ስለዘይኮነ ሓጢኣት ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና ከልካሊ ናይ ጽልኢ መንደቕ ስለ ዝኾነ ንመንደቕ ኃጢኣት ብንስሓ ኣፍሪስና ክንጽሊ ይግብኣና፣
ኢስ.59።1-3፣ ኤፌ.2።14-16፣ መዝ.66።18-20፣ ማቴ.5።23-24፣
6, ንዝበደሉና ኵሎም ከም ዮሴፍ ከም ነብዪ ሙሴ ከም ቅዱስ እስጢፋኖስ ምሉእ ምሕረት፣ ይቅሬታ። ምሉእ ለውሃትን ድንጋጸን ክንገብረሎም ይግብኣና፣ ዘፍ.50።18-21፣ ዘጸ.32።32፣ ዘጸ.9።1-29፣ ግብ.7።6፣ ሉቃ.15።20- ይሁ.1።20-23፣
7, ኩሉ ግዜ ጸሎት ብዘይ ትህኪትን ምስልካይን ብዘይምቁራጽን ክኸዉን ይግባእ፣
ሉቃ.11።5-13፣ ምሳ.6።6-11፣ 10።26፣ 13።4፣ 15።19፣ 19።24፣ 22።13፣ 24።30-34፣ 26።13-16፣
ኣብ ጸሎት ኣብነትና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን። እቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝሰዓቡ ቅዱሳንን እዮም፣ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቲ ክመርጽ ከሎ ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ጸሎት ሓደረ፣ ሉቃ.6።12-13፣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ምስ ተጠምቀ ጸለየ። ሉቃ.3።21-22፣ ቀቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ደብረ ዘይት ይጽሊ ነበረ፣ እናጸለየ ከኣ ተታሕዘ፣ ሉቃ.22።39-46፣ ኣብ መንጎ ኣገልግሎቱ ናብ በሪኽ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ፣ ሉቃ.5።15-16፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንህዝቢ ምስ ኣፋነወ ማቴ14።22-23፣ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ ኣንጊሁ ወጺኡ ስርሑ ብጸሎት ንምጅማር ኣብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ይጽሊ ነበረ፣ ማር.1።35፣ ጸሎቱ ምስ ወድአ ኸኣ ኣገልግሎቱ ብስብከትን ብገቢረ ተኣምራትን ጀመረ፣ ማር.37።39፣
8, ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ዝመሃረና ህዝቢ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ኵሉ ቦታ ብኵሉ ኩነታት ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ኣብ ሽመት ኮነ ኣብ ስዕረት ክጽልዩ ይግባእ። ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣ 2ቆሮ.11።24-29፣ ማቴ.6።25-34፣1ጴጥ.5።7፣
9, ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኵሉ ሰብ ማለት ምእንቲ ኣማኒ ምእንቲ ከሓዲ ምእንቲ ጻድቕ ምእንቲ ሓጥእ ምእንቲ ንጹሕ ምእንቲ ርኹስ ምእንቲ ጎይታ ምእንቲ ጊልያ ምእንቲ ሕሙማት ምእንቲ ጥዑያት ምእንቲ ድኻታት ምእንቲ ሃብታማት ምእንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ምእንቲ ኵሉ ክጽሊ ይግባእ፣ ቅድሚ ኵሉ ግን ምእንቲ ሕይወቱን ድሕነቱን ክጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.16።24።26፣ ይሁ.1።20-25፣ 1ጢሞ.2።1-4፣ መዝ.72።1-4፣ ኢሳ.62።6-7፣ ኤር.29።7፣
10, ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ወይ ግዜ ማለት ኵሉ ግዜ ክንጽሊ ይግባእ፣ 1ተሰ.5።17፣ ሮሜ12።12፣ 1ተሰ1.3 2።13፣ ሮሜ1።9-12፣ ኤፌ.6።18፣ ቈላ.1።3-4፣ 2ጢሞ.1።3-5፣ 
11, ኣብ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን (ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር) ዝጸለዩ ጸሎታት።-
ሀ. በእንተ ኵሉ ግብር (ስለ ኵሉ ግብሪ) ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣
ለ, በእንተ ድዉያን (ስለ ሕሙማት)፣ ያዕ.5።13-16፣ 2ቆሮ.11።29፣
ሐ, በእንተ እለ ይነግዱ (ስለ ነጋዶ (ገያሾ)፣ ምሳ.3።6፣ ግብ.27።9-26፣
መ, በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናም)፣ 1ነገ.17።1-18፣ 1።45፣ ያዕ.5።17-20፣
ሠ, በእንተ ፍሬ ምድር (ምእንቲ ፍረ ምድሪ)፣ ዕብ.6።7-8፣ መዝ.107።33-34፣
ረ, በእንተ ማያተ ኣፍላግ (ምእንቲ ዓይኒ ማያት)፣ መዝ.107።33-34፣ ዘጸ.7።14፣
ሰ, በእንተ ንጉሥ (ምእንቲ ንጉሥ)፣ መዝ.72።1-4፣ 1ጠሜ.2።1-4፣ ኤር.29።7፣
ሸ, በእንተ እለኖሙ (ምእንቲ ዝደቀሱ (ዝሞቱ)) ዘዳ.33።6፣ 1ቆሮ.5።1-6፣ ሉቃ.16።27-28፣
ቀ, በእንተ ንኡሰ ክርስቲያን (ምእንቲ ሓደስቲ ኣመንቲ)፣ ሉቃ.12።32፣ ማቴ.18።6፣
በ, በእንተ ሰላም (ምእንቲ ሰላም)፣ ኤር.29።7፣ ኢሳ.48።18፣ ዮሓ.14።27፣
ተ, በእንተ እለ ያበውኡ (ምእንቲ መባእ ዘምጽኡ)፣ መዝ112።5-10፣ ማር.12።41-44፣ ሉቃ.21።1-4፣ ዮሓ.8።20፣ 2ቆሮ.8።12፣ 2ቆሮ.9።6-15፣
ቸ, ኣብ ጸሎተ ኪዳን። ጸሎተ ቡራኬ። ጸሎተ ንስሓ። ወዕቀቦሙ። በእንተ ቅድሳት። ፍትሓት ዘወልድ ዝሎ ጸሎት ከኣ ስለ ኩሉ ህዝቢ ዝጽለ ጸሎት እዩ፣
ኣብነታዊ ጸሎት ናይ ሓሙስ ጸሎት(ሊጦን)።- 
ካህን “ኦ ጐይታ ካብ እክይቲ መዓልትን ካብ ናይ ጥፍኣት ሰዓታትን ካብ እኩያን ኣጋንንትን ካብ ትህኪትን ካብ ከንቱነትን ብሃንደበት ካብ ዚመጽእ መከራን ኣድኅነና። ዓለም ዝኃዝካ እግዚአብሔር ኣምላኽና ንስኻ ኢኻ፣
ዲያቆን “ጸልዩ” ይበል፣
ሕዝቢ ከኣ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ይጸልዩ፣ 
ካህን።- እወ ኦ ጐይታን ኣምላኽናን ንዅሎም እቶም ኣብ ኣምላኽነትካ ዚዕቈቡ ረድኤትን ምድሓንን ካባኻ እዩ። ንባርያኻ ዳዊት ካብ እክይቲ ኵናት ዘድኃንካዮ ንስካ ኢኻ። ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ንሶስና ካብ ኢድ ረበናት ንኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን ካብ ዚነድድ እቶን ሓዊ ዘድኃንካዮም ንስኻ ኢኻ። እወ። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ካብ ዓላውን ዓማጽን ትውልዲ ኣድኅነና። ብሕያውነትካ ከኣ ንነፍስናን ሥጋናን ዕቝባ ኹን፣
ንኣብያተ ክርስቲያንካ ብምስጋናን ብጸሎትን ብቕኑዕ እምነትን ሓሉ፣ ኦ ኣምላኽና ይቕረ በለልና። ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኻብ ኩሉ እኩይ ኣድኅነናን ባልሃናን እምበር ናብ ጥፍኣት ኣይተእትወና። ብሰይጣን ካብ ምስዓርን ካብ ውርደትን ውድቀትን ኣድኅነና። ብዘይ ድኻምን ትህኪትን ንሓዋሩ ብዅሉ ጊዜን ብዅሉ ሰዓትን ክንእዘዘካ ርድኣና። ብሓደ ወድኻ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ምስጋናን ጽንዓትን ብእኡ ዘሎካ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣
ሕዝቢ “አሜን” ይበሉ።
1.  መፍትሕ ሕያዋይ ኣገልጋሊ (ጓሳ)
ሀ. ጸሎት                         መ. ምዝታይ
ለ. ቃለ እግዚኣብሔር                ሰ. ምውሳእ
ሐ. ፍቕሪ
2. ምልክት ጥዕና ሕያዋይ ኣገልጋሊ (ጓሳ)።-
ሀ. ናይ ሓጐስ ስምዒት                      ሠ. ናይ ፍልጠት ናጽነት
ለ. ምሕላው ሚዛን                          ረ. ናይ ስምዒት ናጽነት
ሐ. ነፍስኻ ምቕባል                          ሰ. ህልዉ ኩነታት
መ. ንኻልኦት ምቕባል                      ሸ. ቅኑዕ ዝምድና ዕርቂ
 ሀ. ጸሎት
ትርጕም ጸሎት ጸሎት ማለት ፈጣርን ፍጡራንን ዘራኽብ እቲ ቀዳማይን ቀንድን ስነምግባርን እዩ። ብዘይ ጸሎትን ጾምን ምስ ፈጣሪ ምርኻብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ።ብጸሎት ኵሉ ንረክብ ብጸሎት ኣብ
ዘድልየና ቦታ ንኣቱ ብጸሎት ኵሉ ጸጋታት ካብ ኣምላኽ ንቕበል። “ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ። ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም። ማዕጾ ኳሕኵሑ ኪረሐወልኩም እዪ። ከመይ ዝለመነ ኵሉ ይቕበል ዝደለየ ይረክብ ማዕጾ ዝዃሕኵሐ ድማ ይረሓወሉ እዩ፣ ማቴ.7:7-8፣
 
ክፍልታት ጸሎት             
  • ናይ ኣምልኾ ጸሎት፦ ዘፍ.4።26፣ ዘዳ.18።15,18,19፣ ግብ.3።22-23፣ኢሳ.6።1-4፣ ራእ.5።11-14፣          
  • ናይ ልመና ጸሎት መዝ.145።15፣ 40.1-2፣ 1ሳሙ.1።10፣ ዘፀ.2።23-25፣ 1ሳሙ.1።15፣  ግብ.10።1-5፣          
  • ናይ ምስጋና ጸሎት፦ መዝ.116።12፣ መዝ.116።7-9፣ መዝ.150።1-6፣        
  • ናይ ምምላድ ጸሎት፦ መዝ.91።11-12፣ ኢዮ.42።8-9፣ ዘፀ.32።31-32፣ ሉቃ.10።1-2፣        ያዕ.5።16፣ ዘሁ.11።2፣ ዘዳ.9።25፣                                       
ዓይነት ጸሎት
    • ናይ ግሊ ጸሎት፦ ማቴ.6።6፣ ግብ.10።9፣ ዘዳ.9።25-29፣ 1ሳሙ.15።10-11፣ 1ነገ.17።20-22፣  ዳን.9።20-23፣ ግብ.10።30-32፣
    • ናይ ማሕበር(ሕብረት) ጸሎት፦ ማቴ.18።19-20፣ ሉቃ.1።10፣ ግብ.1።14፣ 4።24፣  12።12፣ 21።5፣
    • ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት፦ መዝ.122።1-2፣ 92።14-15፣ ማቴ.13።8፣ መዝ.84።1-2፣ 84።4,10፣ 2ዜና.7።12-15፣ ግብ.5።19-20፣ መክ.10።4፣ ሉቃ.2።37፣
    • ጊዜያት ጸሎት።
+. ኵሉ ጊዜ ምጽላይ፦ 1ተሰ.5።17፣ ኢያ.1።8፣ ሮሜ.12።12፣ ዘዳ.6።5-9፣ ማር.1።35፣     መዝ.5።3፣ 55።17፣ 63።1፣ 92።1-3፣ 90።14፣ 141.1-2፣ ዕዝ.9።5፣ ማር.6።46-47፣ ሉቃ.5።15-16፣ መዝ.119።62፣ ግብ.16።25፣ ሉቃ.6።12-13፣ ዘፍ.32።24፣ ግብ።20።31፣            
+. ኣብ መዓልቲ ሠለስተ ጊዜ ምጽላይ፦ መዝ.55።16-17፣ ዳን.6።10፣
+. ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ጊዜ ምጽላይ፦ መዝ.119።164-165፣
ኣገባብ ኣጸላልያ
  • እንዳ ሰገድካ  ዚጽለ ጸሎት። ዘፍ.24።26፣ ዘፀ.4።29-31፣ 12።27፣ 34።8፣ ራእ.4።8-11፣
  • ተንበርኪኽካ ዚጽለ ጸሎት፥ 1ነገ.8።54፣ 2ዜና.6።13፣ ዕዝ.6።5፣ መዝ.95።6-9፣ ኢሳ.45።23፣ ዳን.6።10፣ ሉቃ.22።40-42፣ ግብ.7።59-60፣ 9።40-41፣ 20።36-37፣ 21።5፣ ኤፌ.3።13-15፣
  • ብገጽካ ተደፊእካ ዚጽለ ጸሎት፥ ዘሁ.20።6፣ 16።4፣ ኢያ.5።13-15፣ 1ነገ.18።42፣ 1ዜና. 20።18፣ ማቴ.26።39፣
  • ደው ኢልካ ዚጽለ ጸሎት፥ 1ነገ.8።22-23፣ ማር.11።24-25፣ ኤፌ.6።13-14፣
           
ጥቕሚ ጸሎት
  • ካብ ፈተና ኣድሕነና፦ “ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፣ መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፣ሥጋ ግና ድኹም እዩ፣ ማቴ.26።41፣
  • ኣብ ልዕሊ መናፍስትን ኣጋንንትን ንኽንዕወት ይሕግዘና፣ ማቴ.17።21፣
  • ዝለመንናዮ ይወሃበና። ዝደለናዮ ንረክብ። ዝተዓጽወ ይረሓወልና ማቴ.7።7-8፣ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ብኣምላኽ ይፈልጥ እምበር ብገለ እኳ ኣትጨነቑ፣ እቲ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ፣” ፊል.4።6-7፣
   “ሓቛቝኹም ዕጡቕ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን ንስኻትኩም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚመጽእ ዚጽበዩ እሞ መጺኡ ኳሕ ኳሕ ምስ ኣበለ ብኡብኡ ዚኽፍትሉ ሰባት ምስሉ፣ እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኣቶም ብጹዓን እዮም፣ ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ከም ዘቐምጦም ቀሪቡ ውን ከም ዜገልግሎም በሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሳይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም እቶም ባሮት እቲኣቶም ብጹዓን እዮም፣ ሉቃ.12።35-38፣ ኣብ ልዕሊ መናፍስትን ኣጋንንትን መንፈሳዊ ዓወት ንኽንዕወት ይሕግዘና፣ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ጾምን ጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፣ ማቴ.17።21፣
ኵሉ ድልየት ብጸሎት ይርከብ፣
ኣታ ጸሎት እትሰምዕ ኵሉ ሥጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ፣ መዝ።65።2፣
ቤተይሲ ንዅሎም ሕዝብታት ቤተ ጸሎት ክስመ እዩ እሞ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ፣ ኢሳ.57።7፣ ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፣ ይጽመሞምዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ከም ዜምጽኣሎም እብለኩም ኣሎኹ፣ ሉቃ.18።1-8፣
ቅቡል ጸሎት። 1ዮሓ.1።8-10፣ 2ዜና.7።14፣ ኢሳ.58።9፣ ኤር.29።13፣ ማር.11።24፣
ያዕ.5።16፣ 1ዮሓ.5።14፣ 1ዮሓ.3።22፣
ዘይቅቡል ጸሎት ማለት ንጸሎትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንኸይበጽሕ ዝዓግቱ  ባህርያት።-
1. ዘይምእዛዝ ዘዳ.1።45፣ 1ሳሙ.14።37፣28።6፣
2. ሕቡእ ሓጢኣት።- መዝ.66።18፣
3. ሸለልትነት። ምሳ.1።28፣ ኤር.48።10፣
4. ጨካን ምዃን። ምሳ.21።13፣
5. ንሕጊ እግዚእብሔር ምንዓቕ። ምሳ.28።9፣
6. ንጹሕ ደም ምፍሳስ። ኢሳ.1።15፣
7. በደል (ኣበሳ) ምፍጻም። ኢሳ.59።2፣ ሚክ.3።4፣ 
