Monday, October 15, 2012

አቡነ አረጋዊ

ጻድቅ አቡነ አረጋዊ ካብ ነገድ ነገስታት ሮሜ ኮይኖም ካብ አቦኦም ይስሓቅ ካብ
ኣዲኦም ዕድና ዝተባህሉ ጻድቃን ፍርሓት እግዚአብሔር ካብ ዘለዎም ወለዲ ተወልዱ፤
አዲኦም ድማ ዓብደልመሲሕ ኢለን ሰመየኦም ትርጉሙ ገብረክርስቶስ(/አምላኽ)
ማለት እዩ፡ ''ካብ ጽቡቅ ጨና ጽቡቅ ስም ይበልጽ'' ንዝብል ቅዱስ ቃል ተርዲኦም
ንግብረ ክርስትና ዝምስክር ስም አዉጻአሉ ''ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ
አላምዶ እሞ ምስ ዓበየ ካብአ አይከልግስን እዩ፡ '' ከም ዝተባሃለ አቡነ አረጋዊ ድማ
ብጥበብን ፍርሃትን አምላኽ ዓበዩ።
ኩሉ ትምህርቲ ሓዲስን ቅዱሳት መጻሓፍቲን ተማሃሩ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ
ጸንዑ ንግሆን መሸትን ንቤተ ክርስቲያን ብምምልላስ ብመንፈስ ዓበዩ። ወለዶም እንተ
ኣሕጸይዎም ቃል ኪዳን ክአስሩ አይደለዩን፤ ቅሩብ ጽንሕ ኢሎም ሃገሮም ሓዲጎም ናብ
ገዳም አባ ጳኩሚስ አቦ ገዳማዊያን መጹ፤ አባ ጳኩሚስ ምስ ረአይዎም ካበይ
መጺእካ።ንስኻ ካብ ደቂ ነግስታት ኢኻ ትመስል ተጋድሎ ሙንኩስና ቀሊል`
መሲሉካኢሎም ሓተትዎ እሞ አቦና ብፁእ አረጋዊ ድማ "ናይ ምድሪ መንግስቲ
ሓላፊ እዩ፤ ፈትነኒ እሞ ግብረይ ርአ በልዎሞአባ ጳኩሚስ ድማ ንእግዚአብሔር
ክግዛእ እየ ዝብል አቀዲሙ ነፍሱ ንሕማማን ጻዕርን ከዳሉ አለዎ፤ ምኽንያቱ መጽሐፍ
ሲራክ 25 "ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ጻድቅ ከአ ብሕማማን ጥሜትን ይፍተን" ከም
ዝብል፤ ስለዚ ርእስኻ ባዕልኻ ፈትን በለዎም፤ ብኽሉ ስነ ምግባር ምስ ተፈተኑ አባ
ጳኩሚስ አልባስ ምንኩስና አብ መበል 14 ዕድሚኦም ከመቲ እግዚአብሔር አስኬማ
እንጦንስን መቃርስን ዝባርኹ ናትካ ከአ ይባርኽ ብምባል አስኬማ አልበስዎም
ስሞምዉን ካብ ስነ ምግባሮም ዝተበገሰ "አረጋዊ" ኢሎም ሰመይዎም።
ኣቡነ አረጋዊ ዘሚካኤል ተባሂሎም ይጽዉዑ ኔሮም ኢዮም፤ አብ ንእስነቶም
ምንኩስንኦም አብ ኩሉ ሃገር ምስተሰምዐ
ካብ ቁስጥንጥንያ፥
ካብ ሮም አባ ሊቃኖስ፥
ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ፥
ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ፥
ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ፥
ካብ እስያ አባ አፍጼ፥
ካብ ሮምያ አባ ጰንጤሌዎን፥
ካብ ቂሳርያ አባ አሌፍ፥
ናብ አባ ጳኩሚስን አቡነ አረጋዊን ዘለውዎ ገዳም ምንኩስና ኪቅበሉ መጹ፣ ከመይ
ጌርኩም ትኽእልዎ እንተበልዎም ቃል እዚ ህጻን እዚ ዓቢ መምህር ኮይኑና አሎ
ብጸሎትካዉን ክንክእሎ ኢና ልክዕ ከምቲ ያዕ.516 ''ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ
ተስልጥ'' ኢሉ ዝተዛረቦ ንዑኡይ ብምድጋም ክንክእሎ ኢና ብምባልን ፍቃድ
ብምሕታትን አልባስ ምንኩስና ለበሱ፥ ተባረኹ። ዜና አቡነ አረጋዊ አብ ኩሉ ምስ
ተሰምዐ አዲኦም ቅድስት ዕድና መጸት እሞ አዴኻ መጺአ አላ ክትርእየካ ትደሊ አላ
በልዎም ጎይታ ዝበሎዶ አሰማዕክምዎን ኢኹም ማቴ. 1248-50 “አዴኻን
አሕዋትካን ይደልዩኻ አለዉ እንተበልዎ በዓል መን እዮም አሕዋተይ መን እያ አደይ
ብዘይካ እቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብር እንተ ዘይኮይኑ ክብል ከም ዝመለሰኢሎም
መለስሎም። ናይ አዲኦም አመጻጻእ ግና 'ሰብ ብስጋኡ ረቢሑስ ብነፍሱ እንተ ተጎድአ
እንታይ ይጠቅም' ንዝብል ናይ ጎይታ አስተምህሮ አብ ልባ ተሰኪማ አሰር ወዳ ክትስዕብ
ከምዝመጸት ምስ ነገሮም ከይዶም ትቐበልዋ አብኡውን መንኮሰት።
አቡነ አረጋዊ ብጾምን ብምምሃርን ጸኒዖም ግርማ ለይቲን ጸብአ አጋንንቲ
ክኢሎም አብ ዝነበርሉ ጊዜ ምስ ክልተ ተማሃሮኦም ቅዱስ ሚካኤል መሪሕዎም ንጉስን
ጳጳስን አብ ዘለዉሉ ሃገረ አክሱም መጹ፣ ኩሉ ስርዓታትን ባህልን ምስ ረአይዎ
ቀልጢፎም ንሃገሮም ብምምላስ ንኣሕዋቶም አዘንተውሎም፣ ኣሕዋቶም ነዚ ምስ
ሰምዑ ተሓጉሶም ንሕና'ዉን ንኺድ ናብዛ ሃገር እዚኣ ብምባል ምስኩሉ ኣቑሑቶምን
ታቦቶምን ምስ ካህናትን ንዋየ ቅድሳትን ሕዝብን አቡነ አረጋዊ እናመርሕዎም አብ
ዘመነ መንግስቲ አልኣሚዳ ብባሕሪ ኤርትራ ጌሮም ገዳም ደብረ ሲና አቢሎም ሃገረ
አኽሱም ብጽሑ፣ እዚአቶም አብ ላዕሊ ስሞም ዝጠቀስናዮም 9 ቅዱሳን ሓቢሮም
ምሶም መጹ አብ ከጠን ዝበሃል ቦታ ከአ ብጾምን ብጸሎትን ተጸሚዶም ብሓባር ይነብሩ
ነበሩ፤ ንሳቶም ዝረገጽዋ ምድሪ ተቀደሰት ድሕሪዚ ንዑ ንፈላለ እምበር ከምዚ ኢልናስ
ዓድና ዘለና ኮይኑ ይስመዓና አሎ ተበሃሃሉ እና በኸዩ እግዚአብሔር ናብ ዝመርሖም
ቦታ ከዱ አቡነ አረጋዊ አብ እገል ዝተባህለት ቦታ መጹ አቡነ አረጋዊ ሕሙማት
እናፈወሱ ለምጻማት እናንጽሑ አጋንንቲ እና አዉጽኡ ምውታን እና አተንስኡ በዚ
ከመዚ ዝተፈላለየ ፈዉሲ ጸጋ እናበርከቱ ድሕሪ ምንባር አብ ምስጋግ ዝተባህለ ቦታ
ኮይኖም ንደብረ ዳሞ አማዕድዮም ርአይዋ፤ አብ እግሪ እታ ደብሪ በጺሖም ዞርዋ እሞ
መደየቢ ሰአኑላ ''እዚኣ እያ ክፍለይ ግና በየን ኪድይብ በሉ'' ከምዚ ኢሎም እና
ተጨነቁ ከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ እንታይ እዩ ሽግርካ? በሎም ንሶም ከአ አነ
ምእንቲ ኃጢአተይ ናብ አምላኸይ ክልምን ናብ ላዕሊ ክድይብ በልዎ እሞ ቅዱስ
ሚካኤል ድማ '' ገብረኣምላኽ ናይ ምድሪ መንግስቲ መናኒ ካብ ሃብቲ ድኽነት
ዝሓረኻ፥ አብ ክንዲ መንግስቲ ምድሪ ዝመነንካ መንግስቲ ሰማይ ተዳሊልካ አሎ፤ ግና
ቅሩብ ክሳብ ሓጋዚ ዝሰደልካ ተዓገስ በሎም፤ ቀልጢፎም ክድይቡ ሓሲቦም ስለ
ዝነበሮም ኃዘኑ በዚ ነገር እዚ ኪበኽዩ ከለዉ ቕዱስ ሚካኤል እቲ ኩሉ ጊዜ ከም አቦ
ዝናዝዞም መጺኡ አይትፍራህ ስልጣን ተዋሂቡካ አሎ ቅሩብ አዕርፍ፤ አብዛ ብዓቲ
እዚአ እግዚአብሔር ቅሞቱ 60 እመት ዝኾነ ዓቢይ ተመን አብ ክንዲ ገመድ
ክፍነወልካ እዩ እሞ ከደይበካ እዩ በሎም፤ ክልተ ሱባዔ ብጾምን ጸሎትን ምስ ጸንሑ
አብ ሰዓት ሰለስተ ናይ መዓልቲ እቲ ተመን መጺኦም። ጭራኻ ናብዚ በልዎ እቲ ተመን
ከአ ብቃንቃ ደቂ ሰባት እንታይ ርኢኹም ኢኹም ናብ እዛ ደብሪ(ጎቦ) ክትድይቡ
እትደልዩ፥ ዝስተ ወይ እተጽልሉ ኦም የልቦን ብዘይካ አዕዋፍ በሎም። አቡነ አረጋዊ ግን
ከምቲ ካብ አእላፍ ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ አፍካ ይሕሽኒዝተባህለ (መዝ.11972)
ነቲ ተመን እቲ ዝተአዘዝካ ግበር እግዚአብሔር ካብ ድላየይ አይክልአንን እዩበልዎ
ጭርኡ ሰደደሎም ቅዱስ ሚካኤል ከአ ምእንቲ ከየፍርሖም ብሸነኽ የማን ነበረ፤
ኣቡነ አረጋዊ ዝባን እታ ደብሪ ምስ በጽሑ ገጾም ብትእምርተ መስቀል ዓቲቦም
ሰለስተ ጊዜ ብምስጋድል ሃሌ ሉያ ለአብ፥ ሃሌ ሉያ ለወልድ፥ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ
(ማለት ምስጋና ንአብ፥ ምስጋና ንወልድ፥ ምስጋና ንመንፈስቅዱስ) በሉ፤ በዚ ከአ እታ
ደብሪ ''ደብረ ሃሌ ሉያ'' ተባህለት አቡነ አረጋዊ ዝደየብሉ 12 ጥቅምቲ ብበዓል ቅዱስ
ሚካኤል እዩ፤ አቡነ አረጋዊ አብ ታሕቲ ከለዉ ምሉእ ሕብስቲ ዝዉድኡ ዝነበሩ አብ
ላዕሊ ምስ ወጹ ፍርቂ ህብስቲ ጥራይ በሊዖም ጸገቡ እሞ በምሳል እታ ፍርቂ ሕብስቲ
አብ ኦም ቀሪጾም ክሳብ ሕጂ ትእምርቲ ትርከብ። ንደሓር አቡነ አረጋዊ ሕብስቲ
ምድራዊ ዘይኮነ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስቲ እናተመገቡ ብዙሓት አመንትን
