Sunday, February 24, 2013


ጾመ ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

ጾመ ነነዌ
ጾም ማለት ቀዳማይ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ተኸልኪልካ ፍቓድ ሥጋ ንፍቓድ ነፍስ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ፣ ከምኡ`ውን ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ ኣፍካ ክፉእ ካብ ምዝራብ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ብሓፈሻ ካብ ኃጢኣት ተኸልኪልካ ምጽናሕ እዩ።
ጾም ካብ መግቢ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድነት ብጸሎትን ብምንባብ ቃለ እግዚአብሔር ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ፣ <እምበኣርሲ ሕጂ`ውን ብጾምን ጸሎትን ብብኽያትን። ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ይብል እግዚኣብሔር ንሱ ንኩራ ደንጓዪ ብሣህሉ ምሉእ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይን ርህሩህን መሓርን እዩ`ሞ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ከኣ ቅደዱ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም`ውን ተመለሱ> ይብል (ት.ኢዩ 2.12-13)፣ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቁ ብገዛእ ፍቓዱን ድሌቱን ክመላለስ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ንህዝቡ ድማ ንገፋዕቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ኣብ ክንዲ በረኸት ድማ መርገም ይሰደሎም ህዝቢ ኣምላኽ ውድቀቱን ጥፍኣቱን መከርኡን ርእዩ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምድላይ ገጹ ኣብ ዝመልሰሉ ግዜ ጾም እቲ ቀንዲ ንንስሓ ዘገልግል መሳርሒ እዩ። በቲ ዝበደሎን ዝፈጸሞን ተጣዒሱ ብብኽያትን ብናይ ሓቂ ጣዕሳን ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ምስ ዝምህለል ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ፣ ከም ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንና ከኣ ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል ንሱ ከኣ :-
  1. ናይ ፍቓድ ጾምን
  2. ናይ ኣዋጅ ጾምን ይበሃል፣
ናይ ፍቓድ ጾም ንሓደ ተነሳሒ ከም ቀኖና ዝወሃብ ናይ ግሊ ጾም እዩ፣
ናይ ኣዋጅ ጾም ድማ ብኣዋጅ ዝግበር ጾም ኮይኑ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሠሪዓትልና ኣላ ካብኣተን ድማ እዚ ጽባሕ እንኣትዎ ጾም ጾመ ነነዌ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ት.ዮናስ ተጻሒፉ እንረኽቦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብእከይ ግብሪ ናይ ህዝቢ ነነዌ ተቆጢዑ ነበረ እሞ ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምዃኑ ካብ ኃጢኣቶም ንኽምለሱ ንነብይ ዮናስ ናብታ ርእሲ ከተማ ኣሶር ዝኾነት ነነዌ ክኸይድ ኣዘዞ፣ <ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ እከይ ህዝባ ዓቢ ከምዝኾነ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ ኣንጻራ ስበኽ ኢሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣዘዞ፣> (ት/ዮናስ 1.1-2) ሰብ ነነዌ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣመንዎ። ኩሉ ክጸውም ድማ ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ከም ዝተጣዕሱ መታን ከርእዩ ከኣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንኣሽቶም ወጮ ተኸድኑ እዚ ወረ`ዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሐ ንሱ ድማ ካብ ዝፋኑ ተንሢኡ ልብሲ መንግሥቱ ቐንጢጡ ወጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙኩሽቲ ተቐመጠ። ኣብ ህዝቢ ነነዌ ከኣ ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፣
<ሰብ ወይ እንስሳ ገለ ነገር ኣይጥዓሙ። መጓስ ከብቲ ኮነ መጓስ ኣባጊዕ ገለ እኳ ኣይጥዓማ። ኣይውፈራ። ማይ`ውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላክ ይማህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እከይ መንገዱን ካብቲ እኩይ ግብሩን ይመለስ። ምናልባሽ ኣምላኽ ሓሳቡ ይልውጥን ካብ ግሁር ቁጠዐኡ ይምለስን ንሕና ከኣ ካብ ጥፍኣት ንድሕን ንኸውን> በሉ፣
ኣምላኽ ከኣ ካብ እከይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከምዝተመልሱ ረኣየ። ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ። ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ከኣ ኣይቀጽዖምን ስለዚ እግዚኣብሔር ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ካብ 120,000 ዝበዝሕ ሰብን ብዙሕ እንስሳን ዘለውዋ ክርህርሃሎምን ክምሕሮምን ከኣለ፣ ስለዚ ጾም ዝደለናዮ ዘበለ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበለሉ (ዘፀ 34.28)። ካብ ዝተፈላለየ መዓት ከም ጥሜት ስእነት ማይ። ሕማም። ኲናት…..ወዘተ እንተ ኣጋጠመና እንድኅነሉ (መ.ኣስቴር 4.16-17)። ከምኡ`ውን ጾም ንርኹሳት መናፍስቲ የርሕቖም (ማቴ 17.21)። መንፈስ ቅዱስ ይሓድረና ፍቓድ እግዚኣብሔር ከኣ ክንፍጽም ይሕግዘና(ግ.ሓ 13.2-3)፣
ስለዚ ጾም ዘይምዝውታር ኣብ ሥጋኻ ዘለካ ኣኽብሮትን ናይ ብልዒ ተገዛኢ ናይ ምዃንካ ምልክት ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ ዝረሓቐካ ሰብ ክትከውን ይገብረካ፣ ብሓፈሻ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ <እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾም`ሲ ንማእሰር ምፍታሕ። ነርዑት ባርነት ምዝላቕ። ንጥቑዓት ሓራ ምውጻእ። ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኩሉ ምስባር። እንጀራኹም ንጥሙይ ብምምቓል ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል ዕሩቕ እንተረኣኹም ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ> ክብል ተዛሪቡ`ሎ፣
ስለዚ ናይ ጾም ግዜ ብስነ ምግባርን ካብ መግቢ ብምኽልካልን ትውሰነሉ። ግዜ ጽድቅን ግዜ ቅድስናን እዩ`ሞ ነዚ ኣስተውዒልና ክንጸውም ጼምና ድማ ንበረኸት ክኾነልና ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፣
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

1 comment: