Friday, January 4, 2013



ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅደስ ብዝገሇጸለ ብዛዕባ ልዯት ጏይታ ብዙሕ ግለጽን ብሩህን ትንቢታት ተነብዩ ኢዩ። ንሱ ድማ ጏይታ ዓሇም ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ብርሃን ከም ዝኾነ ተራእይዎ፡ ‚እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም።‛ ኢሳ.9፡2 ክብል ነቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክሕዯትን ሓጢኣትን ዝነብሩ ንዝነበሩ ሕዝቢ ከምኡ'ውን ንኹለ ዓሇም ዘብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን ምምጽኡ ነገረ። ‚ሕፃን ተወሉደልና ወዱ ተዋሂቡልና ኢዩ፡ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ክኸውን ኢዩ፡ ንሱ ‘ግሩም መኻሪ፡ ብርቱዕ ኣምሊኽ፡ ዘሇዓሇማዊ ኣቦ፡ መስፍን ሰሊም’ ተባሂለ ክጽዋዕ ኢዩ።...‛ እናበሇ ድማ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ምዕራፍ ይቕጽል፡ ኢሳ.9፡6 እዚ ኸኣ ተወሉደ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ነብሱ ንሕማም ንሞት ኣሕሉፉ ዝህብ፡ ንኹለ ዓሇም በጃ ዝኸውን ስሇ ዝኾነ፡ ወዱ ተዋሂቡልና ክብል ገሇጾ። እዚ ጥራይ ውን ኣይኮነን ካብ መን ከም ዝውሇድ እቲ ሕፃን ውን ስሙ ከይተረፈን ብግልጺ ነጊሩና ኢዩ። ‚ስሇዚ እግዚኣብሔር ባዕለ ትእምርቲ ክህበኩም ኢዩ፡ እነሆ ድንግል ክትጠንስ ወዱ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ ስሙ ውን ኣማኑኤል ኢሊ ክትሰምዮ ኢያ።‛ ኢለ ኣብሪሁ ይገልጾ። ኢሳ.7፡14 ከምዚ’ለ ቅድሚ ልዯት ጏይታ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚእቲ ዓመታት ምስ ተነበየ፡ ሕያዋይን ርሕሩሕን ኣምሊኽና ኸኣ ነቲ ነቦና ኣዲም ካብ ጓልጓልካ ተወሉዯ ከድሕነካ ኢየ ዝብል ኣተስፍይዎ ዝነበረ ተስፋ ቇጸራኡ ምስ ኣኸሇ ‚ወኣመ በጽሓ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልዶ ...‛ ማሇት ‚ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኣምሊኽ ነቶም ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ንዝነበሩ ከድሕን ንሕና ውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልዯ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውን ዝሓዯረ ወደ ሇኣኾ።‛ ይብል ገሊ.4፡4 እግዚኣብሔር ዓሇም ከድሕን ፍቓደ ምስ ኮነ ምኽንያት ድሕነት እትኸውን ድማ ንቕድስት ድንግል ማርያም መረጸ፡ ማሇት ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ እቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ ትእምርቲ ድንግል ክትጠንስ ኢያ ዝበሊ እታ ድንግል ቅድስት ማርያም ኮይና ተረኺባ፡ ንሳ ድማ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ንኽትወልድ ኣምሊኽ ስሇ ዝመረጻ እቲ ትእምርቲ ዝተባህሇ እዚ ኢዩ። ብሓቂ ዓቢይ ትእምርቲ ኢዩ። ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር ስሇ ዘየልቦ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምሊኽ ኣብ ማኅፀን ድንግል ተወሰነ። ቅድሚ ዓሇም ብዘይ ኣዯ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ከም ዝተወልዯ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ድማ ብዘይ ኣቦ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልዯ። ‚ከመዝ ነኣምን ዘኣልቦቱ እም በሰማያት፡ ወኣብ በዱበ ምድር‛ ማሇት ‚ኣብ ሰማያት ኣዯ ኣብ ምድሪ ውን ኣቦ ከም ዘይብለ ነኣምን።‛ ይብል ኣንቀጸ ብርሃን (ቀዱሙ)። ከምቲ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ተባህሇ፡ ትርጉሙ እግዚኣብሔር ምሳና ማሇት ኢዩ። ከምዚ’ለ ልዑል ጏይታ ኣብታ ‚ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተ-ልሔም ...ትውልደ ካብ ጥንቲ ካብ ዘሇዓሇም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘሇዎ ካባኺ ከተንሥእ ኢየ፡‛ ኢለ ሚክያስ ዝተነበየሊ ቦታ ኣብ ቤተ-ልሔም ተወልዯ። ሚክ.5፡2 ምስ ተወልዯ ድማ ንኣምሊኽነቱ ዝምስክሩ ብዙሕ ተኣምራት ተገብረ። ሰብ ጥበብ ብኮኾብ ተመሪሖም ካብ ርሑቕ ሃገር መጺኦም ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ኣቕረቡለን ሰገደለን። ማቴ.2፡1-12 ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሉጹ ልዯት ጏይታ ኣበሠሮም፡ ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ክብሪ ንኣምሊኽ ኣብ
ኣርያም ሰሊም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጏሰሎም ሰባት፡ ክብለ ስምዕዎም፡ እሞ ነቲ ዘበሠሮም ብሥራት ብዓይኖም ርእዮም ከረጋግጹ ናብቲ ዝበሎም ቦታ ናብ ቤተ-ልሔም ምስ ከደ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝዯቀሰ ሕፃን ጏይታን ረኸብዎም እሞ እናተሓጏሱ ተመልሱ። ለቃ.2፡8-20