መነኮሳትን አፍረዩ፤ ክሳብ 600 መነኮሳት ከምዝነበሩ ይዝንቶ፤ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን
ተጋድሎን ጎይታናን አምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ፍርቂ ለይቲ
ተራእዮም እሞ ከምዚ በሎም፤ ጸሎትካ ሰሚዐዮ አለኹ ካብዚ ከፍልሰካ(ከግዕዘካ) ካብ
ድኻም ናብ ዕረፍቲ፥ ካብ ኃዘን ናብ ሓጎስ፥ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ፥ ከእትወካ እየ። ነዚ
ሓላፊ ዓለም መኒንካ ኢኻ ኢሞ ዘይሓልፍ መንግስቲ ከዉርሰካ እየ፤ ዓይኒ ዘይረአየቶ
እዝኒ ዘይሰምዓቶ ከምኡዉን አብ ክንዲ ሃገርካ ዝመነንካ፥ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት
ከዉርሰካ እየ፤ ቤትካ ስለዝመነንካ ዘይሓልፍ አብያት ከውርሰካ ኢየ። ቅዱስ ጳዉሎስ
ዝተዛረቦ ተስፋ አቦና ገና ብህይወት እንከሎዉ ተነግሮም ''አምላክ ነቶም ዚአምንዎ
ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒዉን ዘይሰመዓቶ ልቢ ዘይሓሰበቶ አዳሊሎም አሎ''
ዝኽርኻ ዝዘከረ ብጸሎትካ ዝተማሕጸነ መጽሓፍ ገድልኻ ብእምነት ዝጸሓፈን
ዝተርጎመን አነ አብ መጽሓፍ ሕይወት ስሙ ክጽሕፎ እየ። ብስምካ ጥሙይ ዘጽገበ
ንጽሙእ ዘስተየ፥ ቤተ ክርስትያንካ ዝሃነጸ፥ ከጽግቦ፤ አብያተ ብርሃን ከውርሶ እየ
ዝብል ቃል ኪዳን ''ምስ ሕሩያነይ ኪዳን አተኹ፤'' (መዝ. 894) ከም ዝተባህለ ምስ
አቦና አረጋዊዉን አተወሎም።
አቡነ አርጋዊ ንኹሎም አርድእቶም ጸዊዖም እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ከም
ዝአተወሎም ዝኽሮም ስሞም ንዉሉድ ወሎዶ ክሳብ ሕልፈት ዓለም ከምዝጸንሕ
ሓበርዎም። ድሕሪ ሕጂ ብስጋ አይክትርእዩንን ኢኹም፡ ብምባል ብዙሕ ናይ ምጽንናዕ
ቃላት ብምሃብ ንማትያስ እገድፈልኩም አሎኹ ኢሎም ናብ ባዓቶም ድሕሪ ምምላስ
ናብ ንቡር ጸሎቶም ምጽላይ አድሃቡ፤ ማትያስ ንግሆ ምስ ረአዮም ሰዓት 900 ረፍዲ
ምልስ እንተ በለ ብዘይካ መስቀሎምን መቖምያኦምን አይረኸቡን እግዚአብሔር
ሰዊርዎም፤ ከም ሄኖክ መሪጽዎም ከም ኤልያስ ብክብሪ ብሰረገላ ፈረስ ናብ ሰማይ
ሰዊርዎም ከም ዮሓንስ አነ ክሳብ ዝመጽእ አይክትሞቱን ኢኹም ንዝብል ቃል ወንጌል
ክምረጹ በቒዖም። (ዘፍ 524 2 ነገ. 211 ዮሓ 2123)
በረኸት አቦና አረጋዊ ምስ ኩላትና ይኩን፥
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

No comments:

Post a Comment