8. ትሪ ልቢ ኣብ ምስማዕ ቃለ እግዚኣብሔር። ዘካ.7።13፣ 
9. ምጥርጣር (ብኽልተ ልቢ ናብ እግዚእብሔር ምቕራብ)። ያዕ.6።8፣
10. ብኽፍኣት(ምእንቲ ክፉእ ትምኒት)ምጽላይ። ያዕ.4።3፣
ሀ. ናይ ኣምልኾ ጸሎት፣
እግዚኣብሔር ንሰብ ዝፈጠሮ ዘመስግኖ ስለ ዝሰኣነ ንኸመስግኖ ኢሉ ዘይኮነስ። እንታይ ደኣ ስሙ ንኽቅድስ መንግስቱ ንኽወርስ ኢሉ እዩ ፈጢርዎ፣ ምኽንያቱ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ባህርዩ ብባህርዩ ይመስገን ነይሩ እዩ፣  “ዎ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ፣” ዮሓ።17።5፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ንእግዚኣብሔር ብጸሎትን ብስግደትን የምልኽዎ፣
  “በታ ንጉሥ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት ኣነ ንእግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣኽዎ፣ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ፣ ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ፣ ነፍስ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም፣ ነፍስ ወከፍ ከኣ ብኽልተ ኽንፊ ገጹ ይኸድን ብኽልተ ኽንፊ ድማ ኣእጋሩ ይኽድን ብኽልተ ኽንፊውን ይነፍር፣ ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ ኵላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፣”  እናበሉ ይቀባበሉ ነበሩ፣ ኢሳ።6።1-4፣
እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሔር ብቕዱሳን መላእኽቲ እንዳ ተመስገነ ንነቢያት ዝተገልጸሎም እቲ ቅኑዕ ኣምልኾ ንኽምህሮም እዩ፣ ኣብ ሐድሽ ኪዳን ውን ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ብቕዱሳን መላእኽቲ ክምስገንን ክምለኽን(ናይ ኣምልኾ ምስጋና ክቕበልን) ከሎ ርእዩን ሰሚዑን እዩ፣
 “ሽዑ ድማ ረኣኹ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ድምፂ ብዙኃት መላእኽቲ ሰማዕኩ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ “እቲ ዝተሓርደ ገንሸል ሥልጣን። ሃብቲ። ጥበብ። ኃይሊ። ክብሪ። ግርማ። ውዳሴ። ኪቕበል ብቑዕ እዩ በሉ፣ እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ ውዳሴን ክብርን ግርማን ሥልጣንን ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ኪብሉ ከለዉ ሰማዕኩ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ኣሜን በሉ እቶም ኣሕሉቕ ውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ፣ ራእ።5።11-14፣
ነዚ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ውዳሴን ኣምልኾን ዝግብኦ ፈጣሪ ብጸሎትን ብስግደትን ዘይተምልኽን ዘይትእዘዝን ነፍሲ ግና ክትጠፍእ እያ፣ “ሙሴ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብይ ካብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ኵሉ ስምዑ፣ ኪኽውን ከኣ እዩ ነቲ ነቢይ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ በለ፣ ግብ.3።22-23፣ ዘዳ.18።15,18,19፣
                         ለ. ናይ ልመና ጸሎት፣
ኵሎም ፍጡራን ዘድልዮም ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ህያባትን ጸጋታትን ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ክሐቱ ከለዉ ናይ ልመና ጸሎት ይበሃል፣ “ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ ንስኻውን በብጊዚኡ ምግቦም ትህቦም ኢድካ ትኸፍት እሞ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ፣” መዝ።145።15፣ ኣብዚ ናይ ልመና ጸሎት እግዚኣብሔር  ዝድንጕን ዘይምልስን ዚመስሎም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ቅዱሳን ግን ኣብ እምነት ይጸንዑ ብተስፋ ይጽበዩ እምበር ኣብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ጊዜ ዘይተመለሰ ኢሎም ኣይጠራጠሩን እዮም፣
 ስለዚ ኸኣ እዩ ነቢይ ዳዊት ተዓጊሰ ተጸቤኽዎ ክብል ዝምህረና፣” ንእግዚኣብሔር ተዓጊሰ ተጸቤኽዎ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዐ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ ኣብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣጽንዖ፣” መዝ።40።1-2፣ ብቓልን ብልሳንን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ኣዴና ሃና ብልቢ ምስ እንጽሊ ቃላት ናይ ልብና ከንብብ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ ፈጣሪ እዩ፣

ንሳ ድማ ብነፍሳ ተማሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሔር ትልምን ነበረት፣” 1ሳሙ።1።10፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናበኸየት ክብል ከሎ ናይ ልቢ ብኽያት ደኣ እምበር ናይ ቃል ብኽያት ኣይነበረን፣  እዚ ናይ ልቢ ብኽያት ከኣ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ዝኽእል ሓቀኛ ናይ ልመና ጸሎት እዩ፣ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ንምውጻእ ዝረድኦም ጸሎት ከኣ እዚ እዩ፣ “ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ ጨርሑ ድማ፣ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ፣ ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዐ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያዕቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ፣ ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ ኣምላኽ ከኣ ሃለዋቶም ፈለጠ፣” ዘፀ።2።23-25፣
ኣውያት ደቂ እስራኤል ኣብ ኣምላኽ ክበጽሕ ዝኸኣለ ኣውያት ልቢ ስለ ዝነበረ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዮም ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ከናፍርጸሎተ ልብ ጸሎተ ነፍሲ ኢሎም ዚኸልፍዎ ዘለዉ፣ ፊልክስዩስ ካልኣይ መጽሓፍ መነኮሳት ተስእሎ ፪  ክፍቀዳማዊ፣
ነቢይት ሃና ነፍሳ እምበር ንብዓት ሥጋ ናብ ምድሪ ኣየንጠበጠትን፣ “ንሳ ግና ጐይታይ ኣይፋለይን ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣፍሰስኩ፣” 1ሳሙ።1።15፣ እግዚኣብሔር ናብ ልቢ እቶም ብቕንዕና ዝልምንዎ እምበር ናብ ዕብየቶምን ዓሌቶምን መዓርጎምን ኣይጥምትን እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብዙሓት ደቂ ኣብርሃም ናብ ወጻኢ እናተደርበዩ ጸሎትን ምጽዋትን ናይ ሐደ ናይ ሚእቲ ሓለቓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ዝኸኣለ፣
 “ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም፣ ማቴ.8።11-12፣ “ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ኣብቲ ኢጣልያዊ ዚበሃል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ ጻድቕ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት ኵሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ፣ ብታስዓይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ ዎ ቆርኔሌዎ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ፣ ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ እንታይ እዩ ጐይታይ በለ፣ ንሱ ድማ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደይቡ እዩ፣ ግብ።10።1-5፣
ሐ. ናይ ምስጋና፣
ደቂ ሰባት ካብ ጸገሞምን ጻዕሮምን ጭንቆምን ዝተላዕለ ብሓቅን ብጽድቅን ምስ ለመንዎ እግዚኣብሔር ልመናኦም ሰሚዑ ጸገሞም ምስ ኣርሃወሎም ዘቅርብዎ ጸሎት ናይ ምስጋና ጸሎት ይበሃል፣ ከምኡ ውን ስለ ለውሃቱ ምሕረቱ ኣምላኽነቱ መጋቢነቱ ዝቐርብ ጸሎት ናይ ምስጋና ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ ንእግዚኣብሔር እንታይ ውሬታ ክመልሰሉ እየ፣” መዝ።116።12፣ ነፍሰየ እግዚኣብሔር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት ነዒንተይ ካብ ንብዓት ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ፣” መዝ።116።7-9፣
መ. ናይ ምምላድ ጸሎት፣
ጸሎት ምምላድ ዚበሃል ቅዱሳን መላእኽትን ነቢያትን ሓዋርያትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብምሕረቱን ብለውሃቱን እንዳጸለዩን እንዳሰገዱን ንኣምላኽ ስለ ምሕረት ሓጥኣን ክልምንዎ ከለዉ ናይ ምምላድ ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ወዲ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ብሓጢኣት ምኽንያት ምስ ተፈላለየ ክሕልዋን ከመሓድራን ዝተዋህበቶ ገነት ከኣ ንእግሩ ከይረግጻ ካብኣ ኣውጽኦ መልኣኽ ድማ ንኽሕልዋ ኣቖመላ፣” ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓያን ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ምስናይ እተንበልብል ሃልሃልታ ሴፍ ኪሩቤል ኣቐመጣ፣”ዘፍ።3።23-24፣
ደቂ ሰብ ብንስሓን ብጸሎትን ንኣምላኾም ምስ ኣስመርዎ ኸኣ ንኸገልግልዎ ንመላእኽቱ ይእዝዘሎም፣ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍሲ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጸሩኻ እዮም፣” መዝ።91።11-12፣ በዚ ምኽንያት ነቶም ኣማለድቲ ጸጋ ዝሃቦምን ስርዓተ ምምላድ ዝሰርዐን ባዕሉ እግዚኣብሔር እምበር ሰባት ኣይኮኑን፣ እዚ ኸኣ ኣብቶም ኣዕሩኽ ኢዮብ ዝገበሮ ምስ እንዝክር ብግቡእ ክርድኣና ይኽእል፣ “ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ ኢዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፣ ንእኡ ክቕበሎ እየ፣…..ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞም ገበሩ እግዚኣብሔር ከኣ ንኢዮብ ተቐበሎ፣” ኢዮ።42።8-9፣ ነቢይ ሙሴ ውን ነዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለ ዝፈለጦ እምበር ምስ ኣምላኹ ክታረኽ ኢሉ ኣይኮነን ከምዚ ዚስዕብ ክብል ብትሪ ዝለመነ፣”...ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተዘይኮነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ፣” ዘፀ።32።32፣

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ጐይታና ባዕሉ እዩ ሰሪዕዎ፣ እቲ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ጐይታ “ለምንዎ“ ብምባል ንደቀ መዛሙርቱ እዚ ጸሎት ምምላድ  ስለ ዅሉ(ሕዝቡ)ክጽልዩ መሃሮምን ኣዘዞምን፣ “ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም፣ በሎም ከኣ እኽሊ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኸልእኽ ለምንዎ፣” ሉቃ።10።1-2፣ ያዕቆብ ሓዋርያ ውን ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ሓይሊ ኣማላድነት ጸሎት ብምጥቃስ ብዘየማትእ ሃይለ ቃል ገሊጽዎ ኣሎ፣
“ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ፣” ያዕ.5።16፣ ዘሁ።11።2። ዘዳ።9።25፣
ዓይነት ጸሎት፣
ሀ. ናይ ግሊ ጸሎት።- “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ ናብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዕጾ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግሁድ ክክሕሰካ እዩ፣” ማቴ።6።6፣  “ንጽባሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ከለዉ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ፣” ግብ.10።9፣
ሕቡእን ምስጢራውን ጸሎት ነቢይ ሙሴ
“እግዚኣብሔር ከጥፍኦም እየ ኢሉ ስለ ዝነበረ በተን ተደፊኤለን ዝነበርኩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተደፋእኩ፣ ንእግዚኣብሔር ድማ ለመንክዎ ውን ኣታ እግዚኣብሔር ጐይታይ ነቲ ብዕብየትካ ዘድሓንካዮ ብሓያል ኢድካ ውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርእስኻን ኣይተጥፍእ፣ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያቆብን ባሮትካ ዘክር፣ ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ኣጢኣትን ኣይትጠምት….፣” ዘዳ.9።25-29፣
ሕቡእን ምስጢራውን ጸሎት ነቢይ ሳሙኤል ሕጊ እግዚኣብሔር ምስ ተጣሕሰ፣
“ሽዑ ሳኦል ካብ ምስዓበይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዓስ ኣሎኹ ዚብል ቃል እግዚኣብሔር ናብ ሳሙኤል መጸ፣ እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ እሞ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሔር ተማህለለ፣1ሳሙ።15።10-11፣
ሕቡእን ምስጢራዉን ጸሎት ነቢይ ኤልያስ።-
“ሽዑ ንሱ (ኤልያስ) ዎ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ነዛ ኣነ ምሰኣ ብግሽነት ዚነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ክፉእ ገበርካያ ኢሉ ናብ እግዚኣብሔር ተማህለለ፣...ዎ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ በጃኻ ነፍሲ እዚ ቆልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ ኢሉ ናብ እግዚኣብሔር ተማህለለ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ ነፍሲ እቲ ቆልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመልሰት እሞ ህያው ኮነ፣” 1ነገ።17።20-22፣
ሕቡእን ምስጢራውን ጸሎት ነቢይ ዳንኤል።-
ክዛረብ ክጽሊ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከለኹ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ምህልላይ ከቕርብ ከሎኹ ብጸሎት ገና ክዛረብ ከሎኹ ገብርኤል እቲ ቅድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋዕቲ ምሸት ተንከየኒ፣ መሀረኒ ተዛረበኒ። በለውን ዳንኤለየ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ መጻእኩ፣ ብመጀመርታ ምህልላኻ ቃል ወጸት፣ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ እምበኣርሲ ነዚ ቃል እዚ ኣቕልበሉ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ፣” ዳን።9።20-23፣
ሕቡእን ምስጢራውን ጸሎት ቆርኔሌዎስ።-
ቆርኔሌዎስ ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታሰዓይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ፣እንሆ ኸኣ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ ቆርኔሌዎስ ጸሎትካ ተሰሚዑ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ፣በለኒ፣”ግብ።10።30-32፣
ናይ ሓባር(ሕብረት) ጸሎት።- 
“ክልተ ወይ ሰለስተ ካባኻትኩም ኣብ ዝልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሰማምዑ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም እዩ ኢለ ከም ብሓድሽ እብለኩም ኣሎኹ፣” ማቴ።18።19-20፣
“በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኵሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ኮይኑ ይጽሊ ነበረ፣” ሉቃ።1።10፣ “እዚኣቶም ኵሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ፣ ግብ.1።14፣ 4።24፣ 12።12፣ “…ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኬንና ኸኣ ተንበርኪኽና ጸሌና፣” ግብ።21።5፣
ሐ. ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት።-
“ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ፣ ዎ ኢየሩሳሌም ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ፣” መዝ።122።1-2፣ “እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ፦ እግዚኣብሔር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኬውርዩስ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣” መዝ.92።14-15፣ “ዎ (እግዚኣብሔር)ጐይታ ሰራዊት ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዘብላ እየን፣ ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሔር ትናፍቕን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ መዝ።84።1-2፣ “ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹዓን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውዱስኻ፣” መዝ.84።4፣ “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ፣” መዝ።84።10፣ “እግዚኣብሔር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ በሎውን ጸሎትካ ሰሚዔ ነዛ ቦታ እዚኣ ውን ቤት መስዋዕቲ ኽትከውን ንኣይ ሓርየያ ኣሎኹ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ ውን ጽን ኪብላ እየን፣” 2ዜና 7።12-15፣
“መልኣኽ እግዚኣብሔር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ ኪዱ ኣብ ቤት መቅድስ ደው ኢልኩም እዚ ኹሉ ቃል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ በሎም ግብ፣5።19-20፣ “መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብይ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ ስፍራኻ(ሃይማኖትካ።ቤተክርስቲያንካ) ኣይትሕደግ)፣ መክ።10።4፣ “….ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ብጸምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት፣” ሉቃ።2።37፣
ጊዜያት ጸሎት።-
ሀ. ኵሉ ጊዜ ምጽላይ ከየባተኽኩም ጸልዩ፣1ተሰ።5።17፣ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቅካ ኽትገብሮስ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር ነዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ ሽዑ ድማ ይሰልጠካ፣ ኢያ.1።8፣ ሮሜ.12።12፣  ኤፌ.6።18፣ ቆሎ.4።2፣ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ፣ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን ንደቕኻ ምሃሮም ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ክትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ፣…” ዘዳ።6።5-9፣
ለ. ንጕሆ ምጽላይ።
ኢየሱስ ገና ለይቲ ከሎ ኣንጊሁ ወጸ ናብ ጽምዊ ቦታ ከይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ፣ ማር.1።35፣ መዝ.5።3፣ 55።17፣ “ ዎ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላ፣ መዝ።63።1፣ “ኣታ ልዑል ንግሆ ሳህልኻ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ፣መዝ።92።1-3፣ “ ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና፣ መዝ.90።14፣
