መጽሓፍ መዝሙር / Hymn Book


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን ። 

ኣርእስቲ

መዝሙር  እንታይ ማለት እዩ።

             መዝሙር ማለት ብባህሪኡ ምስጉን ንዝኾነ ልዑለ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝምስገነሉ ዓቢ ናይ ጸሎት ክፍሊ ዝኾነ ጣዕመ ዜማ ዘለዎ እዩ ። <<ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ>>

       መዳ 146፣1,ዘጸ 15፣1-22,ኢሳ 6፣1-5 ,ራእ 15፣1, ራእ 5፣6­1 ,መ.ዳ 65፣1-5

             ዜማ ወይ መዝሙርኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ። ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ መገለጺ ስርዓት ኣምልኾ ንኣምላኽ ኮዩኑ ዘገልግሉሉ ዝነበረ መንፈሳዊ ስነ ጥበብ ኢዩ፣ነዚ መወኪሲ ክኮነና ኣብዘን ዝስእዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃላት ክንውከስ ንኽእል ኢና እዚ ግን እኩል መረዳእታ ማለት ኣይኮነን ከምቲ ቅዱሳን ኣቦታትና ዝበሉና ገለ ካብ ባሕሪ ብከፊል ወይ ብጭልፋ እዩ ፣ (2ዜና መዋ 5።12-19 ። ቆላ 3።16, ኤፌ 5።19,)

               መዝሙር (ዜማ) ዝብል ቃል ንባዕሉ ምስ ቃንቃታት ዕብራይስጥን ኣራማይስጥን ዝተተሓሓዘ ስምን ድምጺ ቃናደሃይ ጎረሮ ዘስምዕ ትርጉም ኣለዎ፣

                መዝሙር(ዜማ) ።- ትርጉሙ ። ምምስጋንምልማን ወይ ከኣ ብእግዚኣብሔር ደስ ኢሉካ ብዜማ ምምሕጻንን።ዝቕደሰሉን እዩ፣መዝሙር እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን ዝምስገነንሉ፣ዝቅደሰሉን ናይ ጸሎት ክፍሊ ጣዕማ ዜማ ኣዩ። ነቢየ እግዚኣብሔር ኣቦና ቅዱስ ዳዊት(ሊቢ ኣምላኽ) ኣብ መጽሓፉ <<ኣብ ኩሉ ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ  ንኣምላኽ እልል በሉሉ።ንክብሪ ስሙ  ዘምሩ ልዑል ምስጋና ከኣ ሃብዎ። ንኣምላኽ ከኣ ግብርታትካ ክንደይ ዘገርም እዩ፣ስልጣንካ ዓቢይ እዩ፣በዚ ድማ ጸላእትካ ብፍርሓት ይሰግዱልካ ። ኣብምድሪ ዘለዉ ኩሎም ይሰግዱልካ፣ይዝምሩልካ ንስምካ መዝሙር ምስጋን ይዝምሩልካ በልዎ>>ይብልዎ።ከምኡ‘ውን ኣብ (ራኣ.ዮሓ15;4) ኣታ ኩሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግብርኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ እናበሉ ከም ዝዝምሩሉ ይገልጽ።ስለዚ መዝሙር ንእግዚኣብሔር ተመሲጥካ ንምምስጋን።ንምቕዳስ።ልባዊ ጸሎት ንምቅራብን መንፈስ ንምሕዳስን ከምኡ ውን ንምክርን ተክሳጽን ።ንጽንዓትን ምጽንናዕን ይጠቅመና፣ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ ብናይ እግዚኣብሔር ስልጣን ንእስራኤላዊያን ሒኡ ካብ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ማርያም ሓፍቲ ሙሴ ከበሮ ሒዛከም ዝዘመረት ኣብ (ዘጸ15።20) የረደእ፣

        ነቢይ ኢሳያስ ውን ቅድሳን መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኮዩኖም ንፈጣሪኦም ብዘይ ዕረፍቲ ብመዝሙር ከም ዘምስገኑዎ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል ፣-<<ኣነ ንእግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቀሚጡ ከሎ ረኣኹዎ ፣ዘፈር ክዳኑ ከኣ ነቲ መቅደስ መሊእዎ ነበረ ።ኣብ ዙርያኡ ድማ  ሱራፊኤልን ኪሩቤኤልን ቆይሞም ነበሩ።ነፍሲ ወከፎም ሽዱሽተ ክንፊ ኣለዎም ።ነፍስ ወከፍ ከኣ ብክልተ ክንፊ ገጹ ይኸድን፣ብክልተ ክንፎም ድማ እእጋሮም  ይኽደን ብክልተ ኽንፈም ዉን ይነፍሩ ነበረ።ንሳቶም ከኣ ነንሕድሕዶም እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ቅዱስ ቅዱስ እዩ። ኩላ ምድሪ ከኣ መሊኣ ኣላ እናበሉ ይቀባበሉ ነበሩ (ኢሳ.6።4)

ነብየ እግዚኣብሔር ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ድማ ኣብ መዝሙሩ ኣብ 149-1-3 <<ንእግዚኣብሔር ኣመስግን ንእግዚኣብሔር ሓዲሽ መዝሙር ዘምሩ። ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣመስግንዎ ። ሕዝቢ እስራኤል ብፈጣሪኩም ተሓጎሱ። ሕዝቢ ጽዮን ብንጉስኩም እልል በሉ ።ንስሙ ብሳዕሲዒት ኣመስግንዎ ። በከበሮን ብበገናን ዘሙሩሉ>>ይብል፣ ከምኡ ዉን ኣብ መ,ዳ 150።3-5 <<ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ ። ብቃና ኣዉታርን እምብልታን ኣመስግንዎ ።ጭልጭል ብዝብል ጸናጽል ብጥዑም ደሃዩ ጸናጽል ኣመስግንዎ>>ይብል፣

ንዋየ ህሩይ ሓዋርያ ጳውሎስ ውን ኣብቲ ናብ ምእመናን ኤፌሶን መልእኽቱ ከምዚ ይብል ብመዝሙርን ምስጋናን መነፈሳዊ ቅኔን ብልቡኹም ንጎይታ እናተቀኔኹሙሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዘረረብኩምን መነፈስ ይምላእኩም>> ኤፌ.5።18-19

   እምበኣር ናይ መላእክት ጣዕማ ዜማ ንሰብ ሰለ ዝተዓደለ በዚ ምክኒያት ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮፒያን ዘለዋ ኦርቶዶክሳዊያን ኣብያተ ቤተክርስትያናት በዚ ዜማ ብሓደ ሊሳን ዝዝምራ፣እዚ ዜማ ድማ ኪሳብ ሒጂ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ኣይተረኸቦን ዘሎ ኣይክረከበን አዩ ከኣ፣ ኣብያተ ቤተክርስትያናት ዝዝምርኦን ዝቅድስኦን ያሬዳዊ እዩ ፣

         እንበኣር ልክዕ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መሰረት ብምግባር ፣ኣብዚ ግዜ‘ዚ ቅድስት ቤተክርስትያን። ብከበሮን ጸናጽልን ያሬዳዊ ዜማ ትጥቀም፣ ቅዱስ ያሬድ እቲ መጀመርያ ዝረከቦ ዜማ <ኣርያም>ይበሃል ትርጉሙ ከኣ ላዕለዋይ ማለት እዩ ፣ ኣርያም ኢሉ ዝጸዉዓሉ ምኽኒያት ከኣ ካብ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ሰሚዑ ሰለ ዘዘመሮ እዩ፣ቅዱሳን ኣቦታት ውን <ቀዳሚ ዜማ ተሰምዓ በሰማይ>እንዳበለ ይኸይድ ከም ዘነበረ ውን ይሕቡሩ፣ እዚ ሊቅ እዚ ብመነፈስ ተመሲጡ ሰማየ።ሰማያት ተነጢቁ ካብ መላእኽቲ ዝረከቦ ዜማ 3 እዩ፣ ንሱ ከኣ ግእዝእዝሊኣራራይ የበሃል፣

    እዚ ሰለስተ ጣዕማ ዜማ ምሳሌን ትርጉምን ውን ኣለዎ፣ ትርጉሙ ድማ ግእዝ ክንብል ከለና <ርቱዕ> <<አብ ርቱዕ ሎቱ ነአኵቶ>> ማለት <<ክብር ምሥጋና ንዑኡ ይኹን ማለት እዩ>>›፡፡ እዝሊ ጽኑዕ ማለት እዩ፡፡ እግዚአብሔር ወልድ ጽኑዕ መከራ ተቀቢሉ አዳምን ሄዋንን ከም ዘድሓነ ዘመልክት እዩ፡፡ አራራይ ማለት ጥዑም ማለት እይ፡፡ ጥዑም ሀብተመንፈስ ቅዱስን ከም ዝተጐናጸፍና  ንምርዳእ እዩ፡፡

    ግእዝ ዜማ ኣብ ዝተዋህበና እዝሊን ኣራራይን ድማ ካብኡ ይወጹ እዚ ድማ ብ ኣሃዱ ኣብ ዜማ ይፍለጥ ምስጢሩ ድማ ካብ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ወልድ ምውላዱን መነፈስ ቅዱስ ውን ካብ ወልድ ምስራጹ የመልክት ካብዚ ምቅጻል ውን ንባቡን ድምጺ ቃናን ሓደ ምኻኑ ሓድነት ናይ ስላሴ ምሳሌ ክሕዝ ከሎ ዜማ ሰለስተ ብምኻኑ ድማ ሰለስትነት ናይ ስላሴ ምሳሌ ኣለዎ ክብሉ ቅዱሳን ኣቦታት የረድኡና፣

         ናይ ቤተከርስትያንና ሓደ መዝሙር ኦርቶዶክሳዊ እዩ ናይ ቤተክርስታያን እዩ ክንብሎ እንተደኣ ኬይንና ትምህርተ ሃይማኖትን ስርዓትን ሓልዩ ። መሳርሒታቱ ከኣ ናይ ቤተክርስትያን ኮዩኑ ዜምኡ ድማ ያሬድ ክኸዉን ኣለዎ፣ እንተዘይኮዩኑ ግዜያዊ ክኸውን ኣለዎ ኢልና።ካህናት ጊታር ። ፒያኖ ሒዞም ኣብ ቤተክርስታይን ይዘሙሩ እንተበልና ። መልክዕ‘ውን የበሉን፣ ካብ‘ቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዋሃበና ያሬዳዊ መዝሙር ወጺእና ማለት እዩ፣ እቲ ካህናት ኣሸብሺቦም መቆሚያ ተደጊፎም ።ጸናጽል ሒዞም ።ክዝምሩ ከለዉ ምስቲ ዉዕዉዕ ወይ ከኣ ኤዉሮጳዉያን ንዓለማት ደርፊ ኢሎም ዝፈልሰፍዎ መሳሪሒታት ከነዋዳድሮ ከለና ። ኣይኮነን ንዓና ።ነቶም ንዘመናዊ መሳሪሒ ዝመሃዙ ኤዉሮፓዊያን እካ እንታ ዝሕተቱ ። ንመዝሙርናን መሳርሒታትናን ከምዝመርጹ ንማንም ስዉር ኣይኮነን፣ ስለዚ ንሕና መንእሰይት እቲ ካህናት ኣቦታትና ንያሬዳዊ መዝሙር ዝጥቀሙሉ መሳርሒ እንተተጠቐምና ዝበለጸ እምበር ዝከፍአ ኣይኮነን፣

              መዝሙር ዝብል ቃል ዘመረ ኣመስገነ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኸበ ኪከውን ከሎ ትርጉሙ ድማ ምስጋና ማለት እዩ። መዝሙር ብ ቤተክርስትያን ናይ ዝማሬ ስርዓት መሰረት ብ ዜማ ዝቀርብ ምስጋና እዩ።ምስጋና ናይ ባህሪኡ ናቱ ዝኮነ እግዚኣብሔር ክብሩ ኣብ ባህሪኡ ጥራሕ ተወሲኑ ከይተርፍ ን ስሙ ንኽቅድስ ን ኽብሩ ንኽወርሱ ንመላእኽትን ሰብን ለባዉያን ማዕምራን (ኣስተውዓልትን ፈላጣትን)ጌሩ ፈጠሮም።

               መዝሙር ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ጸጋ ምኻኑ ዕቢ መንፈሳዊ ሕይሊ ኣለዎ።መአዝሙር ንሕሙማት ናይ ምፍዋስ፣ ን ዝተጨነቁ ሰባት ናይ ምህዳአ ሓይሊ ኣለዎ። ናይ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሳኦል ኣብ ዝሓመመሉ እዋን ሊቢ ኣምላኽ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት ናብኡ እና ኸደ ብ በገና ኣብ ዝሃርመሉ እዋን ሳኦል ካብ ድዊኡ(ሕማሙ)ይፍወስ፣ካብ ጭንቀቱ ከኣ ይሃድእ ኔሩ። 1ሳሙ16።21- ,ፓወሎስ ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከለዉ ብ አይቲ ተንሲኦም ን ፈጣሪኦም ብ ጸሎትን ብ ዜማን የመስግንዎ ነበሩ ። ኣብቲ ሰዓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ተመሲጦም ይሰምዑ ኔይሮም። ኣብ መጠረሽታ ናይቲ መዝሙ መንፈሳዊ ሕይሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ መሰረት ኪሳብ ዚናወጽ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ኣስዒቡ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣፍደገታት ከም ዝኪፈት ጌሩ እዩ።ግ.ሓ. 16።19-26