 
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፡- ልዯት ክንብል ከሎና እምበኣር፡ እዚ ተበጃዊና ዝኾነ ኣምሊኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነትና ክብል ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪደ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልዯለ፡ ሥጋና ዝሇበሰለ፡ ሰብ ዝኾነለ መዓልቲ ኢዩ። ብናይ ቤተ-ክርስቲያንና ኣቆጻጽራ ፳፱(29) ታሕሳስ ኩለ ሣዕ ዓመት ዓመት ብሓጏስን ብድምቀትን ከነብዕሎ ኸኣ ንርከብ። እንሕጏሰለ ምኽንያት ድማ በቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት፡ ‚እነሆ ንኹለ ሕዝቢ (ዓሇም) ዝኸውን ዓቢይ ሓጏስ አበሥረኩም ኣሇኹ እሞ ኣይትፍርሁ፡‛ ዝበሎም መሠረት ኩለ ጊዜ ክንሕጏስ ንነብር። እምበኣር ሓጏስና ምለእ ምእንቲ ክኸውን ነዚ ኹለ ዝገበረልና ኣምሊኽ እናዘከርና ከምቲ ንሱ ዝዯልዮ ሠናይ ተግባር ሒዝና ብኣምልኾ እግዚኣብሔር ብእምነትና ጸኒዕና፡ ምኽሪ ቅደሳት መጻሕፍትና እናተኸታተልና፡ ንበይንና ጥራይ ክንሕጏስ ኣውዯ ዓመት ኢዩ’ሞ ሓድሽ ክዲን፡ ጥዑም መባልዕ ክንበልዕ ምባል ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ዝኾነ ተግባር ድማ እቲ ንኣምሊኽ ዘሓጉስ፡ ብዝያዲ ኣብዚ ዕሇት’ዚ ኢዩ ክንገብሮ ዝግብኣና ከምቲ ሓዋርያ ቅደስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ‚ንኣምሊኽ ከምዚ ዝኣመሰሇ መሥዋዕቲ ኢዩ ዘሓጕሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓልን ኣይትረስዑ።‛ ዕብ.13፡16 ዝብል እናዘከርና በዓልና ነኽብር።

ቡሩኽ በዓል ልዯት ይግበረልና።

No comments:

Post a Comment