ሐ.ምሸት ምጽላይ።-
“ጸሎተይ ኣብ ቅድተይ ኸም ዕጣን ምልዓል ኢደይ ውን ከም መስዋዕቲ ምሸት ይኹን፣ መዝ.141።2-2፣ እዝ.9።5፣ ምስ ኣሰናበቶም ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ ምድሪ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፣ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ፣ ማር.6።46-47፣ ብዛዕባኡ ድማ ኣዝዩ ወረ ወጸ፣ ብዙሓት ሕዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን ናብኡ ተኣከቡ። ንሱ ግና ናብ በሪኽ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ፣ ሉቃ.5።15-16፣

መ. ፍርቂ ለይቲ ምጽላይ።-
ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ፣ መዝ.119።62፣ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ፣ እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ፣ ግብ።16።25፣
ሰ. ምሉእ ለይቲ ምጽላይ።- 
“ኰነ ድማ በቲ ወርሓት እቲ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፣ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቂሑ ሐደረ፣ ምድሪ ምስ ወግሔ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም ካባታቶም ሓዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፣” ሉቃ.6።12-13፣ ያዕቆብ ድማ በይኑ ተረፈ፣ ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ክሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ፣ ዘፍ.32።24፣ ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከምዘየብኮርኩ እናዘከርኩም ንቕሑ፣ ግብ.20።31፣
 ረ. ኣብ  መዓልቲ ሠለስተ ጊዜ ምጽላይ
“ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል ኣሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቑዝም እህህውን እብል ኣሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፣” መዝ.55።16-17፣ ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ እዚ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ ናብ ቤቱ ኸደ፣ እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ዝነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሠለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተንበርከኸ ጸለየን ኣመስገነን፣ ዳን።6።10፣
ሠ. ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ጊዜ ምጽላይ።-
ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሸብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ፣ እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣ መዝ.119።164-165፣
ኣገባብ ኣጸላልያ።-
      ሀ.እንዳሰገድካ ዚጽለ ጸሎት።-
እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሔር ሰገደ፣ በለ ኸኣ እቲ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ይባረኽ፣ እግዚኣብሔር ንዓይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ፣” ዘፍ.24።26፣ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ፣ ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ገበሮ፣ እቲ ሕዝቢ ድማ ኣመነ፣ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ከምዝበጽሖም ጸበባኦም ዉን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ ፍግም ኢሎም ሰገዱ፣ ዘፀ.4።29-29-31፣12።27፣34።8፣ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስ ወከፎም ሸሽድሽተ ኽንፊ ኣለዎም ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዕይንቲ ዝመልኦም ኢዮም ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኩሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእ ይብሉ ነበሩ፣
እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘላዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ሰገድሉ ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣንቢሮም ከኣ፦ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ንስኻ ክብርን ስብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ ህላዌ ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ፣ በሉ፣ ራእ.4።8-11፣
 ለ. ተንበርኪኽካ ዚጽለ ጸሎት።-
ኰነ ኸኣ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ኹሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኽሉ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሔር ተንስኤ፣1ነገ.8።54፣ “ሰሎሞን...ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፣ 2ዜ.።6።13፣ ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከኣ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሐዘነይ ተንሳእኩ ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ፣” እዝ.6።5፣ ንዑ ፍግም ኢልና ንስገድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፈጣሪና ንንበርከኽ ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ሕዝቢ መጓሴኡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም ልብኹም ኣይተትርሩ፣” መዝ.95።6-9፣ “ቃለ ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይኪምለስን እዩ፣