                    መዝሙር ንመላእኽቲ ዕለታዊ መግቦም እዩ።ብዘይ ምቑራጽ ድማ ን እግዚኣብሔር ኣምላኾም የመስግንዎ።ራእ.ዮ 4፣8 መዝ 102።20 , ኢሳ 6፣1-5 ። ሰባት ድማ ልክዕ ከም መላእኽቲ ን እግዚኣብሔር ከነመስግኖ ይግብኣና።መዝ 95።1 እንበኣር ናይ መዝሙር ኣመጻጽኡን ጥቅሙን እዚ ካብ ኮነ ኦርቶዶክሳዊ መዝሙር ድማ መሰረቱ መበገሲኡ ካብዚ ኮይኑ ዝጥቀመሎም መሳሪሒታት ቅዱስ ያሬድ ሰማያት ተከኢቶም መላእክቲ ን እግዚኣብሔር ከመስግንዎ ከለዉ ዝረኣይዎም ክኾኑ ከለዉ ንሳቶም ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ምስ ትርግሞም ክንርእዮም ኢና።

                   መዝሙር ደስ ዘብል ናይ ድምጺ ላዛ ዝስመዓሉ ግባኤ ጥራሕዘይኮነ ንእግዚኣብሄር ነመስግነሉ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ እዩ። ሎሚ ምእመናን ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣባላት ናብ ካህናት ቀሪብና ናይ ዜማ ተሳተፍቲ ኪንከዉን ክንመሃሮን ይግበኣና። ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ሃበቲ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ብግቡእ ዓቂብና ከነጽንሓሉን ከነረክቦን ይግበኣና።

                  1.ከበሮ ፣ክብረወ ካብ ዝብል ናይ እዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ  ትርጉሙ ድማ ደፍአ ወቅዐ ወይ ደሰቀ ማለት እዩ።ከበሮ ካብ ዕንጸይቲ ወይ ካብ ቡሩር ወይ ካብ ሓጺን ዝኣምሰሉ ነገራት ተሰሪሑ ብ የማንን ብ ጸጋምንን ብ ቆርበት ተወጢሩ ይስራሕ።

                 ከበሮ ንመዝሙር ዝውዓለሉ እስራኤላውያን ንታቦ ጺዮን ሒዞም ናብ ዓዶም ካብ ዝኣተዉሉ እወን ጀሚሩ እዩ ። ነዚ እዩ ድማ ነቢይ እግዚኣብሔር ቕዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 150 ሰብሁዎ ለእግዚኣብሄር በከበሮ ወተፈስህዎ ዝበለ። ከበሮ ብ ጎይታና ይምሰል።ኣብ ልዕሊ እቲ ከበሮ ዘሎ ጥሊፍላፍ ጎይታና ዝተገረፈሉ ምሳሌ እዩ ። የማንን ጸጋምን ዝሃርመሉ ምኽኒያት ኣይሁድ ን ጎይታና ብ ጽፍዕትን ኣእማንን ከም ዝሃረምዎ ምምልካት እዩ ። ኢሳ 50፣5

2.  ጽናጽል ጸለል ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ድማ ደወል አይ ቃጭል ማለት እዩ።ጸናጽል ካብ ሓጺን ዝኣምሰሉ ነገርት ማለት ካብ ወርቂ ቡሩር ናሓስ ዝሰራሕ ናይ ዜማ ምሳሌ እዩ ። ብየማን ብጸኣም ዘለዉ ቕጠንቲ ስልኪታትት መላእክቲ ኪዲይብሉን ኪወርዱሉን ያዕቆብ ዘረኣዮ መሳሊል መደየብን መውረዲን ምሳሌ እዩ።

ኣብ ሊኦሊእዚኦም ስልክታት ተንጠልጢሎም ዝርከቡ ቆጽሊ መሰል ድምጺ ዝህቡ ያኦቆብ ዝረእዮ መሳሊልል መላእክቲ ይወርዱን የደይቡን ናይ ዝነበሩ ምሳሌ እዩ።

-       ብየማንን ብሰጋምን ዘለዉ ዓንድታት ናይ ብሉይን ሓዲሽን ኪዳንን ምሳሌ እዩ።

-       እቶም ክልተ ዝተጋደሙ ናይ ፍቅረ ቢጽ ናይ ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ምሳሊ እዮም

-       እቶም ቆጽሊ ሓሙሽተ ሙካኖም ኣእማደ ምስጢር ምሳሊ 7 እንተ ኮይኖም ናይ ምስጢራተ ቤተክርስትያን   ሸውዓተ ምካኖም ምሳሌ እዩ፣

-       ኣብ ጊዜ ሽብሸባ ጸናጽል ሒዝና ንየማንን ጸጋምን ን ቅድሚትን ንድሕሪትን ባዕሎም ናይ ምምዕታብ ምልክት እዮም።

-       ናይቲ ጸናጽል ላዕሊን ታሕቲን ናይ ሰማይን መድርን ምሳሌ እዩ፣

 3.መቆምያ ትርጉሙ መደገፊ ወይ መመርኮሲ ማለት እዩ።መቆምያ እግዚኣብሔር ን ኣዳም ተስፋ ዝሃበሉ
 ናይ መስቀል ምልክት እዩ። ኣቦና ያዕቆብ ድማ ትምእርተ መስቀል ዘለዎ በትሩ ብገጹ(ብግንባር)ተደፌኡ ይሰግድን ይጽሊን ከም ዘነበረ ይዝንቶ ።መቆምያ ጎይታና ካብ ሊቶስጥራ ስጋብ ቀራንዮ እና ወደቀን እና ወደቀን እና ተንሰአን ኣብ ትእምርተ  መስቀል ምስቃሉን  ።ማቲ 27።32

           4.ሻንቢቖ ፣ ሻንቢቆ ካብ ዝበሃል ዕንጸይትን ወይ ብረት መሰል ነገር ዝስራሕ ድምጺ ዝህብ መሳርሒ ዜማ እዩ።ዳኒ 3፣5-10 ሻንቢቆ ናይ ቆኖና ቤተክርስትያን ኣብነት እያ ። ናይ ኣዴና ኣብነት ውን እያ ።ሻንቢቆ 5ተ ወይ 6ተ ቀዳዳት ዘለዋ ኮይኑ ዝተፈላለየ ድምጺ ውን ኣለዎ ። እቲ 5ተ ናይ እእማደ ምስጢር ዝገልጽ ኪከውን ከሎ አቲ  6ተ ድማ ናይ ቃለ ወንገል ኣብነት እዩ፣

         5. መሰንቆ ን ንኪብሪ እግዚኣብሄር  ምዝማር ንጥቀም መሳሪሒ ዜማ እዩ።1ዜና15~፣16  መዝ 91፣3 መዝ 150

          6. መለከት ካብ ቀርኒ ከብቲ ሓጺን ብሩሩን ካሊኦት ነገራትን ዝስራሕ ንመጸውዒ ን መኣኸቢ ን መኣወጂ ዝገልግል ምስርህ ዜማ እዩ፣ እያ 6፣20 / 2ዜና 5፣12

          7. በገና 10ተ ኣውታር ዘለዎ ኮኡኑ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ንዝዝመኡ ዜማታትት መሳርሒ ይውዕል መዝሙር 91፣3 ዳዊት መሰንቆን በገናን ክሃርም ከሎ ብዙሓት ድውያን ይፍወሱ ኔሮም ። 1 ሳሙ 16፣18 መዝ 145፣9 በገና ምሳሌ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም እዩ። እተን 10 ኣውታር ድማ ናይ 10 ትእዛዝዝ ምሳሌ ኪከውን ከሎ ድምጹ ድማ ን ፍቅርን ጣዕምን ኣዴና ቅድስቲን ድንግሊን ማሪያም ይመስል።

         8. እምብልታ ካብ ሻንቢቆ ወይ ድማ ካብ ዕንጸይቲ ይስራሕ ኮይኑ ሻንቢቆ ድመስል ናይ ዜማ መሳርሒ እዩ።

ኣብ ጊዚ ክብረ ታቦት ቃልኪዳን ይዝመረሉ ኔሩ ። 1ዜና 15፣20 ዳዊት ብ እንብልታ ይዝምር ኔሩ ። መዝ 50፣4

  ስለዚ ኦርተዶክሳዊ መዝሙር ማለት ሰመያዊ መንፈሳዊ  ናይ መላእክቲ መዝሙር ማለት እዩ።ነዚ ኢና ድማ ዝመሃረናንን ዝመሃረን መላእኽቲ ቅዱሳን ቅዳሴ መላእኽቲ እዩ ንብል። ስለዚ ንሕና መዝሙር ኣብ ንዝምረሉ ካብ ኣብ ንቅድሰሉ ማህሌት ኣብ ንቆመሉ ጊዜ ልክዕ ከምቲኣ ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደላ ለይቲ ቅዱሳን መላእኽቲን ጋሶትን ሓደ ከም ዝኮኑን ንሕና ውን ምስ ሰመያዊያን መላእክቲ ሓደ ኪንከውን ። ቀደሙውን ዝተፈተርናሉ ምስ ቅዱሳን መላእክቲ ኮኡና ሽሙ ንምቅዳስን ክብሩ ንምውራስን ኢና እሞ ነዚ ጽጋ እዚ ክሳብ መወዳእታ ኣጽኒዕና ኪንሕዞን ኪንዕቅቦን ይግበኣና።

ምክኒያቱ ንዕኡ ዝትኪእ ካሊእ ጸጋ ስለ ዝይንረኪብ ስብ ሃብቱ ንብረቱ ገዝ ኡ ጥሪቱ ከምቲ ን ደቁ ዘውርሶም ንሕና ድማ ኣቦና ቅዱስ ያሬድ ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ተማሂሩ ዘረከበና ዘውረሰናን ርስቲ ዜምኡ ስለ ዝኾነ ነዚ ርስቲ እዚኪንስሀቶን ክንሊውጦን ኣይንኺእሊን ኢና ከምቲ  1ነገ 20  ተጻሒፉ ንረኽቦ ታሪኽ ናብ ብዝተፈላለየ ሰብ ናይ ኣቦታተይ ርስቲ ኣይሊውጥን ኢሉ ኪሳብ ሞት ዝበጽሐን ደሙ ዘፍሰሰን ሬስ ኡ ከም ሬሳ ከልቢ ፍቀዱኡ ዘተደርበየ ንሕና ውን ከምኡ ኢና ። ን ሓይማኖትናን ን ርስትናን ታሪኽናን ን ትውፊትናን ክሳብ መወዳእታ ኣጽኒዕና ንኽነብር ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ኣማላድነት ናይ ጻድቃን ሰማእታት ተራዳእነት ኣይፈለየና።





ማርያም ኢለ


ምርያም ኢለ ክዝምር አየ 

ከም ኣቦታተይ ክጽዋዓ ኢየ

ብዜማ ያሬድ ብሓድሽ  ቅኔ

ከመስግናየ ኣብ መቅደስ ኮይነ


 ማርያም ኢለ....ብማእሌት ምስጋና ክጽውዕ ንስማ

               ....ኣክቢሩዋ ኢዩ’ሞ ብሞሎኮት ግርማ

              .....ኣብ ጽርሃ ኣርያም ዓሪጉ ጸሎተይ

             ....ብወላዲት ኣምላክ ድንግል ረዳኢተይ


ማሪያም ኢለ....ብሰላም ብጸጋ ምቅደስ ተመሊኡ

              ....ብጸሎትኪ ድንግል ቀሪብና ኢና ናብኡ

             ....ሎምስ ተረኺብኪ ካላኣይቲ ሰማይ

            .....ንጎይታ ወሊድኪ ናይ ወጋሕታ ጽሓይ


ማሪያም ኢለ......ቲ’ስምኪ ክጽውዕ ኣይሓፍርን ኢየ

               ....ሰኣሊለነ ኢለ ምሕረት ረኺበ’የ

              ....ጸጋ በረኸትኪ በዚሑለይ ማርያም

             ....ሪሑቁለይ ኢዩ’ሞ ሓዘን ኮነ ሕማም


ማርያም ኢለ....ናይ ወጋእተይ ጸገም ተንኮል ፈራሪሱ

              ....ብስቅለት ክርስቶስ ሓይለይ ተሓዲሱ

             ....ኣይፈርሕን ኢየ ድንገል ከላ ምሳይ

            ....ኣብዚ ዓለም ኩሉ ሰዳዲት ናይ ቁስለይ
 
 
 

No comments:

Post a Comment