ኩሉ ብርኪ ኺሰግደለይ ኵሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ ኢለ ብርእሰይ መሐልኩ፣ ኢሳ.45።23፣ ዳን.6።10፣ ኢየሱስ ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ጸልዩ በሎም ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ ….ጸለየ፣ ሉቃ.22።40-42፣ ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን ጐይታይ ኢየሱስ ነፍሰይ ተቐበል እናበለን ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፣ ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብይ ድምጺ ጐይታይ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም ኢሉ ጨደረ፣ እዚ ምስ በለውን ዐረፈ፣” ግብ.7።57-60፣ ጴጥሮስ ግና ንዅላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ጣቢታ ተንስኢ በላ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ ውን ኮፍ በለት፣ ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፣ ግብ.9።40-41፣ ጳውሎስ እዚ ምስ በለ ኸኣ ተምበርኪኹ ምስ ኵሎም ሓቢሩ ጸለየ፣ ኵላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፣” ግብ. 20።36-37፣ 21።5፣ ስለዚ ክብረትኩም እዩ እሞ በቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ እልምነልኩም ኣሎኹ፣ ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ፣ ኤፌ.3።13።15፣
ሐ. ኣብ ምድሪ ብገጽካ ተደፊእካ ምጽላይ።- 
“ሙሴን ኣሮንን ከኣ ኣብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ ብገጾም ድማ ተደፍኡ፣ ክብሪ እግዚኣብሔር ከኣ ተራእዮም፣” ዘኁ።20።6፣ ሙሴ እዚ ምስ ሰምዔ ብገጹ ተደፍኤ፣ ዘኁ።16።4፣ “ኰነ ኸኣ ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ኸሎ ኣዒንቱ ቓሕ ኣቢሉ ረኣየ፣ እንሆ ድማ እተመልሔ ሴፍ ኣብኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሊ ነበረ፣ ኢያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ በሎ፣ ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ኰይነ ደኣ ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ በለ፣ ኢያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ፣” እያ.5።13-15፣ ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፣ 1ነገ.18።42፣ ሽዑ ዮሳፍጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሔር ኪሰግድሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብገጾም ተደፍኡ፣” 2ዜና.20።18፣ ኢያሱ...ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ፣” ማቴ።26።39፣
መ.ደው ኢልካ ዚጽለ ጸሎት።-
“ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሔር ቈይሙ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ማሕበር እስራኤል ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ ኣብ ምድሪ ውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን፣” 1ነገ.8።22-23፣ ስለዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪኰነልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ፣ ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ከሎኹም ድማ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሓድገልኩም ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም ሕደጉሉ፣” ማር.11።24-25፣ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም ደው ክትብሉስ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ፣ ደጊም ሓቛቑኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ፣” ኤፌ.6።13-14፣
ኣገባብ ጸሎት።- 
ሀ. ቅቡል ጸሎት።-
ጸሎትና ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ኣብ ጌጋ ምህላውና ምእማን፣ ስለቲ ሓጢኣትና ምንዛዝ፣ ናብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣትና ዘይምምላስ፣ ኣብ ናይ ንስሓ ሕይወት ምጽናዕ...ወዘተ የድልየና፣ “ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፣ እታ ሓቂውን ኣባና የላን፣ ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና ካብ ኵሉ ዓመጻ ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ፣ ሓጢኣት ኣይገበርናን እንተ በልና ሓሳዊ ንገብሮ ቃሉውን ኣባና የሎን፣1ዮሓ።1።8-10፣
ለ. ብጣዕሳ ምጽላይ።-
እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፣ እንተ ለመነ ገጸይውን እንተደለየ ካብ ክፍእ ግብሩ(መገዲ)ድማ እንተ ተመልሰ ሽዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፣ ሓጢኣቶም ካኣ ይቕረ ክብለሎም ምድሮም ውን ክፍውሰሎም እየ፣ 2ዜና.7።14፣ ኢሳ.58።9፣
  1. ብምሉእ ልቢ ምጽላይ፣
 ብምሉእ ልብኹም እንተደሊኹምንስ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒ ውን ኢኹም፣” ኤር።29።13፣
  1. ብእምነት ምጽላይ፣
  እትደልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ፣” ማር።11።24፣
  1. ኃጢኣትካ ብምእማን፣
  ምእንቲ ክትፍወሱ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተኣመኑ፣ ምእንቲ ንሓድሕድኩም ውን ጸልዩ፣ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ፣ ያዕ.5።16፣
  1. ንእኡ ብምእዛዝ፣
  ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ እንገብርን ስለ ዝኾንና ነቲ እንልምኖ ዘበለ ካብኡ ንቕበል ኢና፣1ዮሓ።5።14፣

ከመይ ጌርና ከም እንጽሊ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዘናን የበርትዓናን፣
መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ፣ ከመይ ጌርና ክንጽሊ ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝልምነልና፣ እቲ ልቢ ዝምርምር ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ ነቲ ሓሳብ መንፈስ ውን ይፈልጦ እዩ፣ ሮሜ።8።26-27፣ ትርጉም ናይዚ ጥቕሲ እዚ ንሕና እንታይ ከም ዝረኽበና ኣይንፈልጥ ኢና፣ ካብ ኵሉ እቲ ዚመጽእ ሕቡእን ስውር ፈተነታትን ሓደጋታትን ካብ እኩያት ኣጋንንት ካብ ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ኣድሕነና ኢልና ናብቲ ኵሉ ዝፈልጥ መንፈስ ቅዱስ ንጽሊ ማለት እዩ፣ መንፈስ ኣዱስ ከኣ ኣብቲ ንሕና ዘይንፈልጦ ድኻም ደጊፉ የተንስኣና፣ ነዚ ጥቕሲ እዚ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ብግቡእ ተርጕሞሞ ኣለዉ፣
ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ገድሊ ቅዱሳን ንኣብነት ኣብ  ፊልክስዩስ ተስእሎ ፷፪ ክፍሊ ፭ ገጽ.፺፱  “መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣባ ሙሴ ከም ሰብ ኣብ መርከብ ተጻዒኑ ተራእዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከም ሓዊ ተዋሂድዎም ተራእዩ፣ ከምኡውን ብተምሳል ርግቢ ኣብ ርእሱ ተቐመጠ፣ ከምኡ ውን ሓደ መናኒ ኣብ ምንኩስና ጊዜ ብተምሳል ርግቢ ተገልጸሉ፣
 
ሓተታ።- ስለምንታይ እዩ መንፈስ ቅዱስ ብዝተፈላለየ ነገራት ዝግለጽ፨  ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብተምሳል ርግቢ (ማቴ.3።16) ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ በተምሳል ሓዊ (ግብ.2።1-4)  ከምኡውን ንሓደ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት ብተምሳል ኮኸብ ኣብ ርእሱ ከም ዝተቐመጠ ይገልጽ፣  ንሓደ ካብ መነኮሳት ውን ብተምሳል ንእሽቶ ጽብቕቲ ዝተሸለመት ጓል ተገልጸሎም፣ ታሪኽ።- እቶም ኣቦ ውግእ ኣጋንንቲ ምስ በርዖም ፍትወት ሥጋ ምስ ከበዶም ካብ ምናኔ ወጺኦም ንዓለም መሲለ ክነብር ኢሎም ካብ ገዳሞም ክኸዱ ከለዉ ብተምሳል ንእሽቶ ጽብቕቲ ሽልምቲ ጓል ተገልጸሎም፣  ንሶም ከኣ ኣንቲ ጓለይ ናበይ ትኸዲ ኣሎኺ፨ በልዋ፣ ንሳ ኸኣ “እዚ ዓለም ከም ቆጽሊ ይረግፍ ከም ጽላሎት ይሓልፍ ክብሉ ሰሚዐ ናብ ምናኔ ይኸይድ ኣሎኹ፣” በለቶም፣ ንሶም ከኣ “እዚኣ እኳ ሕጂ ትጅምር ዘላ ኣነ ከመይ ገይረ ምንኩስናይ ከፍርስ ኢሎም ናብ ገዳሞም ተመሊሶም፣ ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ንዝተፈላለዩ ዝበቕዑን ዘይበቕዑን ኣቦታት ብዝተፈላለየ ኣምሳል ይግለጸሎም፣  ከምኡውን ኣብ አረጋዊ መንፈሳዊ ድርሳን ፳፮  ገጽ.፻፪ ነዚ ዝምልከት ብሰፊሕ ተገሊጹ ኣሎ፣
ጸሎት ቅዱሳን ክቡር እዩ፣
“ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰደ ኸኣ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣንን ዝመልኣ ጽዋዕ ወርቅን ሒዞም እዚ ድማ እቲ ጸሎት ቅዱሳን እዩ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ፣” ራእ.5።8፣
ጸሎት ቅዱሳን ከም ዕጣን ሰማየ ሰማያት ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይበጽሕ
“ ካልእ መልኣኽ ወጸ እሞ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፣ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ክውስኾ ኸኣ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ፣ እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳን ኰይኑ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ፣” ራኢ.8።3-4፣
ጸሎት ንኽንጽሊ እዙዛት ኢና።
ንእግዚኣብሔር ስልጣኑ ድለዩ  ኵሉ ጊዜ ገጹድለዩ፣ 1ዜና።16፣11፣ ማቴ.26።41፣ 7።78፣ 
ሆሴ.14።2፣ ሉቃ፣ 18።18፣ 21።36፣ ዮሓ.16።24፣ ኤፌ።6።18፣ ፊል።4።6፣
ቈሌ።4።2፣ 1ተሰ።5።17፣ 1ጢሞ።2።8፣ ያዕ።5።13፣
ዝተመለሱ ጸሎታት
ናይ ነቢይ ሙሴ ዘፀ.15።24-25፣
“  “ ጄዴዎን መሳ.6።36-40፣
“  ነቢይት ሃና 1ሳሙ.1።27፣
ብነቢይ ሳሙኤል ዝተጸለየ ጸሎት 1ሳሙ.7።9-10፣ 1ነገ።3።12፣
“  ብሰሎሞን   “    “    1ነገ።9።3፣
“  ኤልያስ    “     “  1ነገ.18።37-38፣ 2ነገ.6።18፣13።4፣
ብሕዝቅያስ ዝተጸለየ ጸሎት 2ነገ.19።9-20፣1ዜና።5።20፣
ብኢያሳፍጥ   “     “  2ዜና።18።31።32፣21።33።13፣
ብዕዝራ      “     “ ዕዝ።8።23፣ነህ።9።27፣ዳን።2።19።9።22፣10።12፣
ብዘካርያስ   “     “ ሉቃ።1።13፣
ጸሎት ሓዋርያት ግብ/4።31፣
ፍረ ጸሎት፣
ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ ከልዕሎ እየ ኪጽውዓኒ ኣነውን ክምልሰሉ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን ከናግፎን ከኽብሮን እየ፣ ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ፣” መዝ.91።14-16፣ ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሔር እዮም፣ ተረፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም ኪኸውን ድማ እዩ፣ ከይጸውዑኒ ኽመልስ ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ኸኣ ክሰምዕ እየ፣ ኢሳ.65።23።24፣ እምበኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ኽነስኹም ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፣” ሉቃ.11።9-13፣ 1ዮሓ.3።22፣ ሽጕራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ ግናኸ ኣነ እግዚኣብሔር ክሰምዖም ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ፣” ኢሳ።41።17፣
መንፈሳውን ሥጋውን ሓይሊ ጸሎት፣
“ብስጋ እንመላለስ ክንስና እኳ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና፣ ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት እዩ እምበር ስጋዊ ኣይኮነን፣ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉ ነገር እናፍረስና ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና፣” 2ቆሮ.10።3-5፣……………………ይቕጽል፣
ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ። ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ። ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒት ኃይልነ ወፀወንነ፣
ምንጪ  ካብ
ክፍሊ መነፈሳዊ ትምህርቲ 
መንበረ ፓትራያርክ
ኣስመራ፣
 

No comments:

Post a Comment